ናዕቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ፀገም ናብ ፀገም ዝገላበጡ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብምኽንያት ማእሰርቲ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብታ ሃገር ሰልፍታት ተቓውሞ ተላዒሎም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ ትውልዲ ቦታ ጃኮብ ዙማ ክዋዙሉ-ናታል ተላዒሉ ናብ ዝተፈላሌያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተላብዐ ዘይምርግጋዕ፡ ገበነኛ ጉጅለታት መጥቀሚ ገይረሞ ነይሮም።

ዝምታ ተፈፂምሎም ኣብ ዝተባህሉ ቦታታት ፖሊስ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ይፍለጥ።

ናብርኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ግን ግዳያት ኮይኖም።

ድሕሪ ሰሙናት'ውን እዚ ፀቕጢ ቀፂሉ እዩ።

"ካብ ዜሮ ምጅማር'ዩ"

ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኸድ 9 ዓመታት ዘቑፀረ ኣሰግድ ዮውሃንስ፡ ኣብ ጥቓ ደርባን ኣብ ትርከብ ክዋዙሉ ናታል፡ ክዳውንትን ጫማን ይሸጥ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ ዝነብረላ ንእሽተይ ከተማ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ይነብሩ።

ድሕሪ ማእሰርቲ ፕረዝደንት ነበር እታ ሃገር ጃኮብ ዙማ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ንብረት ናይቶም ክልተ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ይዛረብ።

ሓደ ዓመት ምስ ሰርሐ፡ ዘለዎ ጠቕሊሉ ንብረቱ ሸይጡ ናብ ኣዲስኣበባ ተመሊሱ ክሰርሕ ትልሚ ዝነበሮ ኣሰግድ፡ ሕዚ ግና ነዚ ምግባር ከቢድ ምዃኑ ይዛረብ።

ዝነበሮ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተዘመተን፡ እዚ'ውን ልዕሊ 1 ሚልየንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ራንድ ከም ዝግመት ሓቢሩ።

"ነታ ከተማ ለቒቐ ወፂአ'የ፤ ኣብ መደብርካ ዝነበሩ ክዳውንቲ ሰባት ተኺደኖሞ ምርኣይ ይርብሽ'ዩ። በዚ ምኽንያት ናብ ጆሃንስበርግ መጺአ፡ ምስ መሓዙተይ ይነብር ኣለኹ" ይብል።

ቅድሚ ሕዚ'ውን፡ ሰለስተ ግዘ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ፅልኣት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እንትፍፀም፡ ምንቅስቓሳት ይግደብ፣ ትካላት ንግዲ ምኽፋት ኣይከኣልን፣ ካብ ገዛ'ውን ምውፃእ ኣይከኣልን ዝብል ኣሰግድ፡ ክቃወሙ ዝወፅኡ ሰባት ኣብ መወዳእታ ትካላት ንግዲ ዘሚቶምን ኣዕንዮምን ምኻድ ልሙድ'ዩ ይብል።

ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሰልፊ ተቓውሞ እንክለዓል፡ "ዙማ ካብ ስልጣን ይውረደልና" ዝብል ሕቶ ከም ዝነበሮም ዝዝክር ኣሰግድ፡ ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዝተዘሞቱ ይገልፅ።

ኣብ ዓመት ኣብ ዓመተ 2021 ድማ፡ ዙማ ክእሰር የብሉን ዝብል ካልእ ርእሲ ሒዞም መጺኦም ብምባል፡ ናይ ሕዚ ጎንፂ ካብ ካልእ እዋን ዝሓሰመ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብዚ ዝምታን ዕንወትን ልዕሊ 150 ሽሕ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም'ዮም ዝብል ኣሰግድ፡ ብቢልዮን ዶላራት ዝግመት ንብረት ዓንዩ ክብል ነቲ ኩነታት ይገልፆ።

"ምሳይ ይሰርሑ ዝነበሩ ሽድሽተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሕ ፈቲሖም'ዮም" ብምባል እዚ ቁፅሪ ኣብ ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ እንትረኣይ ድማ ዓብይ ኣሃዝ ከም ዝኾን የብርህ።

ገሊኦም ክሳብ 300 ሰራሕተኛታት የመሓድሩ ዝነበሩ ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ፡ ልዕሊ 20 ሚልየን ራንድ ዝተዘመቱ ውልቀሰባት ከም ዘለዉ ዝገልፅ ኣሰግድ፡ "መሊስና ኣይንኸፍትን" ክሳብ ምባል ከም ዝበፅሑ ይዛረብ።

ኣሰግድ፡ ካብ መፈለምታ መዓልቲ ጀሚሩ እናሃነፅክዎ'የ መጺአ ዝብሎ ትካል ንግዱ፡ ብዝበፅሖ ዝምታ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ምርኣዩ ንመንፈሱ ሰይርዎ'ዩ።

