ካዛኪስታን፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ጋንታ ኣስታና

ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናብ ካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና ክሰጋገር ከም ዝተሰማምዐ እታ ክለብ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢሩ።

መርሃዊ፡ ክሳብ ሕጂ ንክለብ ዳይመንሽን ዳታ ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ክጻወት ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ኣብ 2019 ናብ ጋንታ ኣስታና ክጽንበር'ዩ።

"እቲ ወዲ 24 ዓመት ኣያ ዓቐብ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዋላኳ ብዕድሚኡ ጌና ንእሽቶ እንተኾነ፡ ብዙሕ ዝናኣድ ኣመዚጊቡ'ሎ" ክብል ክለብ ኣስታና ንመርሃዊ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

ጋንታ ኣስታና ብፕረዚደንት ሃገረ ካዛኪስታን ዝቖመት ኮይና፡ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋንታታት ብሽክሌታ ዓለም ምዃና ይንገረላ።

መርሃዊ ብወገኑ "ምስ ኣስታና ፕሮ ቲም ክጽንበር ዘሎኒ ህንጥዩነት ዓቢ'ዩ፡ 2019 ቀልጢፋ ክትመጸለይ ድማ ይምነ" ክብል ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ስጳኛ ዝተገብረ ውድድር ቮልታ-ኣ በርጎስ፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ መበል 7ይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብቲ ብ ላ-ቮልታ ዝፍለጥ ውድድር ድማ ሓያል ህልኽ ከም ዘርኣየ ይንገረሉ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቮልታ-ኣ ስጳኛ 2ይ ደረጃ፡ ኣብቲ ኣብ ቫለንስያ ዝተኻየደ ውድደር ድማ 9ይ ደረጃ ብምምዝጋቡ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ 2017 ኣብ ሃገረ ዖማን ዝተኻየ ቅድድም'ውን ማልያ ናይ ዝበለጸ ንኡስ ተቐዳዳማይ ክወዲ ዝበቕዐን፡ ብሓፈሻ መበል ራባዓይ ብምውጻእ ህብቡነት ዘጥረየ ስፓርተኛ'ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ፡ ተዓዋቲ ሃገራዊ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ ክኸውን ዝበቕዐ ተቐዳዳማይ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ብጋንታ ኾነ ብውልቂ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ዝድነቕ ዓወታት ከምዝግቡ ከም ዝጸንሑን፡ ምስ ፍሉጣት ጋንታት ብምጽንባር ስሞምን ስም ሃገሮምን ከጸውዑ ኪኢሎም ኣለዉ።