ሕብረት ኤውሮጳ ንሕማም ረስዒ [ኣልዛይመር] ዝወሃብ 'ኣዱካኑም' ዝተባህለ መድሃኒት ከልኪሉ

ሓንጎል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል መድሃኒታት ኤውሮጳ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንሕሙማት ረስዒ [ኣልዛይመር] ክወሃብ ዝተዳለወ "ኣዱካኑም" ዝተባህለ መድሃኒት ብቕዓት የብሉን ብምባል ከልኪሉዎ።

ብሕማም ኣልዛይመርስ ዝግደሳ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልእ ናይ ሕክምና ኣማራጺ ንዘይብሎም ሕሙማት ኣልዛይመር ዕድል ዝኸልእ እዩ ብማለት በቲ ውሳነ ከም ዝጐሃያ ገሊጸን።

እቲ ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ ግዜ ዝተረኽበ መድሃኒት ሕማም ምርሳዕ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እዩ ኣብ ኣመሪካ ተፈቒዱ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እቲ መድሃኒት ኣብ ሓንጎል እቶም ኣልዛይመርስ ዘለዎም ዝርከብ ኣምይሎይድ ዝተባህለ ኣብ ሓንጎል ሰባት ጸገማት ዝፈጥር ፕሮቲን ዕላማ ዝገበረ'ኳ እንተኰነ ብዙሕ ከም ዘይጠቅም ገሊጾም እዮም።

እቲ ነቲ መድሃኒት ዘፍረየ ባይጎን ዝተባህለ ትካል፡ ትካል መድሃኒታት ኤውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ዳግም ክምርምሮ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።

'እቲ መድሃኒት ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል ድዩ'

ኤጀንሲ መድሃኒታት ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ 3,000 ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሕማም ረሲዒ ዝርከቡ ሕሙማት ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ቀንዲ መጽናዕትታት ተመርኲሱ፡ እቲ መድሃኒት ብትሑት ኮነ ልዑል ዓቐን (ዶዝ) ክወሃብ እንከሎ ዘለዎ ኣገልግሎት ብምንጽጻር ውሳነ ሂቡ።

እቶም ፈኲስ ናይ ንቕሓት/ምብርባር ወይ ከኣ ፍኹስ ዝበለ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዝነበሮም ሕሙማት፡ ድሕሪ 78 ሳምንቲ ዝተገብረሎም ሕክምናዊ መርመራ ምልክታቶም ተገምጊሙ።

ትካል መድሃኒታት ኤውሮጳ "ርኽበት እቲ ቀንዲ መጽናዕትታት ንሓድሕዱ ዝጋጮን፡ 'ኣዱካንዳም' ሕማም ረስዒ ንዝሓዞም ዓበይቲ ከም ዝፍውስ ዘርኢ ሓበሬታ ዘዕግብ ኣይኮነን " ይብል ።

ብምቕጻል "ኣብ ርእሲኡ እቲ መድሃኒት ኣብ ኣእምሮ ገሊኦም ሕሙማት፡ ሕበጥ ወይ መድመይቲ ስለ ዘርኣየ ጕድኣት ንከየስዕብ ዘሰክፍ እዩ" ኢሉ።

እቲ ትካል እቲ መድሃኒት ዝህቦ ጥቕሚ ካብቲ ሓደገኛነቱ ከም ዘይዛይድ ስለ ዝደምደመ ናይ መሸጣ ፍቓድ ንኸይወሃብ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ዳርጋ ኣስታት 8 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኤውሮጳ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ከኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሕማም ረስዒ ዝሳቐዩ ሰባት ከም ዘለውን እዚ ከኣ ኣብ 2050 ዕጽፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበረሉ።

ሕማም ምርሳዕ ጠንቂ ብዙሕ ሕማማት ከም ዝዀነ እዩ ዝእመነሉ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ምርምር ኣልዛይመርስ ዓዲ-እንግሊዝ ሂላሪ ኢቫንስ፡ እቲ ውሳነ ትካል መድሃኒታት ኤውሮጳ፡ "ሕማም ረስዒ ንዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ዘጕሂ ዜና እዩ" ኢላ ።

ኣስዒባ ባዮጀን [ነቲ መድሃኒት ዘፍረየ ትካል]ንድሕንነትን ውጽኢታውነትን "ኣዱካንዳም" ንምንጻር ዘድሊ ሓበሬታ ካብ ምእካብ ዓዲ ኣይውዓለን ዘሎ ኢላ።

"ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ መድሃኒት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሎ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ዛዕባ እቲ መድሃኒት ዘይተመለሰ ሕቶታት ከለዓዕል ዝኽእል ኣብ ዓለም-ለኻዊ ጕጅለ ክሊኒካዊ መጽናዕትታት ንምክያድ ብፍሉይ መገዲ ትሰርሕ ኣላ" ትብል።

ማሕበር ኣልዛይመርስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 125 ዝዀኑ መድሃኒታት ኣልዛይመርስ ኣብ ክሊኒካዊ ፈተናታት ከም ዘለዉን ነቲ መድሃኒት ንምርካብ ድማ ዝያዳ ምወላ ከም ዘድሊ ሓቢረን።