ዓለም በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክትሰናበድ የብላን - ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ተቐልቂሉ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከይጋፋሕ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር እምበር ምፍራሕ ከምዘየድሊ ገሊጹ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ተመራማሪት ዝኾነት ዶ/ር ሶዩምያ ሻሚናታን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ዓለም ኣብዚ እዋን ዘላትሉ ኩነታት ካብ ናይ ዓሚ ዝተፈለየ’ዩ ክትብል ገሊጻ።
ኦሚክሮን ክሳብ ሕጂ ኣብ 40 ሃገራት ተረኺቡ’ሎ። እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ብክታበት ኮሮናቫይረስ ምክልኻል ከምዝከኣል ንጹር ኣይኮነን።
ዶ/ር ሶዩምያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰርሐ መጽናዕቲ ኣጣቒሳ “እቲ ዓሌት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብልዑል ናህሪ’ዩ ዝላባዕ” ኢላ። “ንኽትግምቶ’ኳ ኣጸጋሚ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ኣብ ዓለም ክጋፋሕ ይኽእል’ዩ። ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ዓለም ካብ ምጭንናቕ ኣብ ጥንቃቐ ቆላሕታ ክተትኩር ከምዘለዋ እታ ተመራማሪት ኣተሓሳሲባ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓኪም ህጹጽ እዋን ማይክ ራየን ኣብዚ እዋን ኣብ ምብጻሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ቆላሕታ ምግባር ከምዘድሊ ተዛሪቡ።
እቲ ክታበት ንኦሚክሮን ንኽከላኸል ተባሂሉ ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዘለዎ ዝሕብር መጽናዕቲ ከምዘየሎ’ውን እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ኦሚክሮን ምኽሳቱ ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ በረራ እገደታት ከምዝገበራ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣመሪካ ናብ ግዝኣታ ዝኣትዉ ገያሾ ቅድሚ በረራ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሞም ናይ ኮሮናቫይረስ ምርመራ ክገብሩ ከምዘለዎም መምርሒ ኣመሓላሊፋ እያ።
እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ዝኾነ ናይ መገሻ ድሕረ ባይታ ኣብዘይብሎም ሰባት እንከይተረፈ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ህንዲ ብወገና ወዲ 66 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃውን ካልእ ወዲ 46 ዓመት ህንዳዊ ሓኪምን ኦሚክሮን ከምዝተረኸቦም ኣፍሊጣ።
ሃገራት ኣውሮፓ ዳግማይ ለበዳ እቲ ቫይረስ ክቆጻጸራ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣብ ዘለዋሉ ግዜ’ዩ እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ተኸሲቱ ዘሎ።
ጀርመን ዘይተኸተቡ ዜጋታታ ናብ መደብራት፣ መዘናግዕን ሲኔማ ንኸይኣትዉ ኣጊዳቶም። ኦስትርያ ከኣ ክታበት ምኽታብ ግድን’ዩ ዝብል መምርሒ ኣውጺኣ።
ዓባይ ብሪጣንያ ብግዲኣ 114 ሚልዮን ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን ዓዲጋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







