እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጠበቓታት በዓል ጃዋር መሓመድ ብድሕነት እቶም እሱራት ፖለቲከኛታት ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም
ስድራን ጠበቓታትን ናይቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ንድሕነት እቶም እሱራት ዘስግኡ ምንቅስቓሳት ከም ዝተዓዘቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ድማ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ተቐትለ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኦሮሚያን ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ልዕሊ 150 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ዝተኸሰሱ ፖለቲከኛታት ኣቶ ጃዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባ፣ እስክንድር ነጋን ካልኦት ተቓወምትን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እዞም ፖለቲከኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ቤት ፍርዲ እኳ እንተቐረቡ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ውሳነ የለን።
ካብ ጠበቓታት እቶም እሱራት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ቱሊ ባይሳ እቲ ንድሕነት እቶም ፖለቲከኛታት እሱራት የስግእ'ዩ ዝበሎ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሓሙስ ምሸት ሰዓት 2፡40 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
"ናብ ዓማዊልና ከይድና ክነጻርይ ከም ዝፈተንናዮ ዘይተፈቐደሎም ሰባት ምስ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ከምኡ'ውን ኣባላት ብሄራዊ መረዳእታትን ድሕነትን ከም ዝኾኑ ምስ ዝተገለጹ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰለስተ ሰባትን ካልኦት ወተሃደራትን ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ተባሂሉ" ይብል።
እዞም ውልቀሰባት ፍቓድ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከይረኸቡ ብምእታው በዓል ጀዋርን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝተኣሰሩሉ ቦታ ምሕታቶምን ኣመሓደርቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣዘራረብዎም ከይረኸቡዎም ከም ዝወጽኡ እቲ ጠበቓ ይዛረብ።
ይኹን'ምበር "መንነቶም ክገልጹን ፍቃድ ከርእዩን ምስ ተሓተቱ 'ናታቶም ድሕነት ንምርግጋጽ ኢና መጺና'" ክብሉ ከም ዝመለሱ ሓቢሩ።
ወዱ ንኣቶ በቀለ ገርባ ሳሙኤል በቀለ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖለቲከኛታት ስግኣት ድሕነት ከም ዘሎ ብምግላጽ ሓለዋ ክግበረሎም ይሓትት።
"እዞም ሰባት ዘለዎም ጽልዋ ኣብ ግምት እንተእቲናዮ ብዙሕ ጸላኢ ከም ዝህልዎም ምግንዛብ ይከኣል'ዩ። ስለዚ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ብጽኑዕ ሓለዋ ክግበረሎም'ዩ ዘለዎ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ቅልጡፍ ንጉዳዮም መዕለቢ ክገብረሉ ኣለዎ" ይብል።
ጠበቓ ኣቶ ቱሊ'ውን ኣብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ክፍጠር ከሎ ዘሻቕል ብምዃኑ ብቕልጡፍ ምጽራይ ክካየደሉ ከም ዝግባእ ሓቢሩ።
ምኽትል ሓላፊ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፍቃዱ ጸጋ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ጉዳይ ንምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ዝምልከት ከም ዝኾነ ብምግላጽ መንግስቲ ድሕነት ናይቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዉ ተሃነጽትን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዝርከቡ ሰባትን ውሑስ ምዃኑ ናይ ምርግጋጻ ግቡእ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
"ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዝባሃል ነገር ሓበሬታ በጺሑና'ሎ። ስድራን ጠበቓን ኣቶ ጃዋርን ኣቶ በቀለን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣረዲኦምኒ'ዮም። ይኹን'ምበር ክሳብ ሕጂ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን" ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ፌደራል ኣብያተ ማእሰርቲ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገብርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።