እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ 5 ዞባታት ክልል ኣምሓራ 'ብቢሊዮናት ብር ዝግመት ንብረት ዓንዩ'
ኲናት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ልሓመ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓዙዎም ሓሙሽተ ዞባታት እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ከም ዘጋጠመ ቢሮ ልምዓትን ውጥንን እቲ ክልል ገሊጹ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣቶ ኣንሙት በለጠ ኣብ ዞባታት ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ጎንደር፣ ሰሜን ጎንደር፣ ዋግ ኽምራን ብኽፋል ደቡብ ወሎን ኣብ ዝርከባ 45 ወረዳታት 280 ቢሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከም ዝዓነወን ከም ዝተዘምተን ተዛሪቡ።
እቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ንምሽፋን ድሩትነት እንተሃለዎ'ውን ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ይሕብር ኢሉ።
"ኣብ ስሪንቃ፣ ሰቖጣን ቆቦን ዘለው ሰለስተ ትካላት ምርምር ሕርሻ፣ ተሽከርከርቲ፣ ትራክተራት፣ ዘራእቲ፣ ሃብቲ እንስሳን ልምዓት መስኖን ዕንወት በጺሑ'ዩ" ይብል።
መጠን እቲ ሕጂ በጺሑ ዘሎ ዕንወት ካብ ዝግመት ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኣቶ ኣንሙት፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፣ ትካላት ጥዕናን ክሊኒካትን ዕንወት ከም ዝበጽሐን ናውታቶም ከም ዝተዘምተን ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብያተ ትምህርትን ንምህዞ ዕድል ስራሕ ተባሂሎም ዝተዳለው ትካላትን'ውን ከም ዝዓነው ተዛሪቡ።
"ኣብቶም ትካላት ዝምሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ፣ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ዕድል ስራሕ ዝረኸቡ ሰባትን ስራሕ ስኢኖም ኣለው። ትካላት ሃይማኖትን መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ዝኾኑ ቦታታትን'ውን ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ" ይብል ኣቶ ኣንሙት።
እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብዓቕሚ እቲ ክልል ምትካእ ኣይክኣልን ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ናይቲ ክልል በጀት እዚ ዓመት 80 ቢሊየን ብር ብምዃኑ እቲ ዕንወት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት'ውን ክምለስ ኣይኽእልን ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ዝበጽሐ ዕንወት ተሓተትቲ'ዮም ዝበለ ኮይኑ፡ ዝለዓለ ወጻኢ ዝሓቱ ህዝቢ ዝግልገለሎም ንብረታት "ኮነ ተባሂሉ ተፈቲሖም ዝተወስዱ መሽናት ሕክምና፣ ተሽከርከርትን ናውታት ሕርሻን" ኣለው ኢሉ።
ይኹን'ምበር ሓይልታት ትግራይ ኮነ ህወሓት ነቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ መልሲ የለን።
ቅድም ኢሉ ግን ሓይልታቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ትካላት ህዝብን መንግስትን ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽሙን ዕንወት ከም ዘየብጽሑን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ብምኽንያት እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ብዙሓት ሞይቶም'ዮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 1.1 ሚሊየን ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግብን እቲ ክልል ይገልጽ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ እትርከብ ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከም ዝተዘምተ ትማሊ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምታ መዓስን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝገለጾ ነገር የለን።
ሓይልታት ህወሓት ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ይዝከር።
ምዝራፍ ናይቶም መኽዘናት ነቲ ዝህቦ ህጹጽ ረዲኤት ከምዝድርቶ ኣፈኛ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ትካል ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ረዲኤት የብጽሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ንኣስታት 450 ሽሕ ህዝቢ ረዲኤት ክዕድል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ምንቅስቓስ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከኽብሩ ብምጽዋዕ፡ ናብቶም ውግእ ዝካየደሎም ቦታታት ከይተረፍ ረዲኤት ከም ዘብጽሐ ጠቒሱ።