እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምርጫ ሩሲያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ብዓብዪ ብልጫ ተዓዊቱ
መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ሩሲያ ኾይኑ ክቕጽል ንዝተዓወተ ቭላድሚር ፑቲን እንኳዕ ደስ በለካ ይብሉ'ኳ እንተሃለዉ ክሳብ ሕዚ ግና ዋላ ሓንቲ ምዕራባዊት ሃገር ንዓወቱ ምላሽ ኣይሃበቶን።
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ንቭላድሚር ፑቲን እንኳዕ ደስ በለካ ብምባል፡ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት "ኣብ ታሪኽ ኣብ ጽቡቕ ብርኪ" እዩ ዘሎ ኢሉ።
ፕረዚደንት ፑቲን 76 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ዝተዓወተ ኾይኑ፡ ፕረዚደንት ዢ "ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ቻይናን ሩሲያን ኣብ ታሪኽ ኣብ ዝለዓለ ጸፍሒ ኣሎ። እዚ ሓዱሽ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ንምህናጽ መርኣያ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
መራሕቲ ካዛኪስታን፣ ቤላሩስ፣ ቬንዙዌላ፣ ቦሊቪያን ኵባን መልእኽቲ ሰናይ ተምኒት ልኢኸን'የን።
መረጻ ሩሲያ
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዓቢ ብልጫ ተዓዊቱ'ዩ።
ኣብቲ ብኣጋኡ'ውን ክዕወተሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ቭላድሚር ፑቲን ንዝቕጽሉ ሽድሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ሩሲያ ኾይኑ ክቕጽል'ዩ። ዳርጋ ኩሉ ድምጺ ድሕሪ ምቑጻሩ፡ ፑቲን 76 ሚእታዊ ድምጺ ከምዝረኸበ ማእከላይ ኮሚሽን ምርጫ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣለክሰይ ናቫልኒ ኣብቲ ምርጫ ኸይወዳደር ተኸልኪሉ'ዩ።
ኣድመጽቲ "ነቶም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተሓፍሱ ዓወታት ኣለልዮሞም'ዮም" ኢሉ ፑቲን ንደገፍቱ ኣብ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዘካየዶ ናይ ጎልጎል ኣኼባ።
ፑቲን፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ክሳብ ዝኸውን ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕን
ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ካልእ ምርጫ ክወዳደር እንተኾይኑ ጋዜጠኛታት ምስ ሓተትዎ ድማ፡ ነቲ ሕቶ ብሰሓቕ ሓሊፍዎ። "እዚ ትብልዎ ዘለኹም ቁሩብ ዘስሕቕ'ዩ። ወዲ ሚእቲ ዓመት ክሳብ ዝኸውን ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ'ዶ መሲልኩም? ኖ፡ ኖ" ኢሉ።
እቲ ብኣጋኡ'ውን ተገሚቱ ዝነበረ መጠን ናይ ዓወት ካብቲ ኣብ 2012 ዝተረኸበ 64 ሚኢታዊ ርኡይ ዕቤት'ዩ ኣርእዩ። እቲ ንፑቲን ዝቐረበ ተወዳዳሪ ዴሳዊ ሚሊየነር ፓቨል ግሩዲኒን ኣስታት ዓሰርተ ክልተ ሚእታዊ ድምጺ ረኺቡ።
ኣብቲ ውድድር ኣቕራቢ ምርኢት ቴሌቪዢን ነበር ክሰኒያ ሶብቻክን 2 ሚኢታዊ ክረክብ እንከሎ፡ ገዲም ሃገራዊ ቭላድሚር ዢሪኖቭስኪ ድማ 6 ሚእታዊ ረኺቡ።
መጠን ዘድመጸ ህዝቢ 60 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ተገሊጹ። ጉጅለ ጎስጓስ ፑቲን ድማ "ንምእማኑ ዘጸግም ዓወት" ድማ ኢሉ። "እዚ ንርእዮ ዘለና ቁጽሪ ንባዕሉ ይዛረብ'ዩ። ፑቲን ኣብ መጻኢ ንዝወስዶም ውሳነታት ዘድልዮ ናይ ሓላፍነት ስልጣን'ዩ።
