እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ "ንከጥቡ ድልውቲ'የ ነይረ፡ ግን...."
ምጥባው ጸባጡብ ንዕሸላት ይኹን ንኣዴታት ዘደንቕ ጥቅሚ ኢዩ ዘለዎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ ጸባጡብ ምጥባው ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ኣደ ትገብሮ ክብ እንተዝብል ነይሩ፡ ዓመታዊ ህይወት 800 ሽሕ ሰባት ካብ ሞት ምተረፉ።
ንብዙሓት ግና ጸባ ጡብ ምጥባው ማለት 'ከም ንቆልዓ ሓፍ ኣቢልካ ኣብ ጡብካ ምጽጋዕ' ቀሊል ኣይኮነን። ሓንቲ ኣደ ድሒራ ዝረኸበቶ ግንዛበ ኣካፊላትና ኣላ።
ኣብ ናይ ቅድመ-ወሊድ ትምህርትታት ከይደ፡ ብፈትሊ ብዝተኣልሙ ኣጥባት ተጻዊተ፡ ንምጥባው ዝሕጉዙኒ መትሓዚ ጡብ ዓዲገ፡ በቃ ኣጥባዊት ኣደ ንምኳን ፍጹም ተዳልየ።
ይኹን'ምበር ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሕርሰይ፡ ጸባ ጡበይ ጥብ ጥብ እናበለ ኢዩ ዝወጽእ ዝነበረ።
ብዝከኣል መጠን ኣጥባተይ ክደርዞ፣ ስብሒ ዘሎዎ መግቢ ክወስድን ጃሎናት ጸባ ላም ክሰትን ጀሚረ። ኣብ ሳልሳይ መዓልተይ ሓንቲ ክትበጽሓኒ ዝመጸት መሕረሲት ውላደይ ዓጸቦ ከም ዝገጠሞን ብቅልጡፍ ሆስፒታል ክምለስ ከም ዘለንን ትእዛዝ ሂባትኒ።
ኣብ ሆስፒታል መካኒካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ጸባ ጡብ ክቐድሑለይ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ጸባ ዘይኮነስ ብኣጥባተይ ደም ኢዩ ዝወጽእ ነይሩ።
እንታይ እየ ዝኸውን ዘለኹ? ነብሰይ ንኣደነት ኣይተቐበለቶን ድያ? ብምባል ሓሲበ።
ሕንጫል ውላደይ ገለ ጸባ እንተረኸበት ጫፍ ጡበይ ክሳብ ዝነቅዕ ብዘለዋ ሓይሊ ትስሕብ ነይራ።
ጸባ ጡብ ብተፈጥሮ ትም ኢሉ ከም ዘይወርድ ኣቐዲመ ፈሊጠ ነይረ እንተዝኸውን መን ምሃበ። እዚ ግና ናይ እናሻዕ ምፍታን መስርሕ ኢዩ።
ዝያዳ ብዝፈተንካን እናተሞኮርካ ብዝኸድካን መጠን፡ ዝያዳ እናኸኣልካዮን ውጽኢታዊ እናኾንካን ትኸይድ። እዚ ግና ቐሊል ኣይኮነን፤ ገለ እዋንስ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ውን ኢዩ።
ነብሰይ ተለማሚድዎ ውላደይ ጸባ ጡብ ክትጠብው ምስ ጀመረት፡ ነብሰይ ግዜ ዝበሃል ክትረክብ ተጸጊማ። ዝድቅሰሉን ዝሕጸበሉን ግዜ ከይተረፈ ኢየ ክስእን ጀሚረ። መስትያት ምርኣይ እሞ ዳርጋ ዘይሕሰብ ኢዩ።
ሳሕቲ ደገ ምውጻእ ጽቡቕ ሓሳብ ኢዩ፤ ግን "ጎረባብቲ እንታይ ክብሉ ኢዮም? ብጾተይ'ከ እንታይ ይብሉ?"
ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝፈትዎም ዝነበርኩ ቦታታት ደሓን ኩኑ ኢለዮም። ከውታ ለይቲ ይበራበር፡ ነብሰይ ካብ መላእ ዓለም ተነጺላ ምስታ ዕሽል ይረኽባ። ማንም ደጋፊ ዘይብለይ ብቃዝኖት ድሕረ-ወሊድ ሰንከልከል ክብል ጀሚረ።
ርእስኻ ምክንኻን ልዕሊ ነቲ ህጻን ትገብሮ ክንክን እኳ እንተዘይበልኩ ግናኸ ማዕሪኡ ምኳኑ ኣፍልጦ እንተዝነብረኒ ኣበይ ክረኽቦ።
ጥዕይትን ግቡእ ክንክን ትረክብን ወላዲት ካብ ሻቅሎት ዝመልኣን ቅዛነት ዘለዋን ዝተረመሰት ኣደ ኣጸቢቓ ትበልጽ።
ውላደይ ኣብ ሆሰፒታል ንመጀመርታ ግዜ ፎርሙላ (ንህጻናት ዝወሃብ ዝተሓዋወሰ ቀመማት ዘለዎ መግቢ) ምስ ተዋህባ ንሰዓታት ኢያ ደቂሳ።
ሽዑ ይዝከረኒ ብኣእምሮይ ከሰላስል። ጓለይ ክትድቅስ እንተደኣ ኾይና ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብ ፎርሙላ ክህባ ኣሎኒ ክብል ሓሲበ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ብናይ ጣዕሳ ስምዒት ተጎቢኤ። ጸረ ባህርያዊ መገዲ ምኳኑ ከርእየኒ ዝደለየ እንክመስል፡ ፎርሙላ ኣብ መልሓስ ጓለይ ገለ ዝተርፍ ጻዕዳ ነገር ክገድፈላ ጀሚሩ። ንጓለይ ኣብ ክንዲ ምቁርን ማእዛታት ዝመልኦን ጸባ ጡብ ዝምግባ፡ ገፈጥመፈጥ እምግባ ከም ዘለኹ ተሰሚዑኒ።
ኣብ ገለ እዋን ንርእሰይ ከመኽንየላ ክጅምር ከለኹ፡ ናይ ገበንነት ስምዒት ተመሊሱ ይሃድነኒ፤ "ዝያዳ ክቃለስ ነይሩኒ፡ ክድቅስ ኢለ ምሕሳበይ ቅኑዕ ኣይነበረን" ብምባል ይሓስብ።
ምንም ዝግበር የለን ጣዕሳ ጥራይ ኢዩ ዝስመዓካ፡ እዚ ግን መርገም ሓላፍነታውያን ወለዲ እንበር ናይ ዘይረብሑ ወለዲ ኣይኮነን።
ናይ ምጥባው ጉዳይ ናይ ቢሊዮናት ዶላር ኢንዳስትሪ ኢዩ። ንዝኾነ ይኹን ንእሽቶ ሒቕታ ብዝግባእ ዝተዓሸገ፡ ገንዘብካ ዝወስድ ዝተሓዋወሰ ቀመማትን ኣብ ጡብ ተቐሚጡ ዝሕግዘካ መሳርሒታትን መሊኡ ኢዩ።
ኣብ ከባብየይ ኣብ ዘሎ ዓቢ ድኳን ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝፈረየ ዓይነታት መግብን ከሬማትን ዝመልአ ዓቢ ከብሒ ከም ዘሎ ተገንዚበ።
ንዓይ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ግና ናብ ናይ ምጥባው ዓውደ መጽናዕትታት ምስታፍን ካብቶም ዝያዳ ፍልጠትን ተሞክሮን ዘለዎም ምምሃርን ኢዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ምጥባው ዝሽገር ኣነ ጥራይ ንበይነይ ከምዘይኮንኩ ዝፈልጥ ነይረ እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ኩሉ ግዜ ደገፍ ኣሎ፡ ግናኸ ሓገዝ ክትደሊ ከሎካ መብርሂ ምሕታት ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ።
ጸባጡብ ምጥባው ምርጫ ኢዩ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ ድማ እቲ ቀዳማይ ምርጫ ንሱ ኢዩ።
ይኹን እንበር ጸባ ጡብ ከተጥቡው ዘይምድላይ ወይ'ውን ዘይምኽኣሉ ዘይትረብሕ ወላዲት የብለካ ማለተይ ኣይኮነን።