እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምረት ስደት ብክራሩ ዘተሃዳድእ ኤርትራዊ
ኢሳይያስ ተወልደ ኣብ ኤርትራ ዓዲ ጓዕዳድ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። 2011 ድማ ኣብ ሳዋ ተዓሊሙ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጺሙ። 2017 ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ምስ ክራሩ እናተጻወተ ከቢድ ናብራ ስደት ይሓልፎ'ሎ።