እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ወሰኽ ዋጋታት መግቢ ተራእዩ
ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን ዓለምለኸ ወሰኽ ዋጋታት መግቢ ከም እተራእየ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ዋጋታት መግቢ፡ ብተኸታታሊ ን12 ኣዋርሕ ወሰኽ ከም ዘርኣየ የመልክት።
ኣቕረብቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፍርያቶም ኣብ ምክፍፋል፣ ሰራሕተኛታት ምቕራብን ምጉዕዓዝ ምህርትን ጸገም ኣጋጢሙዎም'ዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ለበዳ ንቑጠባ ሃገራት ስለ ዝሃሰዮ ሓያል ዝቕባበ ዋጋ ከይስዕብ ስግኣት ኣሎ።
ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ኣብ ዘራእቲ፣ ኣእኻል ዘይቲ፣ ውጽኢታት ጸባ፣ ስጋን ሽኮርን ሓዊሱ ኣብ ዓለም ዋጋ መግቢ ወሲኹ'ዩ ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ዋጋታት መግቢ ብ39.7 ሚኢታዊት ወሲኹ ከም ዝነበረን እዚ ድማ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንነጀው ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ወሰኽ ኮይኑ እዩ።
እቲ ኣብ እኽሊ ቅብኣት፣ ዘራእትን ሽኮርን ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ድሕሪ መስከረም 2011 ዝተራእየ ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋታት ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ወሰኽ ጠለብን ትሑት መጠን ፍርያትን ከኣ ምኽንያት እቲ ናህሪ ምዃኖም ተገሊጹ።
ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት እገዳታት ምንቅስቓስ'ውን ሕጽረት ቀረባትን ናህሪ ዋጋታትን ከም ዘስዓቡ ተሓቢሩ።
ክኢላታት እቲ ዝርኣይ ዘሎ ልዑል ጠለብን ትሑት መጠን ፍርያትን ብዙሓት ሃገራት ካብ ዕጽዋ ምውጻእ ክጅምራ እንከለዋ ዝቕባበ ዋጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለው።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ነዚ ተጻዊሮም ክወጽኡ ዝኽእሉ ገለ ኢንዳስትሪታት ኣለው'ዮም።
ብመሰረት ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም ዘቐመጦ ኣመተ ኣብዚ ዓመት ፍርያት ኣእኻል ከም ዝውስኽን እዚ ንጸቕጢ ወሰኽ ዋጋታት ከዝሕሎ ከም ዝኽእልን ትጽቢት ይግበር።
ናህሪ ዋጋ ኣብ ኣገልግሎትን ኣቕሓን ዝርኣይ ወሰኽ ኮይኑ፡ ዓቐን ወለድን ካልኦትን ቑልፊ ፋይናንሳዊ ጉዳያትን ኣብ ምውሳ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ሃገራዊ ባንኪታት መብዛሕትአን ሃገራት መጠን ናህሪ ዋጋ ካብ ክልተ ክሳብ 2.5 ሚኢታዊት ክኸውን'ዮም ሽቶ ዘቐምጡ።