እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይናዊት ኣደ ንመሕከሚ ጓላ ዝውዕል ገንዘብ ንምርካብ ፀባ ጡባ ኣብ ፅርግያ ክትሸይጥ ጀሚራ
ገና ኣብ ዕድመ ንእስነት እትርከብ ቻይናዊት ኣደ ንመሕከሚ ውላዳ ዝውዕል ገንዘብ ንምርካብ ፀባ ጡባ ክትሸይጥ ጀሚራ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተፈነወ ቪድዮ፡ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ጥዕና እትርከብ ጓሎም ንምሕካብ እንተውሓደ 11 ሽሕን 250 ፓውንድ ከተኣኻኽቡ ከምዘለዎም እታ ኣደን በዓል ገዝኣን ተዛሪቦም።
ን2.4 ግዜ ዝተርኣየ ቪድዮ፡ ልዕሊ 5,000 ርእይቶታት (comments) ተዋሂብሉ።
እታ ኣደ ፍላይ ማንታ ዝኾነት ጓላ ቅልጡፍ ሕክምና ንኽትረክብ ፀባ ጡባ ትሸይጥ ምህላዋ ተዛሪባ።
በዓል ገዝኣ'ውን "ብኣማኢት ኣሽሓት ዩኣን (ገንዘብ ቻይና) ከምፅኡ እንተኺኢሎም ውላዶም ካብ ሕማማ ከምእትሓዊ ዶክተር ሓቢሩልና" ኢሉ።
ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ማእኸላት ኣገልግሎት ሕክምና ቻይና ልዑል ገንዘብ ብምሕታት ንተሓከምቲ ናብ ፀገም የእትዋ ብምህላወን ነቐፌታታት እናወፁ እዮም።
ኣብ ኤንተርኔት ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ብስምዒት ሓዘን ዝተመልአ እንትኸውን፡ ብዙሓት ድማ "ፀባ ብምሻጥ ውላድ ምድሓን" ንዝብል ሓረግ ናብ ኩሉ ክባፃሕ ('ሼር') እናገበሩ እዮም።
ሓደ ካብ ሞንጎ'ቶም ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸቡ ማለት እውን ልዕሊ 3,000 'ላይክ' ዝተገበረ ርእይቶ "ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ዝርከቡ ሰባት ብኸቢድ እንተሓሚሞም፡ ሰብኣዊ መሰላት እውን የብሎምን" ይብል።
ካልኦት ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ርእይቶ ወሃብቲ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ፀባ ጡብ ምሻጥ ዘይተለመደ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።
"ፀባ ጡብ ብድሕሪ ምሻጥ ክብርኻ ከመይ ምምላስ ይከኣል?" ብዝብል ሕቶ ርእይትኡ ዝሃበ ሰብ እንትህሉ፡ ነዞም ርእይቶታት ድማ ካብ ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምላሽ ተዋሂቡ።
ኣብ ክንዲ ንኽብሪ ንውላድካ ምቕዳብ ከምዝግባ ዝሕብሩ መልስታት ቀሪቦም።
በቲ ኩነታት ሰባት ኣብ ክልተ ሓሳባት ተመቒሎም ይርከቡ።