ጆሃን ሳዳት፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተጣበቐት ግብጻዊት እመቤት

ፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ኣብ ካይሮ ወተሃደራዊ ምርኢት እናተዓዘበ ብዕጡቓት ክቕተል እንከሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጻምድቱን በዓልቲ ሓዳሩን ጀሃን ሳዳት ካብኡ ሒደት ሜትር ርሒቓ ኮፍ ኢላ ነበረት።

እቲ ዳሕራይ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ምስ ኮነ ብቃጻ ዝተቐትለ ናይ ፍቕሪ ብጻያ ፕረዚደንት ኣንዋር ኣልሳዳት ብ06 ጥቅምቲ 1981 ብኣድራጋ ጠያይቲ ክወድቕ እንከሎ ብዓይና ርእያ። ኣይጸንሐን ከኣ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።

እዛ ኣብ 88 ዓመት ልደታ ዝዓረፈት፡ ተጣባቒት መሰልን ሰላምን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ቀዳመይቲ እምቤት ግብጺ ነበር ጀሃን ሳዳት ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ኣብ ግብጺ ማሕበራዊ ፍትሕን ክብሪ ደቀንስትዮን ንምንጋስ ንዕላማኣ ብዝበለጸ እያ ቀጺላቶ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ከም ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ መጽናዕትታ እተገልግል ኖሃ ባክር፡ "ኣብ ህይወታ ንለወጢ ዝደፍእን ዝቃለስን ወለዶ ክመጽእ ክትቃለስ ጸኒሓ" ክትብል ትገልጻ።

ጽንኩር እማመ

ብ1933 ካብ ግብጻዊ ኣቦን ብሪጣንያዊት ኣደን እተወልደን ጆሃን፡ ብክልቲኡ ባህላዊ ክብርታት ወለዳ ተኾስኵሳ እያ ዓብያ። ምስ ክርስትያን በዓለ ልደት ተኽብር ምስ ኣስላም ከኣ ዓመታዊ ጾም ሮሞዳን ትጸውም። ኣብ ቤታ ብሪጣንያውያን ዘዘውትሩዎ ኮንፍሌክስ ትቖርስ ምግቢ ግብጻውያን እውን ትምገብ።

ገና ተማሃሪት መባእታ እንከላ ወለዳ፡ ነቲ ንዩኒቨሪሲቲ ክትከይድ ዝሕግዛ ዝነበረ ዓውደ ትምህርቲ ንከም ሳይንስን ሕሳብን ገዲፋ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሓዳር ንዝሕግዛ፡ ከም ስፌት ክዳንን ምኽሻን መግብን ዝኣመሰለ ሞያ ንከተጥሪ ይደፍኡዋ ስለዝነበሩ " ስለምንታይ!" ዝብል ንጾታዊ ዘይምዕሩይነት ዝብድህ ሓሳብ ሒዛ ዓብያ።

"ብውሳነ ወለደይ ወትሩ እየ ዝጠዓስ። ደቀይ መጻኢአን ብዝዓጹ፡ ብኸምቲ ኣነ ዝሓለፍኩዎ መገዲ ክኸዳ ኣይክገድፈንን እየ" ክትብል ኣብታ ኣብ ግብጺ ዘሕተመታ ንድሕረ ባይታኣ ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፋ።

ገና ጓል 15 ዓመት እንከላ ዳሕራይ ፕረዚደንት ግብጺ ምስ ዝኾነ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ፡ ኣንዋር ዝስሙ መንእሰይ፡ ኣብ እንዳ ሓወቦኣ ተላልያቶ። ሽዑ ኣንዋር ንህላወ ብሪጣንያ ኣብ ግብጺ ብምቅዋሙ ተኣሲሩሉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

ብፍላይ ኣዲኣ፡ ንጓላ ነቲ ዳርጋ ብዕጽፊ ዕድመኣ ዝዓብያ፡ ተመርዕዩ እተፋትሐ ሰውራዊ መንእሰይ ሓዳር ክትምስርት ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ይኹን እምበር ኣንዋር ሳዳት ንወላዲታ ብዛንታታት ቻርለስ ዲከንስ ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ምስ መሰጣ ንጓላ "ጽቡቕ ባህሪ ኣለዎ። ግርም ገይሩ ክከናኸነኪ እዩ - ኣይከሰልክየክን እዩ" ብምባል ንኽትምርዓዎ ፈቒዳትላ።

ብ1949 ተመርዕዮም፡ ኣርባዕተ ቖልዑ ወሊዶም ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም።

