'ደቂ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምዃንና ጥራይ ምእሳርና ኣዝዩ የሕዝነኒ' ቦንቱ በቀለ ገርባ

ቦንቱ በቀለ ገርባ፡ ሓንቲ ካብቶም ሰነ 23 ምስ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ካልኦትን ኣብ ቀይዲ ዝኣተው እያ።

ኣብቲ መዓልቲ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ሐዋን ካልእ ዘመዳን ከምዝርከቡ ቦንቱ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብሓሙስ 9 ሓምለ [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቀትሪ ከም ዝተፈትሐት ሓቢራ።

ኣብ ቀይዲ ልዕሊ 15 መዓልታት ምጽንሖም እትዛረብ ቦንቱ፡ ምንኣስ ሓዋን ናይ ቀረባ ዘመዳን ከባቢ ጉለሌ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክእሰሩ ከለው፡ ንሳ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፌደራል መርመራ ገበናት ምጽንሓ ትዝረብ።

ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ጉዳይ መእሰሪኦም ዝኾነ ኣካል ከም ዘይሓበሮም ንቢቢሲ ዝገለጸት ቦንቱ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ፖሊስ ክሶም ከንብብ ከሎ፡ ዝተጠርጠርሉን ኣብ ቀይዲ ዝኣተውሉን ምኽንያት ከም ዝሰምዐት ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ናብ ፌደራል መርመራ ገበናት ተወሲድና፡ ኣብ ኮሮድዮ ኣብ ባይታ ኢና ደቂስና ሓዲርና" ድሕሪ ምባል ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐትለን 17 መዓልትታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐት ሓቢራ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተነበበሎም ክሲ "ምስ መተሓባብርቶም ብምዃን ንፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ብምቕታል" ከም ዝብል ዝሓበረት ቦንቱ፤ ነጻ ክትስደድ ከላ ዝተገለጸላ ምኽንያት እንተሎ ምስ ሓተትናያ፡ ካብ ዝጸንሐትሉ ክፍሊ ናብ ቤት ጽሕፈት ከም ዝተጸውዐትን፡ ናይ ዋሕስ ቅጥዒ ዝብል ወረቐት ምስ ፈረመት፡ ንብረታ ሒዛ ክትወጽእ ጥራይ ከም ዝተሓበራ ተዛሪባ።

ሐዋን ቀረባ ዘመዳ'ውን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ኣብ ከባቢ ጉለሌ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተፈትሑ ገሊጻ።

ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐትሉ ኩነታት

ኣብ ፈለማ ኣርባዕተ መዓልትታት፡ መስኮት ኣብ ዘለዎ ክፍሊ ከም ዝተኣሰረት፡ ብርሃን ይኣትዎ ከም ዝነበረን ቦንቱ ትገልጽ።

እቲ መስኮት ምስቲ ኣቡኣ ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ጃዋር መሓመድን ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ክፍሊ ስለ ዝጥምት፡ ረኺባ ከምዘዘራረበቶም'ውን ሓቢራ።

ብድሕሪኡ ግና ፖሊስ ንኣቡኣን ንጃዋርን በቲ መስኮት ከም ዝረኸበቶም ምስ ፈለጡ ናብ ካልእ ዘይክፈት መስኮት ዘለዎ ክፍሊ ከም ዝቐየርዋ ተዛሪባ።

ናብ ሽንቲ ቤት ንምኻድ ፍቓድ ምሕታት የድሊ ምንባሩ ዝገለጸት ቦንቱ፡ ፍቓድ ዘይትረኽበሉ እዋናት ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሐ ዝኾነ ጸገም ከምዘይነበረ እኳ እንተተዛረበት፡ ካብ ካልኦት እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈለየ ክትትል ይግበረላ ከም ዝነበረ ሓቢራ።

ድሕሪ ሰዓት 6 ድ.ቀ፡ እቲ ክፍሊ ስለዝልኮት፡ ናብ ሽንቲ-ቤት ምኻድ ስለዘይፍቀድ፡ ለይቲ ከምዝጽገሙን፡ ኣብቲ ዝተኣሰርሉ ክፍሊ'ውን ከይጥቀሙ ካሜራ ብምንባሩ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ትዝክር።

ሐዋን እቲ ቀረባ ዘመዳ እውን ዝኾነ ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዘይበጽሖም ዝገለጸት ቦንቱ፡ ሐዋ ዘድልዮ ዝነበረ ሕክምናዊ ሓገዝ ይረክብ ምንባሩ ተዛሪባ።

ፈለማ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከለው፡ 26 ነይሮም ዝበለት ቦንቱ፡ ሓደ ካብኣቶም ኮቪድ-19 ከም ዝሓመመ ተጠርጢሩ ንሕክምናዊ ክትትል ከም ዝተወስደ ገሊጻ።

ኣቦኣ ብሰላማዊ መገዲ ከም ዝቃለስን ስድርኡ ነቲ ዓላማ ከም ዝድግፍን ብምግላጽ፡ "ኣቦይ ኣባል ኣመራርሓ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምዃኑ ጥራይ ኣባና እዚ ምብጽሑ፡ ኣዝየ እሓዝን" ትብል።

ጓል በቀለ ገርባ ብምዃናን ምስኡ ብምጽንሓን ጥራይ ማእሰርትን ምንክልባትን ከም ዝበጽሓ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ደጊም ኣቓልቦ እቲ ስድራ ኣብ ምክትታል ኩነታት ኣቶ በቀለ ገርባ ከም ዝኸውን'ውን ሓቢራ።

"ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮነኩን፡ ኣብ ካልእ ስራሕ እየ ተዋፊረ" ዝሰርሕ ድሕሪ ምባል፡ ኣቡኣ ዘድልዮ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምርካብ፡ ስልጣንያ ምብጻሕ፡ ምስ ጠበቓታት ምዝርራብ፡ ዝቕጽል ስርሓ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

"እንተኾነ ግን ከም ኣቦይ፡ ብማዕርነት፡ ብደሞክራስያዊ መገዲ ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝኣምን እየ። ወትሩ፡ ዘይፍትሓውነትን ኣድልዎን ዝቃወም እየ" ብምባል ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ተሳትፎ ከም ዘይብላ ተዛሪባ።