"ካብ ዜሮ ኢኻ ትጅምር፤ ክትጅምር ከለኻ ዋላ ሓደ ከም ዘይብልካ ማለት'ዩ። መንግስቲ ብዝምታ ጉድኣት ንዝበፅሖም ካሕሳ ክህብ'የ ኢሉ ቃል እኳ እንተኣተወ፡ 'እንተሃቡ ንዜጋታቶም'ምበር ንስደተኛ ናይ ምሃብ ዕድል' ትሑት'ዩ" ይብል።

ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ብንግዲ ትመሓደር ወይዘሮ መዓዛ ተስፋየ ብወገና፡ ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘፍርሕን ኩነታት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ገሊፃ።

"ናብ ናትና ከባቢ መጺኦም ንምዝማት እንትዳለዉ፡ ንኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ስደተኛታት ሓቢሮም ምስ ኣባረርዎም ምንቅስቓሶም ደው ኢሉ። ሕዚ ብጣዕሚ ተረጋጊዕና ንሰርሕ ኣለና። ኩሉ ግዘ ዘጋጥም ምዝማት፡ ሓደ ሓደ ጉሓልቲ ናብ ሹቓት ዝኣትውዎ እንተዘይኮይኑ፡ ምንም ነገር የለን" ብምባል፡ ሕዚ ዝርከብሉ ኩነታት ገሊፃ።

"ተስፋ ዘቑርፅ ናይ ፀልማት ግዘ"

ንልዕሊ 17 ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ኣይተ ግርማ ፊጣ፡ ኣብ ትውልዲ ቦታ ጃኮብ ዙማ ዝኾነት ክዋዙሉ-ናታል ዋና ከተማ ፒተማርስበርግ'ዩ ዝነበር።

መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣይተ ግርማ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ናብታ ሃገር ዝመፅኡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት መጥቃዕቲ ይፍፀም ከም ዝነበረን ሕዚ ግና ንኹሉ ዘማእኸለ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ናተይ ሰለስተ ትካል ንግዲ ተዘሚቱ'ዩ። እቲ ሓደ ትካል 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ዝግመት ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ድማ 3 ሚልየን ብር ይግመቱ" ኢሉ።

ኣብ ወሰናወሰን እታ ከተማ ዝነበረ ዝምታ "ተስፋ ዘቑርፅ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነት ተስፋ ዘስእን'ዩ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ግዘታት ከመይ ከም እንነብር ክንሓስብን ክንጭነቕን ዝገበረ'ዩ። ሕጉሳት ኣይኮንናን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ኣዚና ተሃሲና፣ ተዘሚትና፡ ሰሪሕና ኢና ረኺብናዮ። . . . ናይ ዝሓለፈ ግዘ ግና፡ ተስፋ ዘቑርፅ ናይ ፀልማት ግዘ ነይሩ" ብምባል ይገልፆ።

ወሲኹ "ኣብዚ ዘለኽዎ ከተማ ምስ ገለ ትካላትን ሰባትን ብምዃን፡ ብጣዕሚ ንዝተጎድኡ 85 ሰባት መሊሶም ክኸፍቱ (ሹቕ) ልቓሕ ኣዳሊና። ገሊኦም ስራሕ'ኳ እንተጀመሩ ዝበዝሑ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣይጀመሩን። ገሊኦም ብልቓሕ፣ ዘለዎ ድማ ንዘይብሉ ብምትሕግጋዝ፡ ስራሕ ንጅምር ኣለና" ይብል።

ኣብዚ መዳይ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሐሸ ድጋፍ ከም ዝግበረሎም ይገልፅ።

"መንግስቲ (ደቡብ ኣፍሪቃ)፡ ንዜጋታት ካሕሳ ክኸፍል'የ ኢሉ'ዩ። ከም ዝፍለጥ ዝበዝሕ ናትና ሰብ ስደተኛ'ዩ። ፍቓድ ንምውፃእ ብዙሕ መስርሕ ስለ ዝሓትት፡ ናትና ሰብ ብዘይፍቓድ'ዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ንዓና ዝረድእ ስርዓት የለን" ክብል ተዛሪቡ።

"ወረቐት ንዘይብሎም ሰባት ይሕዙ ኣለዉ"

ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ስደት ነይረ ዝብል ኮስሞስ ገብረሚካኤል ነባሪ ደርባን'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተላዕለ ዓመፅን ረብሻን፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ደርባንን ከባቢኡን ከም ዝተኸሰተ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ገሊፁ ኔሩ።

መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ከም ዝተዋፈሩ ዝገለፀ ኮስሞስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ከም ዝርከቡ የረድእ።

እቶም ናይ መጀመርታ፡ 'ሎኬሽን' ኣብ ዝበሃልን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝነብርሉ ከባብታት ዝሰርሑ'ዮም።

