እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩዋንዳ፡ ጸባ ደልዮም ናብ እንዳ መስተ ዝኸዱ ሰባት
መገሻ ደስ ዝብለኩም እንተኾይኑ እሞ ናብ ሃገረ ሩዋንዳ እንተሓሲብኹም ኣብታ ሃገር ሓደ ፍሉይ ነገር ክጸንሓኩም እዩ።
ንጉሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ንያሩጌንጌ ናብ ዝተባህለ መንደር እንተኸይድኹም ሓንቲ ዕምርቲ እንዳ መስተ ኣላ። ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ ስለ ዝኣትውዋ ወትሩ መሊኣ ትረኽባ።
ኣብ ደገ እታ ቤት-መስተ ብዙሓት ሞተር ሳይክል ሪጋ ሒዘን ይርኣያ፤ ዮሱፍ ጋቲካቢሲ ዋና እታ ቤት መስተ እዩ።
ኣብታ ቤት መስተ [ባር] ዋናታት መራሕቲ እተን ሞተራት ምስ ካልኦት መናእሰያትን ስድራቤታትን ተሓዊሶም ከፍ ኢሎም ጸባ ክሰትዩ ይርኣዩ።
ገሊኦም፡ ጥራምረን ቻፓቲን (ቅጫ)፣ ገሊኦም ኬክን ዶናትን ይበልዑ፤ ኩሎም ግን ሓደ ዓይነት ነገር ይሰትዩ።
ኣብዚ ኣብ ኪጋሊ ፍሉጥ ዝኾነ ቤት መስተ፡ ቢራ፣ ወይኒ፣ ዊስኪ ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ኣይሽየጥን።
ኣብ ሩዋንዳ ዝርከባ ካልኦት ተመሳሰልቲ ባራት'ውን ኣልኮል ኣይሸጣን፤ እንኮላይ ቖልዑ ናብ ዝኣትውዎ ገዛ ከመይ ኣቢልካ ኣልኮላዊ መስተ ትሸይጥ? ሓራም።
እንታይ ድኣ እንተይልኩም - እዘን ኣብያተ መስተ ዝብሃላ ዘለዋ ንዓማዊለን ጸባ እየን ዝቕርባ።
እዚአን እየን ንሩዋንዳ ፍሉይ መልክዕ ፈጢረን ነቲ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ብሓደ ክተኣኻኸብ ዝገብራ ዘለዋ።
እቶም ኣብ ጎደናታት ኪጋሊ ተኸፊቶም ዝርኣዩ ናይ ጸባ እንዳ መስተ ነጸብራቕ ብዛዕባ እቲ ብውሑዱ ዝፍለጥ ዝሃጠራ ኣላሕምን ጸባን፡ ባህሊ ሩዋንዳ ምዃኖም ይእመን።
ንቁርሲ፣ ምሳሕ ወይ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎም ሰባት ንምርኻብ ምስ እትደሊ እትቕልቀሎም ቦታታት'ውን እዮም።
ኣብዚ፡ ምስ መዓር ወይ ሽኮር ዝፈልሐ ጸባ ይቀርበልካ።
ኣስታት 70 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሩዋንዳ ብሕርሻ እዩ ዝናበር።
ከብቲ ክኣ ቀንዲ ቑጠባዊ ሃብቲ ከምኡ'ውን ኣብ ገጠር ከባቢታት ምልክት ሃብትን ማሕበራዊ ደረጃን ተገይረን ይወሰዳ።
ኣብታ ሃገር ንሓደ ሰብ ሰናይ ተምኒትካ ክትገልጸሉ እንተደሊኻ "gira inka" [ላም ትሃልውኻ] ወይ "amashyo" [ኣሽሓት ከብቲ ይሃብካ] ትብሎ።
ስለዚ ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ሰባት "amashongore" - ኣሽሓት ከብቲ ይሃብካ ክብሉ እንተሰሚዕኹም ክገርመኩም የብሉን።
ንዝኾነ ሰብ ዘለካ ምስጋና ክትገልጽ እንተኾይንካ'ውን "nguhaye inka" [ላም ሂበካ] ኣለኹ እዩ ዝብሃል።
ብዙሓት ባህላዊ ተልሂታት ሩዋንዳ'ውን እቲ ምንቅስቓሳቶም ካብ ከብቲ ዝተወረሰ'ዩ።
ኣብ ገሊኡ ተልሂታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣእዳዎም ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ከቢብ ነገር እዮም ዝሰርሑ፤ እዚ ንቐርኒ ከብቲ ዝውክል እዩ።
