እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርሃዊ ቅዱስ፡ ብውሑድ ኣብ ሓንቲ መድረኽ ቮልታ እስጳኛ ክዕወት'የ ዝኣቱ ዘለኹ ይብል
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ማላጋ እስጳኛ፡ ቀዳም ዝጅምር ውድድር ብሽክለታ 'ቮልታ እስጳኛ' ብውሑድ ኣብ ሓንቲ መድረኽ ክዕወት ይህቅን።
ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ውድድር ንሱን ጋንትኡን ምሉእ ምድላዋት ጌይሮም ከምዘለዉ ገሊጹ።
መርሃዊ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብሽክለታ 'ዳይመንሽን ዳታ' ኮይኑ እዩ ኣብዚ ቅድድም ክሳተፍ።
መርሃዊ መን'ዩ?
ካብታ ቀዳመ ሰናብቲ ብዘይ ውድድር ብሽክልታ ከተሕልፍ ቀጨውጨው ዝብላ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ጣልያን፣ ፈረንሳን እስጳኛን ዝተወዳደሩን ዝወዳደሩ ዘለውን ብደርዘን ዝቑጸሩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ክፈርዩ ክኢሎም እዮም።
ሓደ ካብኦም ኣብ 24 ጥሪ 1994 ዝተወለደ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝጀመሮ ውድድር ኣብ ኣኽራናት ኣውሮጳ ዳንጋይዶ ዳንጋኻ ይብሃለሉ ኣሎ።
ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 1.73 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኮይኑ ብሽክለታ ክዝውር ንዝርኣዮ ሰብ፡ እቲ 58 ኪሎ ዝምዘን ነብሱ ከም ክንቲት ፎኺስዎ፡ ንብሽክለታ ንየምን ንጸጋም ክዓጻጽፋ እንትሪእዎ ብዙሓት ይድመሙ።
መርሃዊ ቅዱስ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማእ ካብ ዝኽውን ልዕሊ ሓሙሽት ዓመት ገይሩ ከምዘሎ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ዕላል ገሊጹ።
"ካብ 2012 ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዓለምና ውድድራት የካይድ ኣለኹ፡ ሓደ ካብኡ ድማ እዚ ቀዳም ዝጅምር 'ቮልታ እስጳኛ ናይ 2018' እዩ" ይብል።
እዛ ሕጂ ማልያኣ ለቢሱ ዝወዳደረላ ዘሎ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ 'ዳይመንሽን ዳታ'፡ ኣብ 2012 መርሃዊ ክጽንብራ እንከሎ፡ ኤም ቲ ኤን ኩቤካ እያ ትብሃል ነይራ።
ኣብ 2015 ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ፡ ነታ ጋንታ ዝምውላ ዝነበረ ትካል ስለዝተቐየረ 'ዳይመንሽን ዳታ ኩቤካ' ተባሂላ ስማ ቀየረት።
ኣብ 2016 ክኣ 'ዳይመንሽነ ዳታ ዩ ለይ ኩቤካ' ዝብል ስም እኳ እንተቐየረት፡ ኣባላት እታ ጋናታ ከም ዘለውዎ ይቕጽሉ ምህላዎምን፡ መርሃዊ 'ውን ክሳብ ሕጂ ምስታ ጋንታ ከምዘሎን ይገልጽ።
መርሃዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ፡ ምስዛ ጋንታ እዩ ይቕጽል ዘሎ። ቅድሚ ናብዛ ጋንታ ምጽንባሩ፡ ኣብ ዩ ሲ ኣይ (UCI ) ነዚ ሕጂ ዘለዎ ክእለት ዝሓገዞ ብዙሕ ትምህርቲ ምቕሳሙ የብርህ።
"ኩላትና ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብ ናይ ዓቀብ ብልጫ ዘለና ኮይንና፡ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ ዓቀብ እየ ጸቂጠ ዝሰርሕ" ድማ ይብል።
መርሃዊ ኣብ ቮልታ እስጳኛ
ቮልታ እስፓኛ 2018፡ ቀዳም 25 ነሓሰ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ማላጋ እስጳኛ ብናይ 8 ኪሎ ሜትር ርሕቅት ውድድር ናይ ውልቂ ክሮኖሜተር ክጅምር እዩ።
መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብቲ ንሱ ከድምዓሉ ዝኽእል መድረኽ ንምዕዋት፡ ንኣስታት ወርሕን ከልተ ሰሙንን ኣብ ኤርትራ ምድላዋት እናገበረ ምጽንሑ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ድማ ምስቶም ኣብ ቮልታ እስጳኛ ዝሳተፉ ደቂ ጋንትኡ፡ ኣብ እስጳኛ ብቅዓቶም ንምፍታሽ ክለማመዱ ምጽንሖም ብምሕባር ዝሓሸ ወጽኢት ከመዝግብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ናይ ሎሚ ዓመት ቮልታ እስጳኛ 21 መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ ካብ ነሓሰ 25 ኣብ ማላጋ ብምጅማር መስከረም 16 ኣብ ከተማ ማድሪድ ክዛዘም እዩ።
መርሃዊ ቅዱስ ካብዘን 21 መድረኻት እንተወሓደ ኣብ ሓንቲ ክዕወት ከም ዕላማ ሒዙ ይኣቱ ምህላዉ ገሊጹ።
መርሃዊ ንነብሱ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘካይዶ ዝበረ ውጽኢት ምዃኑ ብምሕባር፡ 5 ፐሮፌሽናላትን ልዕሊ ዓሰርተ ምስ 'ፕሮ ኮንቲነንታልን ኮንቲነናታልን' ጋንታታት ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክፈርዩ ምኽኣሎም፡ ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ኣተባባዒ ደረጃ እዩ ዘሎ ይብል።
እንተኾነ፡ ምስ ናይ ደገ ውደድራት ክወዳድሮ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሽፈን ርሕቀታት ቅሩብ ሕጽር ይብል ምዃኑ ይገልጽ።
ሰፖርት ብዕድመ ናይ ምድራት ተክእሎ ዘለዎ እዩ፡ ተካእቲ ከተፍሪ እንተዘይክኢልካ ክኣ ዛንታ ሎሚ፡ ንጽባሕ ነበረ ኮይኑ ጥራይ እዩ ዝተርፍ። መርሃዊ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ተካእቲ ተወዳደርቲ ይፈርዩ ምህላዎ እዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣብ እትካየድ ሻምፕዮን ኤርትራ ክንሳተፍ እንከልና፡ ምስዞም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኣብ ውድድር ንራኸብ ኢና፡ ኣነ ብብቕዓቶም ክመዝኖም እንከለኹ ዕድላት እዮም ስኢኖም እምበር ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተወዳደርቲ ኣዝዮም ብቑዓት እዮም" ይብል።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቮልታ እስጳኛ፡ 22 ጋንታት ዝሳተፋ ኮይነን፡ ነብሲ ወከፍ ጋንታ ሸሾምንተ ተቀዳደምቲ ክሓቁፋ እየን።
ጋንታታት ኣስታና ፕሮ ቲም፣ ቢኤምሲ፣ ቦራ፣ ኵይክ ስቴፕ፣ ሰካይን ካልኦትን ዝሳተፋ ክኾና እንከለዋ፡ ናይ 2017 ዕዉት እዚ ውደድር ክሪስ ፍሩምን፡ ከምኡ 'ውን ተዓዋቲ ናይ 2018 'ቱር ዲ ፍራንስ' ጀራይት ቶማስ ብምኽንያት ቱር ብሪተይን ኣብዚ ውድድር ኣይክሳተፉን እዩም።