ባንግላደሽ፡ ኣብ ሓንቲ መርከብ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 37 ሰባት ቀቲሉ

እታ ብባርዕ ዝተሃሞኸት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እታ ብባርዕ ዝተሃሞኸት መርከብ

ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ሓንቲ ህዝቢ እተማላልስ መርከብ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 37 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 100 ከምዝቖሰሉን ሰበስልጣን ሓቢሮም።

እታ ሰለስተ ደርብታት ዘለዋ መርከብ፡ ካብ ርእሰከተማ ዳካ ተቢጊሳ ናብ ከተማ ባረጉና እናተጓዕዘት እንከላ'ያ ኣብ ፍርቂ መንገዲ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

ገለ ካብቶም ግዳያት፡ ካብታ መርከብ ዘሊሎም ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ካብቶም ኣካላቶም ዝነደደ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ስለዘለዉ፡ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

እታ መርከብ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ኣስታት 500 ሰባት ጽዒና ምንባራ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ፈለማ ኣብ ሞተረ ናይታ መርከብ ዝተወልዐ ባርዕ ቀልጢፉ ናብ ካልእ ክፋላ ስለዝለሓመ፡ ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኸኣለ፡ ብዓልመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነ ካማል ሑሴን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቡ።

እቲ ባርዕ ንሰዓታት ከምዝጸንሐ'ውን ተፈሊጡ።

ሓንቲ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት ብዕድመ ዝደፍአት ተጓዓዚት ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝበዝሑ ካብቶም ተጓዓዝቲ ደቂሶም'ዮም ነይሮም።

"ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ፡ ኣብ መንጸፍ ደቂስና ነይርና። ዝበለት እታ ሰብ፡ "ወዲ 9 ዓመት ወዲ-ወደይ፡ ናዪም፡ ምሳይ ነይሩ፡ ደሓር ዘሊሉ ናብቲ ፈለግ ኣትዩ። እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈለጥኩን ዘለኹ" ክትብል ተዛሪባ።

ምስ ኣቦኣ፡ ሓፍታን ወዲ 6 ወርሒ ወዲ-ሓፍታን ትጓዓዝ ዝነበረት ካልእ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት ብወገና፡ እቲ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ሃለዋቱ ከምዘይተፈልጠ ገሊጻ።

"እቲ ባርዕ ምስ ተወልዐ፡ ንሓደ ሰብኣይ ሂበዮ። ከድሕኖ ይጽዕር ነይሩ። ሕጂ ግን ክንረኽቦም ኣይክኣልናን" ኢላ።

ቅድሚ'ቲ ባርዕ ሓዊ ምውልዑ እታ ጃልባ ናይ ሞተረ ጸገም ዘለዋ ትመስል ከምዝነበረት'ውን ሓደ ካብ ተጓዓዝቲ ኣተንቢሁ። እቲ ባርዕ ምስተጀመረ ግን፡ ብትኪ ከምዝተዓብሎኸት ጠቒሱ።

"መሳኹቲ ናይታ ጃልባ መጋረጃታት ስለዝነበሮ ነቲ ትኪ ሒዝዎ" ድማ ይብል።

ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ንምጽራይ ሓደ መርማሪ ጉጅለ ከምዝቖመ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

እታ ትኸዳ ዝነበረት ከተማ ባርጉና ካብ ርእሰ ከተማ ዳካ 250 ኪሜ ርሒኻ እትርከብ'ያ።

ኣብታ ብጻዕቂ ህዝባ እትፍለጥ ሃገረ ባንግላደሽ ሓደጋታት መርከብ ንቡር ተርእዮ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተጓዓዝቲ፡ ስእነት ክንክንን ትሑት ደረጃ ውሕስነትን ከምዘጋጥሙ ይግለጽ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ጃላቡ ክጥሕላ ይራኣያ።

ኣብ ሰነ 2020፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብናይ ጃልባ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ከተማ ዳካ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣስታት 30 ሚእታዊት ካብቲ 170 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ባንግላደሽ፡ ብናይ ኣፍላጋት መስመራት ከምዝጓዓዝ ይፍለጥ።