ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ሓይሊ ምጥቃም ደው ከብል ጸዊዑ

ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መገልጺ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ነቲ ቅልውላው ዘጋድድ እዩ ኢሉ።

እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ርኡይ ዝኾነ ዘይተመጣጠነ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ” ይወስድ ምህላዉ እውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ፡ ማእሰርቲ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ድማ “ዘይፍትሓዊ” ከምኡ ድማ “ዘሻቕል” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ኣባላት ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ዝኾኑ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ብሰሉስ ንጉሆ ከምዝተኣሰሩ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ ኣብ ፈለማ ዝተኣሰርሉ ቦታ ኣይተገለጸን ነይሩ ኢሉ።

“ሕጂ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ሶስተኛ’ ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ቤተሰቦም መግብን መድሓኒትን ክወስዱሎም ተፈቒዱሎም እኳ እንተኾነ፡ ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ተገይሮም’ዶ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን” ኢሉ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝበሎ፡ ናይ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ወዱን ጓሉን እውን ተኣሲሮም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን።

ካልእ ፍሉጥ ተቓዋሚ፡ እስክንድር ነጋ’ውን ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክኸፍት ድማ እቲ ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ትካል ጸዊዑ።

ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርኔት፡ ብዝሒ ኣብ’ታ ሃገር ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ሰልፈኛታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝገበሮ’ውን ገሊጹ።

እዚ ኮይኑ’ውን ግን፡ ብሓፈሻ 90 ሰባት ከምዝተቐተሉ እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ነቲ ቅልውላው ዘጋድድ ምዃኑ ዝገለጸ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክኽፈት፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ደው ከብልን፡ “ብዘይፍትሓዊ” መገዲ ንዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ክፈትሕን ጸዊዑ።