እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ክንምገቦም ናብ ሱፐርማርኬታት ዝመጽኡ ዘለው ሓሳኹ
እቲ እንነብረሉ ከባቢ ንምሕጋዝ ሓሳኹ ምብላዕ ክንጅምር ኣለና ካብ ዝብሃል ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፤ ንመብዛሕትና ግን ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ወይ ድማ እንታይ ክጥዕመና? ንብል ንኸውን።
ሓደ ኩባኒያ እስራኤል ግን ነቶም ሓሳኹ መቐረት ዝህቡ ነገራት ወሲኹ ናብ መኣዲ ከቕርበልናን ነቲ ስግድግድ ዝብለና ወይ እንጽየፎ ስምዒትን ክቐርፈልኩም እየ ይብል ኣሎ።
ድሮር ታሚር ሓላፊ ኩባኒያ ሃርጎል'ዩ። ኣብ ሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኣዝዮም ምቁራትን ልስሉሳትን ማስቲካ ሒዙ ረኺብናዮም።
ፕሮቲን ኣለዎም፤ ግንከ ካብ ኣዳጉራ ወይ ሕብሪ ዘይብሉ ጣዕሚ ንምሃብ ካብ ዝዳሎ እታወት ኣይኮኑን ተሰሪሖም።
እንታይ ድኣ፤ ዓይነት ኩብኩብታ ካብ ዝኾነ ነፋሪ ሓሰኻ - ኣምበጣ ዝሰተርሐ'ዩ።
"ኣንበጣ፡ ናይ ካዕካዕ፣ ማሽሩም፣ ቡንን ቸኮሌትን ጣዕሚ ኣለዎ። ግን ክኣ ካልኦት መቐረታት'ውን ክትውስኸሉ ትኽእል . . . እዚ ማስቲካ ናይ ኣራንሽን ስትራውቤሪን ጣዕሚ ኣለዎ" ይብል።
እዚ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ቖልዓ ኮይኑ ካብ እኖ ሓጉኡ ካብ ዝሰምዖም ዝነበሩ ታሪኻት ተበጊሱ ዝሓስቦ ዝነበረ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"ብ1950ታት እስራኤል ብሕጽረት መግቢ ክትሳቐ እንከላን ካብ ኣፍሪቃ ብዝመጽእ ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ይዓንው ብምንባሮም፡ ካብኡ ተማሂረ'የ" ይብል።
ብዝገርም ኩነታት፡ ኪቡቱዝ ዝብሃሉ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ክፋል ሕብረተሰብ እስራኤል ነቶም ኣንበጣ ንምብራር ዘሰንብዱዎም ነገራት ተጠቒሞም ክጓየዩ እንከለው፡ እቶም የመንቲን ሞሮኮ ኣይሁድን ግን ኣኪቦም ይበልዑዎም ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
"ሽዑ'የ ኣንበጣ መግቢ ቢሊየናት ህዝቢ ዓለም ከም ዝኾነ ዝተገንዘብኩ" ኢሉ።
እዚ ሓሰኻ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤዥያ፣ ማእከላይ ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝበልዑዎ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣለው'ዮም።
እንተኾነ ንመብዛሕትኦም ህዝብታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሕጂ'ውን ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ታሚር ግን ነዚ ክልውጥ ይብህግ። እቲ ኩባኒያ ድማ ነዚ ሓሰኻ ተጠቒሙ ብርክት ዝበሉ ምህርታት ንዕዳጋ ከቕርብ መደብ ኣለዎ።
ካብቶም ሕጂ ዘፍረዮም ዝሕየኹ ምቁራት ማስቲካ ብተወሳኺ ድማ፡ በርገር፣ ፋላፌልን ሓይሊ ወሃብቲ በሽኩቲን ከፍሪ'ዩ።
ክሳብ ሕጂ ሓሰኻ ፈጺሙ መግቢ ክኸውን ከም ዘይኽእል እንተኣሚንኩም፡ ገለ ሰብ ሞያ ግን ብምኽንያት ከባቢያዊ ስግኣታትን ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ድሕሪ ግዜ ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልወኩምን'ዩ ይብሉ።
ኣብ 2050፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሕጂ ካብ ዘለዎ 7.7 ቢሊየን ናብ 9.8 ቢሊየን ክበጽሕ እዩ።
