ጫካ ኣማዞን ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዘይተርኣየ ብርሰት ኣጋጢሙዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ጫካ ኣማዞን ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ካብ ዝተራእየ ኣዝዩ ዝኸፍአ ብርሰት ደኒ ከም ዝተፈጸሞ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኤጀንሲ ምርምር ህዋ ሳይንስ ብራዚል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ኣብ ውሽጢ እቲ ጫካ ዝተራእየ ብርሰት ብ22 ሚኢታዊት ወሲኹ ይብል።
ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ኣብ ግላስኮው ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ 2030 ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል ብዙሓት ሃገራት ስምምዕ ፈሪመን እየን። ብራዚል’ውን ሓንቲ ካብኣተን እያ።
ጽዑቕ ጫካ ኣማዞን ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ክሳብ ሰለስተ ሚሊየን ዝበጽሑ ዓሌታት ተኽልን እንስሳን ኣለውዎ።
ብተወሳኺ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ደቀ’ባት ነበርቲ ዝሓዘ እዩ።
እዚ ብዙሓት ኪሎ ሜትራት ዝሽፍን ጫካ ልዑል መጠን ልቀት ካርበን ክሕዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ዋዒ ዓለምና ካብ ሞንጎ ዝቆጻጸሩ ተፈጥሮኣዊ ኣካላት ሓደ እዩ።
ኤጀንሲ ምርምር ህዋ ብራዚል ዝኣከቦ ሓበሬታ 13 ሽሕን 235 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን መሬት ካብ 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ በሪሱ’ዩ ይብል።
እዚ ድማ ኣብ 2006 ካብ ዝተራእየ ብርሰት ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።
ሚኒስትር ከባቢ ጆኣኪም ሌይት እዚ ሓበሬታ እቲ ጸገም ክንደየናይ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ዘርእይ’ዩ ብምባል “ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ዝፍጹሙ ሰባት ንምሓዝን ንምቁጽጻርን ቖራጽነት የድሊ” ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ጫካ ኣማዞን ዘጋጥም ዘሎ ብርሰት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ጃየር ቦልሶናሮ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።
እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ጥቓ እቲ ጫካ ሕርሻን ዕደናን ክካየድ የተባብዕ።
ብተወሳኺ እቲ ኤጀንሲ ዘውጽኦም ጸብጻባት ዘይቕበል ኮይኑ ብ2019 እቲ ኤጀንሲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምስሊ ሃገር ዘበላሹ ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተዛዘመ ኣኼባ ኮፕ-26 ግን ብራዚል ብርሰት ኣግራብን ኣጠቓቕማ ከሰልን ጠጠው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ ደጊፋ ፈሪማ’ያ።
ብመሰረት እዚ እተን ሃገራት ክሳብ 19.2 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ብምእካብ ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ንዝስርሑ ስራሕቲ ሕውየት፣ ባርዕ ጫካ ምቁጽጻርን ነበርቲ እቶም ከባቢታት ንምድጋፍን ክውዕል እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







