ስደት፡ ንልዕሊ ሽድሽተ ኣዋርሕ ደሃየን ዘይተረኽበ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክነብራ ዝጸንሓ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ እየን ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺአን ክነብራ ጸኒሐን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሰላማዊት ኣምባሳደርን ራሄል መርሃዊን ዝተባህላ እዘን ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ዞባ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምስ በጽሓ ተሰዊረን።

ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ድሃየን ጠፊኡ ስለ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ስድራቤተንን ፈተውተንን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ቢቢሲ ንስድራ-ቤተን ብምዝርራብ ነቲ ዛንታ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

እተን ክሳብ ሕጂ ድሃየን ተሳኢኑ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ኬንያ ክሰግራ እንከለዋ ከም ዝጠፍኣ ቤተሰበን ይዛረቡ።

ሙሉጌታ ኣምባሳደር፡ ሰላማዊት ሓፍቱ ካብ ኢትዮጵያ ክትብገስ እንከላ ኣብ ናይሮቢ ምስ እትቕመጥ ሓንቲ 'ዘይሕጋዊት ኣሰጋጋሪት' ብ9 መጋቢት ብገንዘብ ተሰማሚዓ ከም ዝተበገሰት ይዛረብ።

"ደሃይ ምስ ኣጥፈአት [ነታ ኣሰጋጋሪት] ብዙሕ ግዜ ደዊልና ሓቲትናያ፤ 'ይመጽኣ ኣለዋ፣ ቀሪበን እየን' ትብለና ነይራ። ምስ ደንጎያ ግን ድሕሪ ሰሙን ናብቲ በረኻ ብኣካል ከይደ ደልየ ግን ኣይተዓወትናን" ይብል።

ሰላማዊት፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ 2018፡ ዶባት ምስተኸፍተ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተው ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት እያ።

ግን ከኣ እቲ ኩናት ምስ ቀጸለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ረጊኣ ክትነብር ስለ ዘስገኣ ዓዲ ክትቅይር ከም ዝሓሰበት ሙሉጌታ ሓዋ ይዛረብ።

"ንሕና እቲ ኲናት ክሳብ ኣበይ'ዩ ከስፋሕፍሕ ዝብል ዝፍለጥ ነገር ስለ ዘየለ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ውሳነ ገይራ ኢና ንብል። ግን ብልክዕ እቲ ንኬንያ ከስግራ ዝኽኣለ ነጥቢ እንታይ'ዩ ዝብል ምስ ረኸብናያ ካብ ቃላ እንሰምዖ'ዩ ክኸውን" ይብል።

ይኹን'ምበር በዓል ሰላማዊት ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ናይ ኬንያ ከባቢ ምስ በጽሑ ፖሊስ ጠጠው ከብሉዎም ምስ ፈተኑ ከም ዝተበታተኑን ብዝተፈላለየ ኣንፈት ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ኢድ ካልእ ኣሰጋጋሪ ከም ዝወደቑ፡ ወላዲ ራሄል ኣቶ መርሃዊ ተስፋሚካኤል ካብቶም ዕድል ገይሮም ንኬንያ ዝኣተው ስደተኛታት ደሃይ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።

"ክሳብ ሞያሌ እትበጽሕ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን፤ ሞያሌ በጺሓ መጺአ ኣለኹ ኢላትኒ። እናተጸበኹዋ ግን ጠፊኣ ሰሚዐ። ነታ ተስግረን ነይራ ዝተባህለት ውልቀ ሰብ ከዘራርብ ድሃያ ክሓትት ጽዒረ'የ። ምፍርራሕ ስለ ዝበጽሐኒ ግን ንዓኣ ገዲፈ ንጓለይ ናብ ምድላይ ከይደ። ንኹሉ በረኻታት ሞያሌ በጺሐ'የ" ከኣ ኢሉ።

ሄለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ ከም ዝጸንሐትን እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝመጽአትን ኣቶ መርሃዊ ተዛሪቡ።

