ኣብ ዝመጽእ 3 ዓመት ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣገልግሎት ነፈርቲ ታክሲ

ምንጪ ስእሊ, ETHAN PINES/THE FORBERS COLLECTION
‘ዘ ጀትሶን’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታታሊ ፊልም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ይረኣይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ እቲ ነፈርቲ ታክሲ ዝብል ሓሳብ ናብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ክመጽእ ዝኸኣለ።
እቲ ኣብ ሳይንስ-ልቦለድ ዝምደብ ፊልም ክረኣይ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድማ ሓሳባቱ ናብ ተግባር ዝቕየሩሉ እዋን በጺሑ።
ሓደ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ብኡበርን ቦይንግን ዝውነና በረርቲ ታክሲታት ክሳብ 2040 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዝህሉ እዋን ብደረጃ ዓለም ብዝሐን ናብ 430,000 ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ከተማታት ነቲ ኣቑሑት ካብን ናብን ንምብጻሕ ዘገልግላ ነኣሽቱ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ንሰባት ዘመላልሳ ነፈርቲ ታክስታትን ኣብ መጻኢ ክፈጥርኦ ዝኽእል ምጭንናቕ ኣብ ግምት ብምእታው ብኣጋ ነኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ ከዳልዋ ዝምዕድ ሓሳባት ክቐርብ ጀሚሩ’ሎ።
እቶም ነኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ ከኣ ነተን ነፈርቲ ታክሲ ዝጥቀሙ ሰባት ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ንኽበጽሑ ምችው ኩነታት ይፈጥሩ።
ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ‘ጆቢ ኣቪየሽን’ ዝበሃል ትካል ነተን ነፈርቲ ታክሲታት ኣብ ምፍራይ ብመሪሕነት ይሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1 ሽሕ ናይ ፈተነ በረራታት ከምዘካየደ ይገልጽ።
ድሕሪ 3 ዓመታት ማለት ኣብ 2024 ስሩዕ ኣገልግሎት በረራ ታክሲ ንምጅማር ድማ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካን ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሽንን መረጋገጺ ፍቓድ ንምርካብ ይጽበይ ኣሎ።
እተን በረርቲ ታክሲ ኣርባዕተ ሰባት ዝጽዕናን ብሰዓት 322 ኪሎሜትር ክጓዓዝ ዝኽእላን እየን።

ምንጪ ስእሊ, BRADLEY WENTZEL
ሰባት ካብ ዝነብሩሉን ዝሰርሑሉን ከባቢ ናብ ዝደልይዎ ቦታ ንኽጓዓዓዙ ዘኽእል ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝሓሰቡ ዝዛረብ ወሃቢ ቓል ኩባንያ ጆቢ፤ ኦሊቨር ዎከር-ጆንስ “እንህቦ ኣገልግሎት ምስ ከም ጣብያታት ባቡር፣ መዕርፎ ነፈርትን ካልኦትን ዝተራኸበ ንምግባር ምስ ከተማታት ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።
ከተማታት ሂዩስተን፣ ሎስኤንጀልስን ኦርላንዶን ነተን በረርቲ ታክሲታትን ካልኦት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ቴክኖሎጂታትን ዝኸውን መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ንምድላው ውጥን ከምዝሓዛ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኣብ ብሪጣንያ እውን ኣብ ጥቓ ስታድየም ራግቢን ኩዕሶ እግሪን ከተማ ለንደን መዕረፊ እተን በረርቲ ታክሲ ዝኸውን ቦታ ንምህናጽ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ተረኺቡ’ሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ጂፒ ፓወር ዝተበሃለ ትካል መጽናዕቲ ንግዲ በዓል ሞያ ጉዕዞን ቴክኖሎጂን ዝኾነ ማይክል ታይለር፤ እተን በረርቲ ታክሲ ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ እዋን ከጋጥም ንዝኽእል መሰናኽላት ምቁጽጻር ከምኡ’ውን ቁጽጽር ትራፊክ ኣየረን ቀንዲ ብድሆታት ከምዝኾኑ ይገልጽ።
ኣሮን ቤልባሲስ ዝተባሃለ ኪኢላ ቴክኖሎጂ ትካል ኣውረኮን [ትካል ምህንድስሳን ዲዛይንን] ጉዳይ ጥዕናን ድሕነትን እውን ብዝለዓለ ደረጃ ክሕበሎም ዝግባእ ጉዳያት ከምዝኾኑ የጠንቅቕ።
ኣብ ኣየርን ዝንቀሳቐሳ ነፈርቲ ክበዝሓ ከለዋ መጠን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ብኡኡ ልክዕ ከምዝውስኽ ይኣምን። እተን በረርቲ ታክሲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ክወድቃ እንተኾይነን ኣብ ልዕሊ ተሳፈርተን ኮነ ካልእ ኣካል ዘብጽሕኦ ሓደጋ ከቢድ ከምዝኸውን ድማ ይገልጽ።
እዞም ስግኣታት እንተሃለዉ’ኳ ኣብ ከም ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን እስያን ዝርከባ ከተማታት ግን ነተን በረርቲ ታክሲ ንምጥቃም ዘለወን ድልየትን ጠለብን ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 5 ዓመታት ድማ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 200 መዕርፎ እተን በረርቲ ታክሲን ናይ ጽዕነት ድሮናትን ንምህናጽ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







