እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዱባይ፡ ዕርቃነን ዝተሰኣላ ደቂ ኣንስትዮ ተኣሲረን
ኣብ ዱባይ ኣብ ሓደ ሰገነት ናይ ዓቢ ህንጻ ዕርቃነን ዝተሰኣላ ደቂ ኣንስትዮ ‘ጭውነት ናይ ህዝቢ ዘሪግክን’ ዝብል ክሲ ተመስሪትወን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዩ ዕርቃነን ኮይነን እናተሰኣላ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ሓያል ህዝባዊ ክትዕ ኣላዓዒሉ ነይሩ።
ካብተን ዕርቃነን ኮይነን ዝስኣላ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዩ እተን 11 ዩክሬናውያን ኮይነን ኩለን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዋ ኢምባሲ ዩክሬን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡ ካብተን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ሩስያዊት ከምእትርከብ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዱባይ ክብርታት ህዝቢ ዘበልል ተግባር ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርትን ሓሙሽት ሽሕ ደርሃምን ዘቕጽዕ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት በጻሕቲ ኣብታ ሃገር ተቐባልነት ዘይብሉ ፍቕራዊ ርክባት ብፍላይ ኸኣ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዝግብር ጾታዊ ርክባት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም’ዮም።
እተን ኣዋልድ ኣብ ዱባይ ማሪና ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ እየን ዕርቃነን እናተሰኣላ እንከለዋ ተራእየን።
ኢምባሲ ዩክረይን ነተን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ዜጋታቱ ሎሚ ሰሉስ ናብቲ ተኣሲረናሉ ዘለዋ ቦታ ብምኻድ ከምዝበጽሐን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ካብተን ዕርቃነን ዝተሰኣላ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዩ፡ ብውሕዱ 8 ሩስያውያን ከምዝተኣሰራ ጸብጺበን ኣለዋ።
ሪያ ዝተብሃለት ማዕከን ዜና ግን፡ ሓንቲ ነቲ መስርሕ ስእሊ ተወሃህድ ዝነበረት ሩስያዊት ከምዝተኣሰረት ብምሕባር፡ እታ ሩስያዊት በቲ ቀሪብላ ዘሎ ክሲ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ብውሕዱ 18 ኣዋርሕ ክትእሰር ከምእትኽእል ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ኣላ።
ፖሊስ ዱባይ፡ እተን ደቂ ኣንስትዩ ዝፈጸመኦ ተግባር ንሕግን ክብርን ዱባይ ዝጻረር’ዩ ብምባል ድንጉግ ሕጊ ብምጥሓሰን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዋ ሓቢሩ ኣሎ።
ዝኾነ መሬት ዱባይ ዝረገጸ ሰብ፡ ሕጊ ዱባይ ከኽብር ከምዘለዎ ዝሓበረ ፖሊስ ዱባይ፡ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ከምዘይክእል ገሊጹ።
ኣብ 2017 ሓንቲ እንግሊዛዊት ብሓዳር ምስ ዘይተጻመደቶ ብፍቃዳ ስጋዊ ርክብ ክትገብር ተረኺባ ንሓደ ዓመት ክትእሰር ከምዝተፈረደት ይዝከር።
ፖሊስ ነቲ ናይዛ እንግሊዛዊት ጉዳይ፡ እቲ ምስኣ ስጋዊ ርከብ ዝፈጸመ ሰብ፡ ድሕሪ ርክቦም መፈራርሒ መልእኽታት ይሰደላ ስለዝነበረ፡ ጉዳያ ንፖሊስ ክትሕብር ምስ መጽአት’ያ እቲ ንሳ ዝፈጸመቶ’ውን ብሕጊ ዱባይ ዘኽስስ ምዃኑ ብምግላጽ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣቕረባ ንሓደ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ።