'እቲ ውሳነ እናመረረና ዝወሓጥናዮ ሓቂ እዩ" ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ

ነቶም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ተታሒዙ ዘነበረ እሱራት ፖለቲካ፡ ክሶም ተቛሪጹ ብይቕረታ ክፍትሑ ምግባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ቁጥዐ ዘላዓለ እንተኾነ'ኳ፤ ክውሰድ ዝግበኦ ውሳነ ከምዝኾነን ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ዕውት ንምግባር ብዝብል ካብ ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፣ ካብ ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲን ከምኡ'ውን መራሕቲ ህወሓት ነበር ክሲ ተቛሪጹ ክፍትሑ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፤ ካብ ገለ ኩርነዓት፡ ተቓውሞን ሕቶን ከለዓል ተራእዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ሓድሽ ዋና ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ተረኺቡ ነቲ ዝስማዕ ዘሎ ተቃውሞታት ኣልዒሉ ምላሽ ሂብሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር "ንሕና'ውን መጀመርታ እንክንሰምዖ ኣሰንቢዱና አዩ" ብምባል፡ "እንተኾነ እቲ ዓላማ ምስ ፈተሽናዮ ንኢትዮጵያ ዝጠቅም፣ ጸላእቲ ዝንኪ፣ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ሰለማዊ ዘተ'ውን ክንደግሞ ዝገብር እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነቶም 'ዝተስዓሩ' ዝበሎም ሓይልታት ክሶም ክቋረጽን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑን መስ ተገበረ፡ ካብ ክልተ ኩርናዕ ቁጥዐ ከምዘልዓዓለ ተዛሪቡ።

እቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንክህሉ ዘይሕጎስ ዝበሎ ኾይኑ ፡ "ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡ• • • .ኣጓጉል ኣምሰሉነት ዘጥቀዖም ብዙሕ እዝኒ ዘይንህቦም" ብምባል ኣነኣኢስዎም።

እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ፤ በቲ ናይቲ ዜና ሃንደበትነት ዝሰንበደ፡ "ንሃገሩ ኩሉ ነገር ዘበርከተ፤ ነቲ እኲዪ ጸላኢ ኣዝዩ ኣምሪሩ ዝጸልእ ምስዚ ኣካል ዝግበር ዝኾነ ዝርርብ 'ንኢትዮጵዮያ ይጎድእ እዩ' ኢሉ ዝኣምን ቅኑዕ ቁጡዕ" ኢልዎ።

ንሱ፤ መንግስቲ ናይቲ ካልኣይ ወገን ስግኣት ዝርድኣን ከረድእ ዝፍትንን ምዃኑ ድማ ኣንፊቱ።

መንግስቲ ንሃገር ሰላም ክብል ዝተቐበሎ ምዃኑ ከመልክት እንከሎ፡ " እናመረረና ዝዋሓጥናዮ ሓቂ እዩ" ኢሉ።

ነቶም ኣብ ካልአይ ወገን ዘቕመጦም ነቲ ውሳነ ዝቃወሙ ውልቀሰባት ድማ፡ "ንስኹም'ውን ንሃገር ዘላቒ ሰላም ክትብሉ፤ ንሃገር ክብርን ሰዓራይነትን ክትበሉ ደጋጊምኹም ብምሕሳብ ተቐበልዎ" ክብል ምዒድዎም።

እቶም ዝተፈትሑ ውልቀሰባት፡ ስልጣን ሒዞም ዘይተሳተፉ፣ ብቐጥታ ዝውስኑን ብቀጥታ ዝተሓዙን ከምዘይኮኑ ብምግላጽ፡ "ሽማግለታት እንተተኻኢሉ ናብ ገዳም፤ ወይ ድማ ናብ ገዛውቶም ምበር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከይጸንሑ ኢና ወሲንና፡" ኢሉ።

ከምኡ'ውን ነቶም ውልቀሰባት፡ ክሶም ተቋሪጹ፡ ይቕርታ ክግበረሎም ዝመረጸ፡ ብድሕሪኦም ንዘሎ ህዝቢ ክብሪ ብምርኣይ ምዃኑን ነዚ ናይ ሰላም ከይዲ ብግቡእ ክጥቀምሉን ሓቲቱ።

እንተኾነ፡ "ክሲ ምቁራጽ ማለት ምሕረት ምግባር ማለት ኣይኮነን፤ እቲ ክሲ መሊስካ ምምዛዝ ይከኣል እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ዝተወሰነሎም ካብ መራሕቲ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮነግረስ [ኦፌኮ]፡ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሰን መራሕቲ ነበር ህወሓትን ይርከብዎም።

ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል መጋባእያ ሕገ መንግስትን ግብረሽበራን ክርአ ካብ ዝጸንሐ ኣብ ናይ ጃዋር መሓመድን እስክንድር ነጋን መዝገብ ዝርከቡ ተኸሰስቲ፤ ክሶም ክእለይ ዝተገብረ ነቲ ሃገራዊ ዘተ ዕውትነት ክበሃል ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ ናይ ጥዕናን ኩነታት ዕድመን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ናይ በዓል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መዝገብ ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ መራሕቲ ነበር ህወሓት ክሶም ክቋረጽ ከምዝተገበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ "ኢትዮጵያ ንዘላቒ ብሄራዊ ሓድነት ዝኾነ መስዋእቲ ክትከፍል እያ" ብዝብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጸገማት ኢትዮጵያ ኩለንትናዊ ብዝኾነ መልክዕ ምፍታሕ ከምዘድሊ እምነት መንግስቲ ምዃኑ ጠቒሱ።

ነዚ ናይ መንግስቲ ውሳነ ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝተውሃቡ ኾይኖም፡ ብዙሓት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድጋፍን ተቓውሞን ከሰውምዑ ተስተውዒሎም።