ኣብዞም ከባብታት ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን፡ "ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቶም ዓንዩ" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ኣብ ሎኬሽን ንዝሰርሑ ነጋዶ ኣቑሑ ብምቕራብን ብምክፍፋልን ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብ ካልኣይ ምድብ ዝርከቡ ኮይኖም ሆቴላት፣ መሸጢ ባህላዊ ኣልባሳትን ግሮሰሪታትን ዝሓቖፉ እዮም።

እዚኦም ከኣ፡ ቅድሚ ሕዚ ንካልኦት ዜጋታት ብምፅላእ መጥቃዕቲ (ዜኖፎቢያ) ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ስለ ዝተምሃሩ፡ መብዛሕትኦም ንርእሶም ንምሕላው ተወዲቦም ተንቀሳቒሶም፤ መጠን ዝበፅሖም ጉድኣት ውሑድ'ዩ ይብል።

ዓቕሚ ዘለዎምን ኣብ ሳልሳይ ምድብ ዝርከቡን ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ኣብ ዓበይቲ ማእኸላት ንግዲ (ሞላት) ዝነግዱ ኮይኖም፡ "እዚኦም ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቶም ዝሰኣንሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ድሕሪ እዚ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እንትዛረብ ድማ፡ ንድሕንነት ይኹን ብስግኣት ብዘይፈለጦ ምኽንያት፡ ኣብ ከባቢ ሙላዚ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ወነንቲ ሹቕ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ የረድእ።

"እዞም ሸፋቱ፡ ንባዕሎም ከም ቢዝነስ ማሕበር ብምውዳብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዝነበረ ዝምታ ብምጥቃም 'ሓበሻ' ንድሕነት ሕብረተሰብና ምእንተ ዘላቒ ፍታሕ፡ መሊስኩም ናይ ንግዲ ትካልኩም ከይትኸፍቱ ብምባል፡ ናይ ምዝማት ኩነታት ኣርእዮም። ደሓር ግና እቲ ፀገም ተፈቲሑ፡ ስራሕ ጀሚሮም። እዞም ሸፋቱ ተኸፈልቲ'ዮም። ኩሉ ግዘ ንናትና ኮሚዩኒቲ ስግኣት'ዮም" ይብል።

ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ዘይምርግጋዕ፡ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝተዘመቱ ኣቑሑ ካብ ሓደ ግዝኣት ናብ ካልእ ከይሰጋገር በብመንገዱ ብፍላይ ኣብ ጆሃንስበርግ፣ ፍሪስቴትን ክዋዙሉ-ናታልን መንገዲ ብምዕፃው ይከላኸሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

"እንተኾነ ወረቐት ንዘይብሎም ሰባት ይሕዙ ኣለዉ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ በዚ ምኽንያት ፀገም የጋጥሞም ኣሎ። ናብቶም ከባብታት ብምኻድ እቶም ፀገማት ንምትራፍ ንፅዕር ኣለና" ይብል ኮስሞስ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን እቲ ፀገም መፅዩ ኔሩ ዝብል ኮስሞስ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ካብ ምዝራብን ሞራል ካብ ምሃብን ሓሊፉ ግና ሓገዝ የለን" ኢሉ።

ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎሳ፡ ዝተሰልዐ ባጀት ስለ ዘሎ ገንዘብ ክንከፍል ኢና ምባሉ ብምዝኽኻር፡ "መንግስቲ ዝበዝሕ ግዘ ንዜጋታት ወፃኢ ቃል ብምእታው ዘይትግብረሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ዝተዘመተን ንብረቱ ዝተቓፀለን ሕብረተሰብ እንተልዩ ኬዝ ኽፈቱ ተባሂሉ'ዩ። ራማፎሳ፡ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ይትግብሮ ድዩ ኣይትግብሮን ዝብል ክንርእይ" ይብል።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም፡ ቅድሚ ሰሙናት ዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ዝተፈለየ ከም ዝኾነ ይሰማማዕ።

"እቲ ናይ ሕዚ ኣብ ዓበይቲ መምረቲ፣ ትካላት ንግድን ቁጠባን ዘነፃፀረ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዘድሃበ'ዩ። ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ ተዘሚቶም፣ተቓፂሎም፣ ዓንዮም፡ ኣብ ሎኬሽን'ውን እዚ ተፈፂሙ" ኢሉ ኔሩ፡ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ካብቲ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ መልእኽትታት ብምልዓል ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምብፃሕ፡ ብትኹረት ይሰርሑ ከም ዘለዉ'ውን ገሊፁ።

ሕዚ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላማዊ ከም ዝኾነን ትካላት ንግዲ ናብ ስራሕ ይኣትዉ ኣለዉ" ኢሉ።

ብሰንኪ እዚ ፀገም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኢትዮጵያውያን፡ "ንሕድሕዶም ብምትሕግጋዝ ዝበዝሑ ናብ ስራሕ ምእታዎም" ኣመልኪቱ።