እቲ ዝገርም፡ ኣብታ ሃገር ንከብቲ ዝወሃብ ቦታ ልዑል ስለ ዝኾነ ምስ ናይ ውላድካ ሽም ክተካትቶ'ውን ልሙድ እዩ።
ንኣብነት ሙንጋይንካ [Munganyinka -ጠቓሚ ከም ከብቲ ዝብል ትርጉም ኣለዎ] ዝብል ሽም ኣብ ሩዋንዳ ካብቶም ፍሉጣት ኣሽማት'ዩ።
ኣብቶም ናይ ጸባ ባራት፣ ዕዳጋታት ወይ ካልእ ቦታ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጽባቕኣ ንምግላጽንን ንምንኣድን እንተደሊኻ 'ዓይንኺ ናይ ምራኽ ይመስል" እንተኢልካያ ዳርጋ ኣልማዝ ዝሸለምኻያ'ዩ።
ከም ተመራማሪ ታሪኽን ኣንትሮፖሎጅን ኣካዳሚ ባህላዊ ሓድጊ ሩዋንዳ ማውሪስ ሙጋቦዋጋሁንዴ [Maurice Mugabowagahunde] ሩዋንዳውያ ብታሪኽ ዓበይቲ ናይ ህይወቶም ዓወታት ንምዝካር ከብቲ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ይገልጽ።
ሕጸ ዝሓትት ሰብ'ውን ከብቲ'ዩ ዝገዝም፤ ሓንቲ ካብተን ከብቲ እንተወሊዳ ክኣ እቲ ምራኽ ንሓደሽቲ ተመርዓውቲ ሓዳሮም ንምጅማር ከም ህያብ ትወሃብ።
ሕጂ ግን እዚ ባህሊ ኣብ ዝተወሰነ ክፋል እታ ሃገር'ዩ ዝቕጽል ዘሎ።
ኣብ ኩሉ ስነ ስርዓት መርዓ እቶም ናይ ወዲ ተባዕታይ ቤተሰብ "Tubahaye ishyo" - ኣሽሓት ከብቲ ሂብናኩም/ክንህበኩም ኢና ኢሎም ይምርቑ።
እቲ ሙሁር፡ ኣብታ ሃገር ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ 1954 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከብቲ ከም ባጤራ ወይ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኮይነን የገልግላ ከም ዝነበራ ይዛረብ።
ንጉስ ሙታራ ሳልሳይ ግን እዚ ጠጠው ክብል ገይሩ።
ኣብ እንዳ ሃብታማት ወይ ሰብ ጸጋ ተቐጺሮም ዝሰርሑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብኣግባቡ ከብቲ ንምሕብሓብን ጸባ ንምድላውን ተባሂሎም ክቑጸሩ እንከለው፡ ናይ ድኻሞም ዓስቢ ከብቲ ይወሃቦም።
ኣብታ ሃገር፡ ጸባ ከም ሓደ ክቡር ቐረብ ስለ ዝውሰድ ዋላ'ውን ጸባ ከብቲ ምስታይ ልሙድ እንተኾነ፡ ብታሪኽ ግን ጸባ ምሻጥ "ነውሪ" ከምኡ'ውን "ሕፍረት" ተገይሩ ይቑጸር ነይሩ ይብል።
"ብሓፈሻ ኣብ ሩዋንዳ ሓንቲ ላም መዓልታዊ ሓደ ወይ ክልተ ሊትሮ ጸባ ክትህብ ትኽእል እያ። እዚ ንቤተሰብ እኹል ኣይነበረን፤ ቐለቦም ኣብ ሳዕሪ ጽግዕተኛ ስለ ዝነበረ እኹል ጸባ ኣይህባን" ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ 1600ታት ንጉስ ሚባምብዌ ጊሳኑራ፡ ከብቲ ዘለዎምን ጸባ ዝረኽቡን ስድራ ቤታት ነቶም ድኻ ጎረባብቶም ከካፍሉ መምርሒ ሂቡ።
ሩዋንዳውያን፡ ኣብ 1900ታት ሃገሮም ብንግስነት ጀርመን ምስ ተገዝአት እዮም ጸባ ምሻጥ ጀሚሮም።
ኣብቲ ግዜ፡ ዜጋታት እታ ሃገር መገዲታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ንክሰርሑ ነዊሕ መገዲ ብእግሮም ክጉዓዙ ይግደዱ ነይሮም።
ምስቶም ጀርመናውያን ዝጉዓዙ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ኡጋንዳውያንን ታንዛኒያውያንን ነጋዶ ድማ ነቶም ካብ ገዝኦም ኣዝዮም ርሒቖም ዝመጽኡ ሸቃሎ ሓይሊ ንክረኽቡ ጸባ ይሸጡሎም ነይሩ።