ስለዚ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ባህላዊ ሜላ ሕርሻ ሒዝካ እሞ ኽኣ ካልእ ክልተ ቢሊየን ህዝቢ ወሲክኻ ናብራ ቀሊል ኣይኸውንን።
ድሕሪ 30 ዓመት፡ ኣብ ክንዲ ከፍቲ፣ በጊዕን ካልኦት መጥወብቲ እንስሳትን ካብ ምዕባይ ፕሮቲን ዘለዎም ሓሳኹ ምምጋብ ነቲ እንነብረሉ ከባቢ ዝሓሸ ኣበርክቶ ክህልዎ'ዩ።
"ፕሮቲን ኣብ እንምገቦ መግቢ ኣገዳሲ'ዩ። ግን ክኣ እቲ ዝለመድናዮ ፕሮቲን ካብ ስጋን ውጽኢት ጸባን እንረኽቦ'ዩ። ከም ኣንበጣ ወይ ናይ መግቢ ሓሰኻ ዝበሉ ሓሰኻታት ብፕሮቲን ሃብታም'ዮም። ብቐሊሉ ከኣ ክተፍርዮም ዝክኣልን ካብ ስጋ ንላዕሊ ዝተሓተ ስብሕን ከባቢያዊ ጽልዋን ዘለዎም'ዮም" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሳይንስ ኤጀንሲ ደረጃታት መግቢ ብሪጣኒያ ፕሮፌሰር ሮቢን መይ።
ኣብዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ እቲ ካብኦም ዝርከብ ፕሮቲን ኣለርጂ የምጽኡ ድዮም ዝብልን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝነብሩ ባክተርያን ካልኦት ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዝርኣዩ ደቀቕቲ ነገራትን የጥቅዑ ድዮም ዝብል'ዩ ይብል።
ታሚር፡ ንከባብን ንጥዕናን ዘለዎም ረብሓ ምርኣይ እኹል ስለ ዝኾነ ኣካል መኣድና ክኾኑ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ ብዝብል ይኣምን።
ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታኡ ናይ ሶላር ሓይሊ ተጠቒሙ ኣንበጣ የፍሪ ኣሎ።
እቲ ቀንዲ ዓሌት ስደተኛ ኣንበጣ ኮይኑ፡ ናይ በረኻ ኣንበጣ'ውን የፍሪ'ዩ።
"ኣብ ዓመት 400 ሚሊየን ኣንበጣ ከንረክብ ንኽእል ኢና" ዝብል ታሚር እቲ ሓሰኻ ሙሉእ ንሙሉእ ንክዓቢ 29 መዓልታት ከም ዝወስደሉ ይሕብር።
ምስ ምህርቲ ስጋ ብምንጽጻር ናይ ኣንበጣ ሕርሻ ልቀት ግሪን ሃውስ ብ99 ሚኢታዊት፣ ጠለብ ማይ ድማ ብሓደ ሽሕ ዕጽፊ ከም ዝንኪ ይኣምን።
ብተወሳኺ ኣንበጣ ብእስላምን ኣይሁድን ክብላዕ ዝኽእል ሓላል'ዩ ይብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እትነብርሉ ሃገር ይውስኖ ድኣ'ምበር ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ መግቢ ኮይኑ'ዩ።
ንኣብነት ኣብ ብሪጣኒያ ብኦንላይን ካብ EatGrub ምእዛዝ ይክኣል። ኣብ ኤውሮጳ ኣብዚ ዓመት ኣንበጣን ናይ መግቢ ሓሰኻን ክብልዑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ።
ዋይሴክት ዝተባህለ ፈረንሳዊ ትካል ኣብ ገለ ሓይሊ ወሃብቲ በሽኩቲ፣ ፓስታን በርገርን ዝርከቡ ፕሮቲን ዘለዎም ሕሩጻት ካብ ናይ መግቢ ሓሰኻ የፍሪ ኣሎ።
ፈጻሚ ስራሕ ኣንቶኒ ሁበርት እቲ ፕሮቲን "ተፈጥሮኣዊ" እዩ ይብል።
ኣብ ቀረባ ዩኒቨርሲቲ ማስትሪችት ዘካየዶ መጽናዕቲ ብምጥቃስ እቲ ናይ ሓሳኹ ፕሮቲን ማዕረ ኣብ ጸባ ዘሎ ፕሮቲክ ጠቓሚ'ዩ ብምባል "ክልቲኦም ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ማዕረ እጃም ኣለዎም" ኢሉ።
ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ብሪትሽ ኒዩትሪሽን ብሪድጌት ቤኔላም ግን ሕጂ'ውን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድሊ'ዩ ትብል።
እቲ ፕሮፌሰር መይ ዘልዓሎ ኣለርጂ ብኣብነት ብምጥቃስ፡ ጽግዕተኛ ሓሳኹ ኣነብ ሰብ ከተሓላልፉ ዝኽእሉ ስለ ዘለው ክብልዑ ኣብ ዝኽእሉ ዓይነታት ሓሰኻ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ምህላዎም ትጠቅስ።
"ሓሳኹ ግድን ክብልዑ እንተኾይኖም ገለ ክፍትሑ ዝግብኦም ማሕለኻታት ኣለው'ዮም" ኢላ።