ሰላማዊት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓስከራት ምዕጻው ኣብ ዝጀመረሉን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] ምዝገባ ጠጠው ኣብ ዘበለሉ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝመጽአት ከይተመዝገበት ከም ዝጸንሐት ስድራቤታ የረድኡ።

ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ኣቢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020 ብዝነበረ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣስታታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ሰደተኛታት መዝጊባ ነይራ፤ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት እዮም ነይሮም።

ምጥፋእ ናይዘን ክልተ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ንፖሊስ ኬንያ እኳ ስለ ዝተሓበረ እታ ብምስግጋር እዘን ስደተኛታት ዝተጠርጠረት ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበትን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ቤት ጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ውሕስነትን ድሕነትን ሰባት ቐዳምነት ስለ ዝህቦ ንህዝቢ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያት ግዳያት ሓበሬታ ከም ዘየካፍል ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ብሃለዋት ደቆም ዝተጨነቑ ስድራቤት ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ወገን ደሃይ ደቆም ክነግሮም ይምሕጸኑ ኣለው።

ሓው ሰላማዊት፡ ሙሉጌታ ኣምባሳጀር [ሓፍቱ] ኣመጻጽኣኣን ብኽፋል ሕጋዊ ብኽፋል ድማ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ እዚ ንምጥፍኣ እጃም ክህልዎ ከም ዝኽእል ግምቱ ገሊጹ።

"ብመደብ እቶም ዘስግሩወን ዝነበሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ እየን ናብ ሞያሌ ክበጽሓ ክኢለን። ድሕሪኡ ክሳብ መሬት ኬንያ ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ'ዩ ተፈጺሙ። ድሕሪ ምጥፍአን ከይድና ከም ዝርኣናዮ ድማ እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መገዲ ሕጋዊ ወይ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦ ኣይነበረን" ኢሉ።

ንኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዘዳውብ ኣከባቢ እትርከብ ከተማ ሞያሌ ኣብዚ እዋን ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ትኸውን ምህላዋ ይዝረብ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ብናኣሽቱ መካይን፣ ሞተር ሳይክል፣ ካሮሳን ሰብን ስደተኛታት የጓዓዕዙ።

እቲ ኢሶሎ ናብ ያሚቻ ዝወስድ መገዲ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛን ጽኑዕ ሓለዋ ከም ዝካየደሉን ጸብጻባት ይገልጹ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት [2021 ዓ.ም] ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስርጣይ ንዝኽሰስ ፍሉይ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ብናይ 18 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝወሰነ ይፍለጥ።

እዚ ወሊድ ብዝብል ቅጽል ሽም ዝፍለጥ "ተወልደ ጎይትኦም" ዝበሃል ሰብ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት ገበነኛ ስለዝተባህለ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተፈሪዱ'ዩ።

ኣብ 2007 ዓ.ም ጥራይ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ናብ ምድረበዳ ሲናይ ተወሲዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱን ገለ ክፋል ኣካሎም'ውን ከም ዝተሸጠን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ገሊአን መተሓላለፊ ገሊአን ድማ መዕቖቢ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ስደተኛታት እቲ ዞባ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን መበገሲ፣ መመሓላፍን መወዳእታን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኤርትራ ቐንዲ ምንጪ ዘይስሩዕ ወይ ዘይሕጋዊ ስደት ኮይና፡ ኬንያን ሱዳንን ብቐንዱ መተሓላለፍን መዓርፎን'የን።

ጅቡቲ ድማ ብዘይስሩዕ መገዲ ናብ የመንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝኸዱ ስደተኛታት ዝመሓላለፉላ ከም ዝኾነት ኣብዚ ዙርያ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ይጠቕሱ።

ኣብዘን ሃገራት ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ሓለፍቲ ሰብ መዚ መንግስቲ'ውን ዝተሓወሱዎ ስለ ዝኾነ እቲ ጸገም ንምግታእ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮ ይግለጽ።

ዩኒቨርሲቲ ኔዘርላንድ ብ2017 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ካብ 25 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግግር ኮይኖም ይብል።

