ጋዜጠኛን ተጋዳሊትን ነጻነት ኣስፋው ብኣንደበት መቓልስታን መሳርሕታን

መምህር ተበርህ ተወልደመድህን፡ ንትሸዓተ ወርሒ ኣብ ከብደን ዝጸርኦ ድቂ ጓል ይኹን ወዲ ዝፈልጠኦ ተኣምር ኣይነበረን።

ዝወልድኦ ውሉደን ግን፡ ብጽቡቕ መገዲ ተሃኒጹ ጽቡቕ ሙህሮ ረኺቡ ክዓቢ ከም ዘለዎ ልበን ይፈልጥ ነይሩ።

መዓልቲ ኣኺሉ ብሕርሲ ተታሒዘን ዒሕ ኢለን ዝወለድኣ ጓል ኣንስተይቲ ግን፤ ተባዕ ጋዜጠኛን ህዝባዊት ተጋዳሊትን ክትከውን እያ ኢለን ዝሓሰባሉ ህሞት ግን ክህሉ'ዶ ይኸውን?

ነጻነት ኢለን ሽም ዘጠመቕኣ ጓለን ጽባሕ እትኾኖ ብዘየገድስ፡ መምህር ተብርህ ልበን ብዝፈልጦ ተማሂራ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ንክትበጽሕ ኣብ ትምህርቲ ክተድህብ ገይረን ኣዕበይኣ።

ነጻነት፡ ፈታዊት ትምህርቲ፣ ለውጢ ብትምህርቲ ጥራሕ ከም ዝረጋገጽ እትኣምን፣ ሓድ ሕድ ጓል ኣንስተይቲ ክትመሃር ከም ዘለዋ እትኣምንን በዙይ እትውፈን ኮነት።

ፖለቲከኛ ንምኻን'ውን ድሕር ኣይበለትን፤ ኣካል እቲ ኣብ 1960ታት ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኮይና ኣብ ወጻእ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ነጢፋ።

ተጋዳሊት ሮማን ገብረስላሰ መሓዛ ቓልሲ ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው'ያ።

"ህወሓት ቃልሲ ምስ ጀመረ፡ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምርኣይ ናብ ህወሓት ተጸምቢራ፤ በዚ ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ክትገብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓዲ ተመሊሳ ናብ ሜዳ ዝወረደት ጀግና'ያ" ክትብል ትገልጻ።

ኣብቲ ግዘ፡ ነጻነት ጋዜጠኛ ሬድዮ ጀርመን ዶቸቨለ እያ ነይራ።

ካልኦት ሃገራት ዓለም ኲናትን ስደትን ሰጊረን፡ ናብ ሓድሽ ባህሊ ዴሞክራስን ምሕደራን ኣብ ዝተሰጋገራሉ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ጌና ሕቶ ማዕርነት ብሄራት እናጎልሀ ብምምጻእ መሰል ዓርሰ ምሕደራን ምርግጋጽ ሓርነትን ባይታ እናሓዘ ቃልሲ ዝባርዐሉ እዋን እዩ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንህዝባዊ ቃልሲ ክመርሕ ናብ ዝተወደበ ሰልፊ ህወሓት ይስለፉ ነይሮም።

ተጋዳሊት ነጻነት፡ ካብቲ ሰላማዊ ምህዳር ዝዓሰሎ፣ ንትምህርትን ካልኦት ዕድላትን ዝተደላደለ ከባቢ ወጺኣ፡ ናብቲ መሬት ብባሩድን ጠያይትን ዝሓዋውስ፣ ብጥምየትን ጻምእን ዝብድህ፣ ድሕረትን ወጽዓን ዝወረሶ ማሕበራዊ ኩነታት መጺኣ፡ ክትጋደል፣ ክትስዋእ ናብ በረኻ ወሪዳ።

እቲ ዝዓዘዘ ተሳትፎኣን ልኡኻን ክፍሊ ፖለቲካ ከም ዝነበረ እትገልጽ ተጋዳሊት ሮማን፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ ተሓላቒት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብምኻን፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ዝተቓለሰት ተጋዳሊት ገይረ እየ ዝርእያ ትብል።