ኣቓልቦ ግብጻውያን ዝሰሓበት ቀዳመይቲ እመቤት

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ሳዳት ነቲ ብብሪጣንያ ዝድገፍ ዝነበረ ንጉስ ግብጺ ኣብ ምዕላው ብጀማል ዓብደልናስር ዝተወስደ ናይ ዕልዋ ተበግሶ ምስተጸምበሮ ፖለቲካዊ ኩነታት ግብጺ ንሓዋሩ ተቐየረ።

ኣንዋር ሳዳት ከኣ፡ ቀልጢፉ ሓያሎ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ሓዘ። ብ1970 ጀማል ናስር ምስ ሞተ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ከኣ ፕረዚደንት ግብጺ ኰይኑ ተመርጸ።

ጆሃን ካብ ኣንስቲ እቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ መራሕቲ መንግስቲ ንላዕሊ ንጡፍ ግደ ክህልዋ ቈሪጻ ተላዕለት። በዓል ቤታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኮነ ኣብ ንቡር ህይወት ምስ በዓል ቤታ ብተደጋጋሚ ትስኣል ነበረት።

ጀሃን ኣብ መወዳእታ 1960ታት ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብ ከባቢ ደልታ ናይል ታላ ኣብ እትበሃል ገጠር ዝነብራ ጽጉማት ደቀንስትዮ ብምሕጋዝ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጀሚራ።

ነተን ካብ ሰብኡተን ሓገዝ ዝጽበያ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ቅዲ ክዳንን ስፌትን ብምስትምሃር ነብሰን ክኢለን ንኽሰርሓ ዕድል ፈጢራትለን።

ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብሮ ዑና ኣደራሽ፡ 25 ሰፈይቲ ክዳን መካይን ብምድላው ልዕሊ ሚእቲ ደቀንስትዮ ሰሪሐን፡ መዓልታዊ ናይ ኣስታት 4,000 ሰራሕተኛታት ዩኒፎርም ዘፍርያሉ ትካል ቀይራቶ።

"ካልእ ብዙሕ ናእሽቱ ፕሮጀክታት ብምብጋስ ንደቀንስትዮ ቊጠባዊ ዓቕሚ ከምዝህልወን ገበረት። ስርሓተን ንምርኢት ብምቕራብ ከኣ ብዙሕ ካብ ምህርተን ንክሸጣ ዕድል ከፈተትለን። ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባዊ ሓይሊ እንተ ረኺበን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝረኽባ እውን ኣስተውዓለት" ትብል ዶር ባክር ።

ጆሃን ሕብረተሰብ ገጠር ታላ ዝመርሖ ሓያሎ ፕሮጀክትታት መዊላ። ስንኩላን ወተሃደራት ኰኑ ሰላማውያን ሰባት ነብሶም ዝኽእልሉን ዝመርሕሉን ናይ ተሃዶሶ መደብ ኣዳልያ። ኣብ ሓያሎ ከተማታት ከኣ ዘኽታማት ቈልዑ ዝእለዩሉን ዝናበይሉን ፕሮጀክት ኣተኣታትያ።

ሕግታት ጆሃን

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ጆሃን ደቂ ኣንስትዮ ግብጺ፡ ንሰብኡተን ክፈትሓን ንውሉዳተን ከኣ ናይ ምእላይ መሰላት ክረኽባን ዝሕግዘን ሕጊ ንኪጸድቕ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣካይዳ።

ንሳ ኣብ መጽሓፋ፡ በዓል ቤታ ፕረዚደንት ሳዳት ነቲ መሰል እቲ ንክቕበሎን ከጽድቖን ንኸተእምኖ ከምዘጸገማ ትገልጽ።

"ደቀንስትዮ ልዕሊ ፍርቂ ኣካል ህዝብና እየን። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ነጻ ኮይነን ክሳብ ዘይተማህራን መሰላተን ዘይተኸብረን ከኣ ግብጺ ደሞክራሲ ኣይክትሃንጽን እያ። ከም መራሒ ናይዛ ሃገር ከኣ ሓላፍነትካ ክትስከምን ግዴታኻ ክትዋጻእን ኣለካ" ብምባል ንበዓል ቤታ ኣንዋር ሳዳት ከምዝበደሃቶ ጽሒፋ።

እቲ ናይ ጆሃን ተበግሶ መሰላት ንደቀንስትዮ፡ ካብ ሓደ ሓደ ዓቃባውያን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ጸገም እኳ እንተጋጠሞ፡ ኣብ ሓጋይ 1979 ፕረዚደንት ሳዳት ነቲ በዓልቲ ቤቱ ዝኣመመቶ ሓሳብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰብኡተን ክፈትሓን ደቀን ክናብያን ከምኡ እውን ኣብ ባይቶ 30% መናብር ንደቀኣንስትዮ ክሕዛእ ዝብል ሕጊ ኣውጽአ።

