ደመቀ መኮንን ነቲ ናብ ግንባር ዝኸተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብምትካእ ንመንግስታዊ ስራሕ ይመርሕ ኣሎ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ግንባር ብምኻድ ከምዝመርሖ ዝኣወጀ ሓለቓኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብምትካእ፡ ንስሩዕ ንጥፈታት መንግስቲ ይመርሕ ምህላዉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ነቲ ኲናት ኣብ ቅድመ-ግንባር ብምዃን ይመርሖ ምህላዉ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰኑይ ምሸት ብናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "እዚ እዋን ንሃገር ብመስዋእትነት ምምራሕ ዘድልየሉ እዩ" ብምባል ኣብቲ ሰራዊት እታ ሃገር ተሰሊፉሉ ዝርከብ ግንባር ብኣካል ተረኺቡ ንምምራሕ "ናብቲ ዓውደ ኲናት ክኸትት እየ" ኢሉ ነይሩ።

ብድሕሪት ዝተረፉ ካልኦት ናይ ፈደራልን ክልላትን ሰብ መዚ ነቲ ናይ ልምዓትን ምምሕዳርን ስራሓት ክሽፍንዎ ምዃኖም'ዩ ኣብዪ ገሊጹ ነይሩ።

ዶ/ር ለገሰ ከምዝበሎ፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጺኢ'ውን ዝኾነ ኣቶ ደመቀ መኮንን፡ ንዕለታዊ ሓላፍነት መንግስቲ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብዪ ኣሕመድ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ታሪኽ ካብ ዘድንቖም ደቂ ኢትዮጵያ ክትኾኑ እትደልዩ ኩላትኩም ንሃገርኩም ክትብሉ ሎሚ ተለዓሉ፡ ኣብ ግንባር ንራኸብ" ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ነቲ ጻውዒት ብምቕባል፡ ሓያሎ ሰበስልጣን መንግስትን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ናብ ግንባር ንምኽታት ዘለዎም ድሌት ይገልጹ ኣለዉ።

ሓደ ካብኦም ዝኾነን፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ኦሎምፒክ ዘጸውዐ ፍሉጥ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ናብ ግንባር ከም ዝኸትት ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ መዕለቢ ተሳኢንሉ ዘሎ ኲናት ሕጂ'ውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ተቖጻጺሮማ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ፡ ነቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ክኸይድ ወሲኑ።

መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምምጽኡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ክካየድ ንዝድለ ዝርርብ የስግኦ ምህላው ኣጠንቂቑ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ጄፍሪ ፌልትማን ትማሊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ንሱ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ናብ መስርሕ ዘተን ድርድርን ንኽኣትው ዘኽእል ውልዶ መስርሕ ዘተ'ኳ እንተሃለወ ኣብ ባይታ ግን ንሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ዘስግኡ ምዕባለታት ምህላዎም ኣዝዩ ከምዘሻቐሎም ተዛሪቡ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበን፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝገበረን ይፍለጥ።