"ነጻነት፡ ብጣዕሚ ጸሓፊትን መንበቢትን'ያ። ንጋዜጠኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምስልጣን ትነጥፍ ነይራ። ኣብ ገድሊ'ማርች 8' ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ነይሩና፤ ነዚ ዝኸውን ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ተሞኩሮ ቓልሲ ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ቬትናም ብምዝማድ ተርጒማ ኣብ ምቕራጽ ዓብዪ ተራ ተጻዊታ'ያ" ኢላ።

'ኣነ ንነጻነት ዝዝክራ . . .'

ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው፡ ኣብ እግራ ብዘጋጠማ ሓደጋ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ30 ለካቲት 2012 ዓ.ም ካብ ዓለም ተፈልያ ኣላ።

ብዙሓት ንዓኣ ዝፈልጡ መቓልስቲ፣ መሓዙትን ፈተውትን ብዛዕብኣ ዘለዎም ጦብላሕታን ተዘክሮን ከከም ተሞኩርኡ ክፈላለ ይኽእል።

ተጋዳሊት ሮማን ገብረስላሰ ግን፡ ብሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ትዝክራ።

"ብህዝባውነታ፣ ብናይ ምንባብ ክእለታን ሰብ ንምልዋጥ ብእትገብሮ ጻዕርን እየ ክዝክራ ዝደሊ" ትብል።

"መሃይምነት ዘየጥፍአ ሰብ እንተረኺባ መሃይምነቱ ንከጥፍእ ዓብዪ ጻዕሪ ትገብር፣ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ፣ ኣብ ሕብረሰተብ ለውጢ ክመጽእ ሓላፍነት ወሲዳ እትሰርሕ ተጋዳሊት'ያ" ክትብል ድማ ወሲኻ ትገልጻ።

ህወሓት ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ኣብ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ኮይኑ፡ እቲ ሕብረሰተብ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተመሃራ ስለ ዝነበራ፡ እንተውሓደ ምንባብ ክኽእላ'ሞ ሓፋሽ ከንቅሓ ንምግባር ትምህርትን ስልጣናን ክረኽባ ይገብር ነይሩ።

ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው፡ ደቂ ኣንሰትዮ ንነብሰን ዓቕመን ከዕብያ፣ ትምህርቲ ክመሃራ፣ ፍልጠት ክህልወን ከንብባ ኣብ ምግባር ዓብዪ እምነት ስለ ዝነበራ፡ ትሰርሖም ዝነበሩ ስራሕቲ መብዛሕትኦም ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ምንባሮም ይዝከር።

"ደቂ ኣንሰትዮ ካብ ዓርሰ ምትሓትን ትምክሕትን ብዝብገስ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥሙወን ከም ዝኽእሉ ስለ እትርዳእ፡ ዓቕሚ እንተዕቢ ንኹሎም ድሕረታት ስዒርካ ትወጽእ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነይሩዋ። ደቂ ኣንስትዮ ብሰልጠናታት ክዓብያ፣ ካሪክለም ክቕረጽ ከይትሓለለት ትሰርሐሉ ዝነበረት ምኽንያት ድማ እዚ'ዩ" ትብል ተጋዳሊት ሮማን።

ብምኻኑ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ትምህርቲ ኣተኲሩ ዝዓዪ፡ ቅድሚ 40 ዓመት ዝተጣየሰ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሓንቲ ካብቶም መስረትትን ሽም ዘጠመቑዎን ምኻና ትጥቀስ።

ድሕሪ ዓወት [ድሕሪ 1983 ዓ.ም] ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ መቐለ ክካየድ ከሎ ጋዜጠኛ ምንባሩ ዝዛረብ ነጋ፡ ንምንታይ ኢኺ እዚ ማሕበር ትደልይዮ? ክትበሃል እንከላ፡ "ትግራይ ብትምህርቲ ዕላማ ክትትሕዝን ብትምህርቲ ክትምዕብልን ኣለዋ። ብፍላይ ድማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምምሃር ማለት ትግራይ ምምሃር ማለት'ዩ፤ ትግራይ ሓራ ንክትወጽእ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ስለዘለወን እዚ ማሕበር ንትምህረቲ ዝጥምት ማሕበር ክኸውን ኣለዎ ምባላ እዝክር" ይብል።