በዚ ኣጋጣሚ ጸባ ምሻጥ ወይ ምዕዳግ ነውሪ ከም ዘይኮነ ዝተገንዘቡ ሩዋንዳውያን፡ ኣብ ከባቢ 1907 ጸባ ክሸጡ ጀሚሮም።
እነሆ ድማ እቲ ብዘይስሩዕ መገዲ ዝጀመረ መሸጣ ጸባ ድማ ሕጂ ናብ ደረጃ ባራት ዓብዩ ኣሎ።
ተመራማሪ ታሪኽን ኣንትሮፖሎጅን ኣካዳሚ ባህላዊ ሓድጊ ሩዋንዳ ማውሪስ "ብ1937፡ ንጉስ ሩዳሂግዋ ፋብሪካ ጸባ ምስ ኸፈተ ንፈለማ እዋን ንግዲ ጸባ ዓብዩ። እቲ ጸባ ብመልክዕ ፎርማጆን ርጉኦን እናተዳለወ ድማ ብብዝሒ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ጀሚሩ" ክብል የረድእ።
ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ምህርቲ ጸባ ኣሎ። ኣብ 1961 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ማእኸላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎ ሩዋንዳዊ ኣብ ዓመት ብማእኸላይ 12 ሊትሮ ጸባ ጥራይ'ዩ ዝጥቀም።
"ኣብ 1980ታት መንግስቲ ዝሓሸ ጸባ ዝህባ ናይ ወጻኢ ከብቲ ከምጽእ ምስ ጀመረ እቲ ሕጽረት ክቕየር ጀሚሩ ነይሩ" ይብል እቲ ሙሁር።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ 90 ሚኢታዊት ጥሪት እታ ሃገር ተሓሪደን።
ድሕሪኡ፡ መብዛሕትኡ ነባሪ ኪጋሊ ናብራ ከተማ እናጸለዎ ስለዝመጽኣ ምርባሕ ከብቲ ምርባሕ እናነከየ መጺኡ።
ሕጂ እቶም ጸባ ንምቕራብ ተበግሶ ዝወሰዱ ባራት፡ ነቲ ነባሪ ከተማ ከም ኣማራጺ ኣገልግሎት መስተ ጸባ ዝህባ ዘለዋ።
ማውሪስ ሙጋቦዋጋሁንዴ፡ ቑጽሪ ናይዘን ባራት ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ዘሎ ግዜ እናወሰኸ ከም ዝመጽአ ይዛረብ።
ኣብ 2006 መንግስቲ ድኻ ስድራቤታት ጉድለት ኣመጋግባ ህጻናት ንምክልኻል ሃገራዊ ፕሮግራም ዕደላ ከብቲ ጀሚሩ።
ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣስታት 400 ሽሕ ከብቲ ከምዝዕደላ ተገይሩ።
ይቬት፡ ሓንቲ ካብቶም ናይ ጸባ ባር ዘለዎም ነጋዶ'ያ። ኣብ 2009 ናብቲ ስራሕ ክትዋፈር እንከላን ምስ እዚ ሕጂ እዋንን ከተወዳድሮ እንከላ እኹል መኽሰብ ዝርከቦ ዓውዲ ከም ዘይኮነ ትዛረብ።
ገለ ዓማዊላ እቶም ናብቶም ኣብ ስፖርማርኬታት ዝሽየጡ ምህርታት ጸባ ስለ ዘዘምበሉ ዕዳግኣ ከም ዝነከየ ገሊጻ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ፡ ንከተማታት ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ እናቐየረን ይመጽእ ብምህላው ጥሪት ኣብ ገጠር ከባቢታት ጥራይ ክፈርያ ኣለወን ዝብል መምርሒ ስለ ዘውረደ፡ ኣብ ከተማታት ውሑዳት ሰባት ጥራይ'ዮም ከብቲ ዘለዎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ዋጋ ጸባ ክቡር'ዩ።
"ኣብ ንግዲ ጸባ ብምህላወይ ክብሪ ይስምዓኒ፤ ምኽንያቱ ጸባ ቅዱስ እዩ" ዝብል ጋቲካቢሲ ድማ ብዙሕ መኽሰብ ዘይብሉ እንተኾነ'ውን ስርሑ ከም ዝፈትዎ ተዛሪቡ።
ንኣንበብትና ድማ "amashongore" - ኣሽሓት ከብቲ ይሃብኩም ኢና ንገድፈኩም።