ኮሮናቫይረስ፡ ፈረንሳ ኦሚክሮን ብናይ መብረቕ ናህሪ ይጋፋሕ ኣሎ ኢላ

በዓል ልደት ንምኽባር ዝተኣከቡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ኦሚክሮን ኣብ ኤውሮጳ “ብናይ መብረቕ ናህሪ ይጋፋሕ” ከም ዘሎን ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ሰፊሕ ዝርግሐ ከም ዝህልዎን ቀዳማይ ሚኒስትር ጂን ካስቴክ ኣጠንቂቑ።

እታ ሃገር ትማሊ ነቶም ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣትው ሰባት ዝምልከት ጽኑዓት እገዳታት ጉዕዞ ኣመሓላሊፋ።

ኣብዚ ሰሙን ኦሚክሮን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ይጋፋሕ ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ ነይሩ።

መልክፍቲታት እቲ ጠባዩ ዝቐየረ ቫይረስ ዛጊድ ኣብ 77 ሃገራት ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዓዲ ኢንግሊዝ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ሃገር ኮይና ትማሊ ጥራይ 15 ሽሕ ሰባት በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም።

ኣብ ኤውሮጳ ድማ ሓያል ለብዒ እዚ ቫይረስ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ጥዕና የጠንቅቑ ኣለው።

ካብዚ ብዝብገስ ሃገራት ጀርመን፣ ኣየርላንድን ኔዘርላንድስን ተወሳኺ እገዳታት ወግዓዊ ገይረን ኣለዋ።

ትማሊ 50 ሽሕ መልከፍቲ ዘመዝገበት ጀርመን፡ እታ ሃገር “በዚ መልክዑ በጺሑዋ ንዘይፈልጥ ግድል ክትዳሎ ኣለዋ” ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሃገራት ፈረንሳ፣ ኖርወይን ዴንማርክን ብዝርአ ዘሎ ምውሳኽ መልከፍቲ “ሓያል ሓደጋ” ከጋጥመን ከም ዝኽእል ይግመት።

ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ዓሌት ሳልሳይ ለብዒ ዘጋጠማ ኣየርላንድ ድማ ብድሕሪ እቲ ብሪጣኒያ ንሰለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ መብዛሕትኡ ብሰንኪ ኦሚክሮን ዝኾነ መልከፍቲ 93 ሽሕ ሰባት ምስ ኣርየት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምህላዋ ገሊጻ።

ፈረንሳ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንንግዲ ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናብ ሃገራ ንዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰባት ዶባታ ክትዓጹ እንከላ ናብ ኣብያተ መግብን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዝጥቀሙ ሰባት ምሉእ ንምሉእ ዝተኸትቡ ጥራይ ክኾኑ ከም ዘለዎም ገይራ።

ብተወሳኺ ኩሎም ጽንብላት ድሮ ሓድሽ ዓመትን ካልኦት ምድላዋትን ተሰሪዞም።

መንግስቲ ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ዘርእዩዎ ዘለው ምጉብዕባዕ ንምቅላስ ሓደሽቲ ስጉምታት ወግዓዊ ከም ዝኾኑ ብምሕባር “ውሑዳት ፈረንሳውያን ክታበት ኣይንወስድን ኢሎም ህይወት መላእ ሃገር ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ቕቡል ኣይኮነን” ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ሰሙን ጥልያን፣ ግሪኽን ፖርቹጋልን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ዝተኸትቡ ሰባት ሓዊሱ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ምርመራ ወረቐት ከቕርቡ ኣለዎም ኢለን።

ብኻልእ ወገን ሰብ ሞያ ጥዕና ኔዘርላንድስ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ናብ “ጽኑዕ” ዕጽዋ ክትኣቱ ከም እትኽእል ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ማርክ ሩቴ ኦሚክሮን ልክዕ ከምቲ ናይ ፈረንሳ ብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ብሰፊሑ ዝዝርጋሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ትማሊ ጥራይ ልዕሊ 15 ሽሕ መልከፍቲ ተመዝጊቡ።