" . . . ሽዑ'የ በላሕ ምኻና ዝርኣኹ"

በዓል ዋና ጋዜጣ ሪፖርተር ተጋዳላይ ኣማረ ኣረጋዊ ብ1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ኣብ በረኻ ስልጠና ጋዜጠኝነት ክህብ እንከሎ፡ ሽም ሓንቲ ውርይቲ ጋዜጠኛ ብተደጋጋሚ የልዕል ነበረ።

ተመሃራይ ተጋዳላይ ኣማረ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ፡ "ናይ ህዝባ ወጽዓ ክትቕንጥጥ ካብ ጽቡቕን ምቹእን ናብራ ንቓልሲ ዝተወፈየት ጓል ኣንስተይቲ" ክብሃል ድማ፡ ቖልዓ ኮይኑ ይሰምዕ ምንባሩ ይዝክር።

እዚ ዛንታ ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው'ዩ፤ ሙህሮ ኮይኑ ድማ ተጋድሎኣ፣ ውፍይነታን ህዝባውነታን ይመሃሩዎ ነይሮም።

ብ1986 ዓ.ም ኣሰናዳኢ ዓምዲ ተጋድሎ ጋዜጣ ወይን ኮይኑ ስራሕ ምስ ጀመረ፡ ምስ ካልእ ካብ ሕልንኡ ዘይሃስስ ስርሓ ተላለየ።

"ሓደ ዓብዪ 500 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ታሪኽ ትግራይ መጺኡና። ካብዚ መጽሓፍ ጸᎁቐ ጽሑፋት ከዳሉ ድማ ተነገረኒ፤ እቲ መጽሓፍ ጥንታዊ፣ ማእከላይን ዘመናውን ታሪኽ ትግራይ እንተዘንቱ፡ ዋሕዙን ስልቲ ኣጸሓሕፍኡን ይገርመኒ ነይሩ። ሕድሕድ ፍጻመ፡ ሽምን ቦታን ኣለዎ፣ ዘየንኳሕኮሖ ገዛ ትግራይ ድማ ኣይነበረን" ይብል።

ፍልይቲ ተሓላቒት ደቂ ኣንስትዮ ምንባራ ዝዝክር ነጋ፤ "ኣብ መንገዳ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክትረክብ እንከላ፡ ትምህርቲ ትመሃሪ'ዶ? ኢላ እያ ትሓትት" ይብል።

ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው፡ ኣብቲ እዋን ኮሌጅ ኣዲስ ኣበባ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ኮሌጅ ብባችለር ኦፍ ኣርት ተመሪቓ ምስ ወጽአት ኣብ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ብጋዜጠኝነት ሰሪሓ፤ ቀጺላ ድማ ጋዜጠኛ ራድዮ ጀርመን ዝኾነ ዶቸቨለ ኮይና ንትሸዓተ ዓመት ሰሪሓ እያ።

በዚ ሞያ'ውን ሽማ ዘመስከረት ክትከውን እንከላ፡ ጋዜጠኛ ነጋ ግን ብዓውዲ ኣብ ናይ ታሪክ ጋዜጠንነት ዘለዋ ፍሉይነት ዚያዳ ጦብላሕታ ኣለዎ።

"ናይ ታሪክ ጋዜጠኝነት፡ ክህልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ክእለትን ስብእናን ክትነግረና፡ ከላ ሽዑ እየ ብጣዕሚ በላሕ ምኻና ዝረኣኹ። ኣብዚ ዓውዲ ድሕሪኡ ኸ? ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ? አሀ? እናበልካ ኢኻ ትሓትት፤ ብዛዕባ እዚ ዘለዋ ፍልጠት ዓሚቕ ምኻኑ ንምርዳእ ዝጸሓፈቶም ጽሑፋት ርኢኻ ዘይረገጸቶ መሬት ትግራይ ከም ዘየለ ትግንዘብ" ይብል።

ብ1990 ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ እንትለዓል፡ ጋዜጠኛን ተጋዳሊትን ነጻነት ኣስፋው ሚኒስትር ዲኤታ ሓበሬታ ነይራ።

ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ሒዛ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዝዋግአሉ ዝነበረ ቦታ ሒዛ ዝኸደት ንሳ እያ።

ኣብዚ ግዘ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ፡ ሕጂ'ውን ምስ ነጻነት ሓቢሩ ክሳዕ ባረንቱ ናይ ምዝላቕ ዕድል ኣጋጢሙ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታት ካብኣ እናተምሃረ ከም ዘሕለፎ ይዝክር።

"ንሳ ኣብ እትርከበሉ ስቕ ኢለ ከዳምጽ'የ ዝመርጽ" ዝብል ጋዜጠኛ ነጋ፡ ናይ ቋንቋ ክእለታ፣ ጽጹይ ሓበሬታ ናይ ምሓዝ ዝንባልኣ ከምኡ'ውን ጥንቃቕኣ ኩሉ ሰብ ክወርሶ ዝብህጎ ስብእንኣ ምኻኑ ይዛረብ።

"ሽዑ እቲ ኲናት ክጽብጽቡ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ሕድ ሕድ ነገራት ዝሓቱ እዮም ነይሮም፤ ካብ ጥይት ክሳዕ ዝብላዕ ነገር ስለ ምንታይ ከምዚ ኮይኑ ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ነይሮም። ንሳ ድማ ዝተጋገየ ሓበሬታ ከየሕልፉን ከይስንዱን ብጥንቃቐ ግቡእ ምላሽ ትህቦምን ጥንቃቐ ትገብርን ነይራ" ኢሉ።

ኣብዚ ኩሉ ጉዕዞ፡ እንታይ ዓይነት ጋዜጠኛ ምኻኑ ተዓዚቡ ይኾን? ሓቲትናዮ።

"ከም ጋዜጠኛ ትምርቲ'ያ፤ እቲ ዝገርም መዘክር ክትሕዝ እንከላ ብጽሑፍ ዘይኮነ ብስእሊ'ያ ተቐምጦ፤ ኮድ ማለት'ዩ። ደሓር እታ ዝተዛረብክያ ቃል'ውን ከየጉደለት ተርጒማ ተቐምጣ" ክብል ይገልጻ።

ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው

  • 17 መስከረም 1937 ዓ.ም ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ተወሊዳ
  • መባእታዊ ትምህርታ ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ድሕሪ ምዝዛም፡ ናይ ካልኣይ ትምህርታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ኢተገ መነን ተማሂራ
  • ብማሕበራዊ ሳይንስ ባችለር ኦፍ ኣርት ድማ ብናይቲ ሽዑ እዋን ኣሰያይማ ካብ ኮሌጅ ኣዲስ ኣበባ ተመሪቓ
  • ኣብ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ጋዜጠኛ ኮይና ስራሕ ጀሚራ፤ ናብ ወጻእ ሃገር ብምኻድ'ውን ኣብ ዶቸቨለ ንትሸዓተ ዓመት ሰሪሓ
  • ኣብ 1966ታት ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ወጻእ ሃገር ኣባል ስርዒት ህወሓት ኮይና ክተገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1972 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ብምምጻእ ናብ ገድሊ ህወሓት ተጸምቢራ
  • ብ1976 ዓ.ም ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ብምኻድ ተወለድቲ ትግራይን ፈተውቲ ልምዓትን ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምምስራት ዓብዪ ተራ ነይሩዋ
  • ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል፣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ድማ ኣባል ምስናድ ታሪኽ ገድሊ ህወሓትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ኮይና ነይራ
  • ብ2003 ኣብ ኢጋድ ወኪል ኢትዮጵያ ኮይና ሰሪሓ፤ ክሳብ 2010 ዓ.ም ድማ ኦዲተር ኢጋድ ነይራ
  • ተጋዳሊት ነጻነት ኣስፋው፡ ኣብ 75 ዓመታ ብ30 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዓሪፋ