ሳምራዊት ወርሓዊ ደሞዛ ብምዕቛር ዝመስረተቶ 'ራይድ' ዓለምለኻዊ ሽልማት ረኺቡ

መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን ራይድ ሳምራዊት ፍቅሩ ተዓዋቲት ሽልማት በዓል ራኢ ቢዝነስ ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።

እዚ ዓመታዊ ዝዳሎ መድረኽ 'ኣፍሪካ ኦፕን ቢዝነዝ' ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ብልጽቲ ኣፍሪቃዊት በዓል ራኢ ቢዝነስ (Best African Business Visionary ) ክብል ናይ 2021 ተሸላሚት ገይሩዋ ኣሎ።

እዚ ማሕበር ኣብ ዲያስፖራ ብዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ዝተመስረተ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ሰባት ብምምራጽ ኣወዳዲሩ ይሽልም።

ኣፍሪካ ኦፕን ቢዝነስ ኣዋርድ ዓመታዊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ከምዝዳሎን ናብቲ ውድድር ዝሕረ ውልቀሰብ ድማ በቲ ዝፈጠሮ ዕድል ስራሕ ኣብ ማሕበረሰብ ብዝፈጠሮ ጽልዋ ይዕቀን።

እቲ ትካል ዓመታዊ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩን ካልኦትን ኣብ ንግድን ፖለቲካን ንሃገሮምን ንሕብረተሰብን ልዑል ኣበርክት ዝገበሩ ሰባት ሓርዩ ከም ዝሽልም ሳምራዊት ትዛረብ።

ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ኣፍሪቃ ብቢዝነስ ራይድ ጥራሕ ከም ዝተመዘዘ ክትገልጽ እንከላ ኣብ ጥዕናን ፖለቲካን'ውን ተሓርዮም ዝተሸለሙ ከም ዘለው ገሊጻ።

ብቴክኖሎጅን ኣገልግሎትን ተሸላሚት ዝኾነት ሳምራዊት፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ዝተፈላለዩ ሽልማታት እንተረኸበት'ውን ብደረጃ ዓለም እዚ ናይ መጀመርትኣ እዩ።

ምስረታ ራይድ

"ራይድ ካብ ጸገም'ዩ ተበጊሱ" ትብል ሳምራዊት። እዚ ትካል ንምጥያሽ ወርሓዊ ደሞዛ ትዓቁር ከም ዝነበረት ትዛረብ።

ኮምፒዩተር ፕሮግራመር ኮይና፡ ተቖጺራ ኣብ እትሰርሐሉ እዋን 40 ሽሕ ብር ዓቚራ።

ኣብቲ እዋን ጓል 22 ዓመት ዝነበረት ሳምራዊት መጀመርታ ክልተ ፕሮጀክታት ሰሪሓ ክተቕርብ እንከላ ዝቕበላ ከም ዘይነበረ ትዝክር።

እዞም ንሰብ ሃፍቲ ክስሕቡዎም ዘይክኣሉ ፕሮጀክታት ስርዓት ሎተሪ ሓጺር መልእኽትን ታሪኽ ጽገና መዝጊቡ ዝሕዝን ዘዘኻኽርን ከም ዝነበሩ ሓቢራ።

እዚኦም ናብ ግብሪ ዘይኣተውሉ ምኽንያት ክትዛረብ እንከላ "ብጸገማት ፋይናንስ ፖሊሲን ናብ ግብሪ ኣይተሰጋገሩን" ዝብል ሓጺር መልሲ ሂባትሉ።

ድሕሪ እዚ ጸገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ናይ ቴክኖሎጂ ፍልጠታን ዓቕማን ክትጥቀም ንሳልሳይ ግዜ ፈቲና።

ኣብቲ እዋን ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ብምስራሕን ብምሻጥን ንበይና ኣብ እትሰርሐሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ወጺኣ ክሳብ ምሸት ሰዓት 6፡00 ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ትጸንሕ ምንባራ ትገልጽ።

ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እትጥቀሞ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ግን ንድሕነታ ኣብ ስግኣት ዘእትው ስለ ዝነበሩ እዚ ስግኣት ሓደጋ ንምፍታሕ ክትሓስብ ጀሚራ።

እቲ ዘስተውዓለቶ ጸገም ንብዙሓት ሰባት ክተካፍል እንከላ 'ምሸት ኣምሲና ኣይንሰርሕን፤ ብዙሕ ጸገም የጋጥመና'ዩ' ዝብል መልሲ ሂቦምዋ።

እዞም ውልቀሰባት ካብ ዘለዎም ስግኣት ድሕነት ብዝብገስ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክውድኡዎ ዘይኽኣሉ ዕዮ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክሰርሑ ከም ዝግደዱ ብምዝኽኻር፡ እቲ ኣገልግሎት ዝህበኩም ኣብ ሓደ ስርዓት ተመዝጊቡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንከንቀሳቕሰኩም ፍቓደኛታት ዲኹም? ክትብል ሓቲታቶም።

እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰባት ሕጉሳት ነይሮም።

ድሕሪኡ እዚ "ራይድ" ዝተባህለ መኪናን ተጠቃምን ብቴክኖሎጂ ዘራኽብ ፕሮጀክት ሓንጺጻ።

ክትጅምሮ እንከላ 40 ሽሕ ብር ሒዛ ንብሕታ ከም ዝነበረ ዝገለጸት ሳምራዊት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሽዱሽተ ኣባላት ብጽሒት ኣክስዮን እቲ ርእሰማል ናብ ሚልዮናት ዓብዪ ይርከብ ኢላ።

እዚ ስርዓት ኣገልግሎት ታክሲ ንምስራሕ ኣርባዕተ ወርሒ ከም ዝወሰደላን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ስማርት ስልኪ ዝጥቀሙ ውልቀሰባት ውሑድ ከም ዝነበረን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ኢንተርነት ድኩም ብምንባሩን ሓጺር መልእኽቲ ብምልኣኽ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

እዚ ብሬድዮ ክውዓዋዕ ምስ ተገብረ ሰባት "ልክዕ ከም ኡበር ክብሉ ሰሚዐ" ትብል።

ሽዑ ኡበር እንታይ'ዩ ብዝብል ኣብ ጉግል ኣትያ ትርኢ።

ኣብ ዓለም ኡበር ዝብሃል ኣገልግሎት ታክሲ ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን ነይርኪ? ክንብል ሓቲትናያ።

"ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን፤ ራይድ ምስ ጀመርኩ ልክዕ ከም ኡበር ክብሉ ምስ ሰማዕኩ'የ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣንቢበ" ኢላ።

ድሕሪኡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምምሕያሽ እናርኣየን ተጠቀምቲ ስማርት ስልኪ ክበዝሑ ምስ ጀመሩን እቲ ስርዓት ክመሓየሽ ኣለዎ ብምባል ናይ ራይድ መተግበሪ ሰሪሓ።

ኣገልግሎት ታክሲ ራይድ

ራይድ ስራሕ ካብ ዝጅምር ሸሞንተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] እቶም መራሕቲ መኪና ሓዊሱ ልዕሊ 347 ሚልየን ብር ግብሪ ከፊላ።

ራይድ 37 ሽሕ መራሕቲ መኪና ሒዙ ዝሰርሕ ዘሎ ትካል ኮይኑ፡ ቅድሚኡ ኣብቲ ዓውዲ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይነበራ ብምግላጽ ሕጂ 400 ደቂ ኣንስትዮ ራይድ ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣስታት 7000 ደቂ ኣንስትዮ ድማ መራሒ መኪና ብምቑጻር መኪንአን ኣመዝጊበን ይሰርሓ ኣለዋ፤ እቲ ትካል ግን 500 ቐወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ጥራሕ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ትካል ኣብ ቀረባ ናብ ከተማታት ባርህዳር፣ ጎንደር፣ ኣዳማን ሃዋሳን ንምስፋሕ መደብ ኣለዋ።

ራይድ ክጅመር እንከሎ ብዙሓት ጸገማት ከም ዝነበሩ እትገልጽ ሳምራዊት፡ ኣብታ ሃገር ብቐሊሉ ኣብ ሪል ስቴት፣ ሕርሻ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ምውፋር መኽሰብ ዝርከቦ ምዃኑ ትዛረብ።

ኣብቲ ዘላትሉ ዓውዲ ግን፡ መወዓውዒ ብሬድዮ ንክስራሕ'ውን ከቢሩ ተጸጊማ ከም ዝነበረት ብምግላጽ፡ እቶም መራሕቲ መኪና ረብሓ እቲ ቴክኖሎጂ ንምግንዛብን ናብ ስራሕ ንክኣትውን ዝነበረ ባህሊ ስራሕ ንምቕያር ሓደ ዓመት ከም ዝወሰደላ ሓቢራ።

"ሓደ ዓመት ሙሉእ ብናጻ ለፊዐ'የ" ኢላ።

ድሕሪ'ዚ ራይድ ኣብቲ ኣገልግሎት ተቐባልነት ረኺቡ ዓማዊል እናፍረየ ምስ መጽአ መንግስቲ ነዚ ዝቆጻጸረሉ ስርዓት የለን ብዝብል ከም ዝኸልከላ ትገልጽ።

ምስ መንግስቲ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ ብምግባር ራይድ ረቲዑ ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኩነታት ከም ዝርከብ ኣረዲኣ።