እቲ ዳሕረዋይ ናይ ደቀንስትዮ ሕዙእ መናብር ከኣ ጸኒሑ ብፖርላማ ምስ ጸደቐ 'ሕግታት ጆሃን " ብዝብል ጸደቐ።

"ጆሃን፡ ብተግባራታን ስርሓታን ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ደቀንስትዮ ዓረብ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንክቕይሮን ንመጻኢ እመቤታት ፕረዚደንት ኣብ ፖለቲካ ዝያዳ ንጡፍ ግደ ንኺህልወን መገዲ ጸሪጉ እዩ" ትብል ንጆሃን ብቐረባ እትፈልጣ ናይ ግብጻውያን ኣንስቲ ዲፕሎማት ኣደ መንበር ዝነበረት መርቫት ኮጆክ ።

ጆሃን ጓል 41 ዓመት ምስ ኰነት፡ ምስቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመዝጊባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ስነ-ጽሑፍ ዓረብኛ ኣጽኒዓ ብዲግሪ ተመሪቓ። ቀጺላ ብተነጻጻሪ ጽሑፋት ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ኣመሪካን ክትምህር ጀሚራ።

ጆሃን ሳዳት ኣብ ጸሊምን ጻዕዳን ቲቪ ናይ ዶክተረይት መጽናዕታ ከተቕርብ እንከላ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኾነ እዋን ትምህርቲ ክቕጽላን ክዕወታን ከምዝኽእላ ናተይ ተበግሶ መርኣያ እዩ ክትብል እንከላ ትዝክር ኖሃ ባክር። ንሱ ከኣ፦

"ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድመይ፡ ቖልዑ ድሕሪ ምውላደይ፡ ናይ ፒኤችዲ ትምህርተይ ንክቕጽል ናብ ዩኒቨርሲቲ ንክምለስ ዝደረኸኒ ተበግሶኣ እዩ። ከምኡ ድማ ገይረ" ትብል።

መበለት ጓል 46 ዓመት

ኣንዋር ሳዳት ድሕሪ ብዙሕ ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ብ1978 ምስ እስራኤል ናይ መጀመርታ ውዕል ሰላም ዝፈረመ መራሒ ሃገራት ዓረብ ኰነ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንሱን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል መናሃይም በጊን ብሓባር ናይ ሰላም ኖቤል ተሸሊሞም።

እቲ ውሳነ ንብዙሓት ግብጻውያን ኣቘጢዕዎም፣ ኣንጻሩ እቲ ስምምዕ ከኣ ተሪር ተቓውሞታት ገይሮም። ኣብ ፈለማ ጆሃን ንባዕላ እውን እቲ ስጉምቲ ሰጋእ ኣቢሉዋ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግን ነቲ ሓሳባት ደጊፋቶን ደፊኣትሉን።

ሓደ እዋን፡ "እቲ ናይ ሰላም ሓሳባቱ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ሃገራት ዓረብ ዘሰምብድ እዩ ነይሩ" ክትብል ንናይ ኣይሁድ መርበብ ሓበሬታ ተዛሪባ ነይራ።

ኣንዋር ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ከኣ በቶም ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነብሩ ደገፍቱ እተዀነነ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ውዕል ድሕሪ ምኽታሙ ክልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ነቲ ግብጺ ብ1973 ምስ እስራኤል እተዋግኣትሉ እዋን ንምዝካር ኣብ ካይሮ ኣብ እተገብረ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ሓደ ጕጅለ ኣኽረርቲ እስላም ተኲሱ ቀቲሉዎ።

ጆሃን፡ ክልቲኦም ነቲ ውዕል ሰላም ምፍራም ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከምዘሎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ብ2015 ምስ ቢ.ቢ.ሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕተት ከኣ ንበዓል ቤታ ናይ ጥይት መከላኸሊ ክዳን ክኽደን ከም ዝነገረቶን ንሱ ግን "ንድሕንነቱ ግዲ ስለዘይገበረሉ" ከምዝኣበያ ሓቢራ።

ጆሃን ሰብኣያ ክቕተል ከሎ ጓል 46 ዓመት እያ ነይራ። ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ግዜኣ ኣብ ዓለም ምእንቲ ሰላም ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ ምዃኑ ቀጻሊ ኣስተምህሮ ብምሃብ ንሓድጊ በዓል ቤታ ትቕጽሎ ነይራ።

"ሰላም። እዛ ቃል እዚኣ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር ህይወተይ እያ። ቅድሚ ሙማታ 12 ዓመት ይገብር፡ ወትሩ ሰላም ክረክብ ተስፋ እገብርን እጽልን እየ "ክትብል ጽሒፋ። ጆሃን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መበል 88 ዓመታ ብሕማም ዓሪፋ።