እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብመጥባሕቲ (ሲ-ሴክሽን) ዝወልዳ ኣደታት ቁፅረን ይውስኽ ኣሎ
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወፀ መፅናዕቲ ከም ዘመልክቶ ቁፅሪ ብሕክምና መጥባሕቲ ዝወልዳ ኣዴታት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመት ብዕፅፊ ወሲኹ። ብፍላይ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሐ'ውን ሓቢሩ።
ዘ ላንሴት ዝተበሃለ ፀብፃብ ሕክምና፡ ቅድሚ 15 ዓመታት፡ 16 ሚልዮን ህፃናት ብመጥባሕቲ ከም ዝተወለዱ ብምዝኽኻር፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እቲ ቁፅሪ ናብ 29.7 ሚልዮን ከም ዝበፅሐ ኣመልኪቱ።
ብመጥባሕቲ ዝወልዳ ኣዴታት ብበዝሒ ካብ ዘለወን ሃገራት ዶሚኒካ ሪፐብሊክ ብ58.1 ሚኢታዊት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ'ላ።
እቲ መፅናዕቲ ን168 ሃገራት ዘካተተ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንዝነበረ ኩነታት'ዩ ዳህሲሱ።
ንዶሚኒካን ሪፐብሊክ ስዒበን፡ ብራዚል፣ ግብፅን ቱርክን ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ብመጥባሕቲ ዝወልዳ ኣዴታት ዘለወን ሃገራት ኮይነን ተሰሪዐን።
ሰብ ሞያ ሕክምና ከም ዝበልዎ፡ ሓኻይም ነቲ መጥባሕቲ ንምክያድ ብቑዕ ምክንያት የብሎምን።
ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ'ውን በዚ መገዲ ክወልዳ ዝደልያ ኣዴታት'ኳ እንተሃለዋ እኹል መሳርሒ ሕክምና ዘይምህላዉ ግን ብብዝሒ ዝፍፀም ኣይኮነን።
ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ዝነብራ ኣዴታት ምስተን ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ዘለዋ ክነጻጸራ ከለዋ ብተደጋጋሚ ነዚ ኣማራፂ ሕርሲ ይጥቀማ።
ሳዕቤናት
ብሕክምና መጥባሕቲ ዝፍፀም ወሊድ ኣብ ጥዕና እታ ኣደ ፀገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
- ኣብ ከባቢ ማህፅን በሰላ ይፈጥር
- ምፍሳስ ድም
- ኣብ ቀፃሊ ጥንሲ ምዉት ቆልዓ ምውላድ
- ካብ ማህፀን ዝወፀ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል።
ብርግፅ እቲ ዝካየድ መጥባሕቲ ህይወት ኣዶን ህፃንን ንምድሓን ዝሕግዝ'ኳ እንተኾነ፡ ዘእምን ምኽንያት ኣብ ዝህሉ ጥራሕ ክካየድ ኣለዎ።
ብመጥባሕቲ ዝፍፀም ወሊድ ወይ ሕርሲ (Caesarean section) እንታይ እዩ?
ሓንቲ ኣደ ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ መገዲ ብሕርሲ ክትወልድ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ሕክምና መጥባሕቲ ብምክያድ እቲ ዕሽል ካብ ማህፀን ንኽወፅእ ዝግበረሉ መገዲ እዩ።
ኣብ ሰለስተ ዝምቀል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ኣብ ድልየት ዝተመስረተን ኣገልግሎት ማዕዳ ሕክምና ከየድለየን፡ እታ ኣደ በዚ ኣማራፂ ክትወልድ ክትደሊ ከላ ይፍፀም።
ካልኣይ፡ ብምኽንያት ኣቀማምጣን ኣመፃፅኣን ተገዲድካ ዝካየድ መጥባሕቲ እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ብሃንደበታዊ ሓደጋን ኣብ እዋን ሕርሲ ብዝፍጠሩ ፀገማትን እቲ መጥባሕቲ ይምረፅ።