ክወስዶም ዘለዎ ብዙሓት ውሳነታት ኣለውዎ" ኢሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ንማዕከን ዜና ሩስያ ኢንተርፋክስ። ኣብ እዋን ምርጫ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት መግቢ ብነጻን ብትሑት ዋጋታትን ክዕደልን ክሽየጥን ተራእዩ።
ኣብ ብዙሓት ከተማታትን ሓውሲ-ከተማታትን ኣብ ዝነበሩ ናይ ምርጫ ነቑጣታት ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ከምዝነበረ ኣብ ምስልታት ቪድዮ ተራእዩ። ሰበ-ስልጣን ኮሚሽን ምርጫ ድማ መድመጺ ወረቓቕቲ ኣብ ሰናዱቕ ምርጫ ክመልኡ እንከለዉ ኣብቲ ምስልታት ቪድዮ ተራእዮም።
ሚስተር ናቫልኒ ብሰንኪ'ቲ ብመንግስቲ'ዩ ተማሂዙ ዝበሎ ናይ ምጥፍፋእ ክሲ'ዩ ካብቲ ምርጫ ተኣጊዱ። ድሕሪ ምንጋር ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ሕርቃኑ ክቆጻጸር ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
"እዚ እዋን'ዚ ናይ ዓብይ ጾም (ጾም ኣርባዓ) እዋን እዩ። ንኸይሓርቕን ዓው ኢለ ንኸይዛረብን ወሲነ'የ። ብሓቂ፡ ንዓመታ'ውን ክደግሞ'የ" ኢሉ ትዊት ገይሩ ንሱ።
እቲ ጎሎስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘይሻራዊ ተዓዛቢ ምርጫ፡ ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ኣማኢት ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝተዓዘበ ገሊጹ። ገለ ካብኣቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡
- ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መድመጺ ወረቓቅቲ ኣብ ሰናዱቕ ምርጫ ኣትዮም ተረኺቦም
- ተዓዘብቲ ምርጫ፡ ኣብ ገለ መድመጺ ነቑጣታት ንከይኣትዉ ተኸልኪሎም
- ግዱድ ምድማጽ ብዝመስል ዓይነት፡ ገለ ሰባት ንኸድምጹ ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም መጺኦም
- ኣብ መድመጺ ነቑጣታት ዝተተኽላ ካመራታት (ዌብካምስ) ብባላንቺናታት ከምዝኽወላ ተገይረን።
ብኮምሽን ምርጫ ካብ መድመጺ ነቑጣታት ብቐጥታ ዝተመሓላለፉ ምስልታት ቪድዮ ድማ ሰበ-ስልጣን መድመጺ ወረቓቅቲ ኣብ መድመጺ ሰናዱቕ ክመልኡ እንከለዉ ኣርእዮም።
ኣብ ዳጌስታን፡ ሓደ በዓል ስልጣን ምርጫ፡ ስርሐይ ከይሰርሕ ብእኩባት ሰብኡት ተኸልኪለ ኢሉ።
ሓላፊት ኮሚሽን ምርጫ ኤላ ፓሚፊሎቫ ግን ዛጊት ዝተመዝገበ ዓቢ ጥሕሰት የለን ኢላ።
"ኩሉ'ቲ ክንገብሮ እንኽእል መርመራ ገይርና ኣለና። ኩሉ'ቲ ዝመጽአ መርሚርናዮ ኣለና። ፈጣሪ ይመስገን፡ ኩሉ ነገር ልዙብ'ዩ ዘሎ" ኢላ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ናይቲ ኮሚሽን። ዝኾነ ይኹን ኣብ ጥሕሰት ተሳቲፉ ዝተረኽበ ሰብ ክተሓዝ ምዃኑ ኣቐድም ኣቢላ ተዛሪባ ነይራ።
እዚ ናይ ሰንበት ምርጫ፡ ኣብታ ሩስያ ካብ ዩክሬን ጎቢጣ ዝሓዘታ ዞባ ክረሚያ ናይ ፈለማ'ዩ ነይሩ። ፑቲን ድማ ብምኽንያት ራብዓይ ዓመት ናይቲ ጎበጣ ኣብ መዓልቲ'ቲ ምርጫ ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል መደረ ከስምዕ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።
እቲ ጎበጣ ብዩክሬን ዓቢ ተቓውሞ ከጋጥሞ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበረ ወጥሪ ድማ ብዝያዳ ኣዕሪጉ እዩ። መንግስቲ ዩክሬን ንናይ ሩስያ ዲፕሎማስያውያን ተልእኾታት (ሚሽናት) ብምዕጻዉ ድማ ኣብ ዩክሬን ዝነብሩ ሩስያውያን ኣብቲ ናይ ሰንበት ምርጫ ከድምጹ ኣይከኣሉን።