ኩነታት ጥዕና በዓል ጃዋር የንቆልቁል ምህላው ሓኪሞም ገሊጹ

መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዝገብሩ ዘለው ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባ፡ ሸምሰዲን ጠሃን ሃምዛ ኣዳነን፡ ብሰንኪ እቲ ንመዓልታት ቀጺሉ ዘሎ ኣድማ፡ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘርኣዩ ሓደ ካብ ሓካይሞም ዝኾነ ዶክተር ኢሊሉ ጀማል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቅትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ድሕሪ ዝተልዓለ ዕግርግር ኣብ ቀይዲ ዝኣተውን ክሲ ተመስሪትዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡን እቶም ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ስድራቤቶምን ዝበጽሕ ማእሰርትን ምክልባትን ብምቅዋም ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ካብ ዝጅምሩ 13 መዓልትታት ከም ዘቑጸሩ ጠበቓታቶም ይዛረቡ።

ኩነታት ጥዕና ጃዋርን ካልኦት ኣብቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዝርከቡ እሱራትን ዝከታተል ዶክተር ኢሊሊ ጀማል ክሳዕ ሰሉስ ክከታተሎም ከም ዝጸንሐ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እንተኾነ ብረቡዕ ነቲ ንቡር ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንምሃብ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተኸደ “ብዘይፈለጥክዎ መገዲ ኣብ መእተዊ ምድንጓያትን ምምልላስን ምስጸንሓና ክንረኽቦም ብዘይምኽኣልና ተመሊስና” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

በዓል ጃዋር ነቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዝገብሩ ዘለው፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝበጽሕ ምክልባትን ማእሰርትን፡ ክበጽሕዎምን ናይ መጋባእያ መስርሓትን ክከታተሉ ናብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝመጽኡ ሰባት ዝፍጸም ማእሰርትን ምክልባትን ደው ክብል ንምሕታት ምዃኑ ቢቢሲ ካብ ጠበቓታቶም ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

በዓል ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባ፡ ሸምሰዲን ጠሃን ሃምዛ ኣዳነ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝርከቡ ሓለውቲ ጃዋር መሓመድን ጋዜጠኛ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ዝኾነ መለሰ ዲሪብሳን ነቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ተጸምቢሮምዎ ምህላዎም ይፍለጥ።

ፍሉጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ምክትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግርስ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት ቅትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ምስ ዝተልዓለ እግርግር ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ።

ብዘይካ በዓል ኣቶ ጃዋር፡ ላዕለዎት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከም ዝርከቡ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣቶ ሚካኤል ቦረን ከምኡ’ውን ኬኒሳ ኣያና ኣብ ቤትፍርዲ ናይ ዋሕስ መሰሎም ተኸቢሩ ጉዳዮም ካብ ደገ ክከታትሉ እኳ እንተተፈቐደሎም ፖሊስ ነቶም እሱራት ክለቅቕ ብዘይ ምድላዩ ኣብቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከም ዘለው ጠበቕኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።