ብተመሳሳሊ 95 ሚኢታዊት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝኾኑ መበዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን ከም ዝርከቡዎም ዩኤንኤችሲኣር ብ2014 ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብኦ 24 ሃገራት ዝተሳተፋሉ ወፍሪ ህጻናት ዝርከቡዎም 500 ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ክድሕኑ እንከለው 195 ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም'ዮም።

እቲ ስርሒት ብምትሕብባር ኢንተርፖል ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባት ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ፡ ፖሊስ ሱዳን 100 ግዳያት ብምድሓን ግዳያት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከስግሩ ዝፈተኑ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ዝርከቡዎም ጉልበት ህጻናት ኣብ ፋብሪካ ፕላስቲክ ዝበዝበዙ ልዕሊ 20 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።

ኬንያ፣ ኡጋንዳን ሞሮኮን'ውን ዓብዪ እጃም ካብ ዝነበረን ሃገራት ምዃነን ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዘይሕጋዊ ስደትን ዘዘራረብናያ ተሓላቒት መሰላት ስደተኛታት ሜሮን እስጢፋኖስ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው ኢትዮጵያ ማእከል ዘይሕጋዊ ስደትን ኣስገርትን ትኸውን ከም ዘላ ገሊጻ ነይራ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንብዙሕ ሰባት ኣሰናኺሉ'ዩ ዝበለት ሜሮን፡ እቲ ኩነታት ምስ መጽአ ድማ ነቶም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ዓብዪ ዕድል ኮይኑሎም ናይ ሊብያ መገዲ ተጀሚሩ እናተባህለ ብዙሕ ሰብ ይብገስ ኣሎ ኢላ።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሎም ካብ መዓስከራት ዝወጽኡ ደቂ 15፣ 16 ዓመት ስደተኛታት ናብ ሊብያ ተበጊሶም ኢኻ ትሰምዕ። በጃኹም ኢልና ዝሰምዐካ የለን ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ስለ ዝመረሮ ኩሉ ኣብኡ ክፍታሕ እዩ ኢሉ እዩ ዝሓስብ።

"በዚ ሰዓት ኢትዮጵያ እታ ዝዓበየት ማእከል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኮይና ኣላ። እዚኦም ናብ ሊብያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ እናበሉ ዝተፈላለየ ምርጫ ስለ ዝህቡዎም ብዙሓት ይብገሱ ኣለው። እዚ'ዩ እቲ ዘሕዝነካ" ክትብል እቲ ኩነታት ከም ዘሰክፋ ገሊጻ።

"ብፍቓድካ ዝኸይድ ውላድ የለን" ዝብል መርሃዊ ናይ ጓሉ ምብጋስ ከም ዘይተቐበሎን ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ምዃና ከም ዘሕዘኖ ይሕብር።

"እቶም ጨካናት ኣሰጋገርቲ ኩሊት ሰባት ከም ዝሸጡ እናተነግሮ እውን እንተኾነ ስቕ ኢሉ ስለ ዝብገስ፡ መንእሰይ ወለዶ ካብዚ ከቢድ ሓደጋታት ዘኸትል ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ክቑጠብ" ተማሕጺኑ።

ድሕሪ ውዑል ሰላም ኣልጀርስ 2000 ምፍራሙ፡ ልዕሊ እቲ ዝግበኦ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ኣብ ንጡፍ ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰላማዊ መነባብሮኡ ንክገብር ክጣየስ፣ ብምኽንያት ዶባዊ ኵናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዘቤታዊ ፖለቲካን ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ገስጋስ ክበራበር ትጽቢት ዝነበሮ መንእሰይ መሪሕነቱ ብፖለቲካዊ ርእይቶታቶም ኣብ ክልተ ተሰንጢቑ።

ፍልልዮም ኣብ ክንዲ ብዘተን ልዝብን ዝፈትሑዎ ብማእሰርቲ ዓፈናን ስለ እተደምደመ ንመንፈስ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝተንከፈን ስደት ከም ውሕጅ ከም ዝቐጸለን ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ዘካየድ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረብኣብ ይገልጽ።

ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ፈቐድኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ኩለንትናዊ ግህሰትን ሞትን የጋጥም ከም ዘሎ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።