እተን ዝኸበራን ዝሓሰራን ከተማታት ዓለምና ኣየኖት እየን?

ፓሪስ ምስ ከተማታት ሆንግ-ኮንግን ሲንጋፖርን ካብተን ዝኸበራ ከተማታት ዓለም ምዃና ተገሊጻ።

ዓለማዊ ቁጠባዊ መጽናዕቲ ኣብ 133 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ዝኸበራ ምዃነን ገሊጹ።

እዛ ፈረንሳዊት ከተማ ፓሪስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዓሰርተ ሃገራት ዞባ ኤውሮጳ ካብተን ዝኸበራ ከተማታት ካልኣይ ደረጃ ተሰይማ ነይራ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ከም ባንን ካልእ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት እዩ ኣወዳዲሩ። ንከተማ ኒው ዮርክ ከም መበገሲ ወሲዱ ከኣ ዋጋታት ይውስኽ ድዩ ይጎድል መዚኑ።

ናይቲ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ሮክሳና ስላቭቸቫ፡ ፓሪስ ካብ 2003 ኣትሒዛ ካብተን ንኽትነብረን ኣዝየን ዝኸበራ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ሓቢሩ።

"ኣልኮላዊ መስተ፡ መጓዓዝያን ሽጋራን ዳርጋ ምስ ከተማታት ኤውሮጳ ይወዳደር እዩ። እቲ ሃላኺ ኣቑሑ ግን ክቡር እዩ" ድማ ትብል ሮክሳና።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ፓሪስ ንኽትምሸጥ $119.04 ማእ ኣብ ዙሪክ እንተኾይኑ $73.97 ኣብ ኦሳካ ዝተባህለት ጃፓናዊት ከተማ እንተኾይኑ ከኣ $53.46 ከምእትኸፍል እቲ መጽናዕቲ የረጋግጽ።መብዛሕቶም ነበርቲ ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ነብሰ ምእላይ፡ ኣብያተ ምግብን መስተን፡ ኣብ ማእከላት ስፖርት ጂምናዝዩምን ምውስዋስ ኣካላትን፡ ኣብ ምዝናይ - መዘናግዒ ማእከላት እዮም ገንዘቦም ዘጥፍእዎ።

ፓሪስ ከኣ ሓንቲ ርእይቲ ኣብነት ናይተን ከተማታት እያ ትብል ስላቭቸቫ።

እተን ዝኸበራ ከተማታት ዓለምና

  • ሲንጋፖር ( ሲንጋፖር)
  • ፓሪስ ( ፈረንሳ)
  • ሆንግ ኮንግ ( ቻይና)
  • ዙሪክ ( ስዊዘርላንድ)
  • ጄነቫ ( ስዊዘርንድ)
  • ኦሳካ ( ጃፓን)
  • ሶል ( ሳውዝ ኮርያ)
  • ኮፐንሃገን ( ዴንማርክ)
  • ኒው ዮርክ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)
  • ተልኣቪቭ ( እስራኤል)
  • ሎስ ኣንጀለስ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)

ለብዘበን ኣብ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ቱርኪን ቬንዝወላን ዝቕባበ ብዝፈጠሮ ምንቁልቋል ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ባጤራ ኣብ ደረጃ መነባብሮ ዓቢ ቅልውላው ኣኸቲሉ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቬንዝወላ፡ሓደ ሚልዮን ምእታዊት ዝቕባበ ተራእዩ። ብሰንክዚ ድማ መንግስቲ ባጤራ ክቕይር ተገዲዱ።

ንሓንቲ ኩባያ ሻሂ 30 ሳንቲም ዶላር ዝነበረት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዕጽፊ ኮይና። ካልእ ሃለኽቲ ኣቑሑ እውን ብእኡን ልዕሊኡን መጠን ወሲኹ። ደማስቆስ ርእሰ ከተማ ሶርያ እውን ብሰንኪ ኩናትን ዕግርግርን ድሕሪ ቬንዝዌላ ተሰሪዓ ካልአይቲ ኮይና ኣላ።ኣሃዱ ቁጠባዊ መጽናዕቲ እተን፡ ሕማቕ ፖለቲካዊ ምሕደራን ቁጠባዊ ምምዝባልን ዘጋጥመን ሃገራት ብዝቕባበ ክብሪ ሃለኽቲ ኣቑሑን ከምዝጥቀዓ ኣረዲኡ።

እተን ዝሓሰራ ዓሰርተ ከተማታት ዓለምና

  • ካራካስ (ቬንዝወላ)
  • ደማስቆስ (ሶርያ)
  • ታሽከንት (ኡዝበኪስታን)
  • ኣልማቲይ (ካዛኪስታን)
  • ባንጋሎር (ህንዲ)
  • ካራቺ ፓኪስታን)
  • ሌጎስ ( ናይጄርያ)
  • ቦኖ-ዲኣይረስ ( ኣርጀንቲና)
  • ቸናይ (ህንዲ)
  • ኒው ደልሂ (ህንዲ)