ትግራይ፡ መረጻን ኲናትን- ቀንዲ ፍጻመታት ዝሓለፈ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍጻመታት ዘተኣነገደ ዓመተ 2013 ዓ.ም ኣፋንያ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ተቐቢላ ኣላ።
ኣብ ትግራይ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ዓበይቲ ፍጻመታት ንገሊኦም ከም ዝስዕብ ቐሪቦም ኣለው።
ወራር ዕስለ ኣምበጣን ዘብጸሖ ሃሰያን
ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣተወ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ማእኸላይ ክፋል ትግራይን ብምእታው ሃስያ ኣውሪዱ።
ብፍላይ ኣብ ገለ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ይዝረብ።
ንዓመት መመላእታ ክሓርሱን ከለሳልሱን ጸኒሖም ምህርቲ ክሓፍሱ ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ ሓረስቶት፡ ነቲ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ክገታገቱ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ በረኻ ሰፊሮም።
ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ'ውን ዓቕሞም ዘፍቀዶ ንምሕጋዝ ምስ ኣንበጣ ክጓየዩን ኣብ በረኻታት ክሓድሩን ተራእዮም።
ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ'ውን ገንዘብ ብምትእኽኻብ ነቲ ሰናይ ዘመን ርእዩ ተስፍኡ ዝተመንዝዐ ህዝቢ ንምሕጋዝ ጽዒሮም።
ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ምክልኻል ኣምበጣ ዕንቅፋት ፈጢሩ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, BBC
ኣዘራራቢ መረጻ ትግራይ
እቲ በብሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንኽካየድ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ።
እንተኾነ ሕጂ'ውን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ ኣሎ ምስ ተባህለ፡ ኣፈላላያት ፈጢሩ።
ገለ ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ውሳነ ኣይተቐበልዎን።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ፡ ትግራይ ናይ ርእሳ ክልላዊ መረጻ ክተካይድ ምዃና ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ክልላዊ መረጻ ከሳልጥ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፡ ክልል ትግራይ ናይ ርእሳ ኮሚሽን መረጻ ብምቛም ልዕሊ 2.7 ሚልዮን መረጽቲ መዝጊባ።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ማእከላይ መንግስቲ ዘይተሰማመዐሉ፡ መረጻ ድማ 04 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ተኻይዱ።
ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 4 ውልቀ ተናሓናሕትን ኣብ'ቲ መረጻ ተሳቲፎም።
ኣብ'ቲ መረጻ፡ ውድባት ህወሓት፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናፅነት ትግራይን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን ተሳቲፎም።
ከምቲ ልሙድ፡ ፖለቲካ ትግራይ ንኣስታት 30 ዓመታት ንብሕቱ ዝዓብለሎ ህወሓት ኣብቲ መረጻ 98 ሚኢታዊት ተዓዊቱ። እቲ መረጻ ሰፊሕ ሽፋን ዓለምለኻዊ ሚድያታት ዝረኸበ'ኳ እንተነብረ፡ ውጽኢቱ ግን ፖለቲካዊ ባህሪ ህወሓት ከም ዘይተቐየረ ዘመላኽት ነይሩ ተባሂሉ ተነቒፉ።
ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ 29 ነሓሰ 2013 ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ መረጻ ትግራይ፡ "እንተተኻየደ'ውን ከም ዘይተገበረ ዝቑጸር፣ ዘይጸንዕን፣ ተፈጻምነት ዘይብሉን እዩ" ክብል ወሲኑ።
መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ፡ 5 ጥቅምቲ 2020 ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ "ዝኾነ ዓይነት ርክብ" ከይህልዎ ከም ዝወሰነ ብዕሊ ኣፍሊጡ።
ቅድም ኢሉ ድማ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌዴራል መንግስቲ "ብ 25 መስከረም፡ ዘበን ስልጣኑ ዘብቀዐ ስለ ዝኾነ፡ ዘይሕጋዊ መንግስቲ እዩ" ክብል ኣዊጁ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ እዩ" እናበሉ ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ጸኒሖም።

25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ፡ ምውላዕ ኲናት ትግራይ
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝነበረ ፍሕፍሕ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ክልቲኦም ናብ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ከይኣትዉ ተሰጊኡ ነይሩ።
ብ03 ሕዳር 2020 ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ቅሉዕ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ብምባል፡ 'ሕጊ ከነኽብር ኢና' ኢሉ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣዊጁ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ'ውን ተኣዊጁ። ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣገልግሎት ስልኪ፣ ኢንተርነት፣ ኢመይል፡ ባንክን ድማ ተቛሪጾም።
28 ሕዳር 2020 ከተማ መቐለ ብሓይልታት ፈደራል ተታሒዛ። ነቲ ክልል ዘመሓድር ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ተሸይሙ።
በዚ መሰረት ትግራይ ንሸውዓተ ኣዋርሕ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክትመሓደር ጀሚራ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ጎንጺ ተሳቲፎም ብምባል ናብ ኣስመራ ደብዳብ ሚሳይል ኣካይዶም።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ኣይተቐበሎን ጸኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ ወፍሪ፡ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ'ኳ እንተኣወጀ፡ እቲ ሰሙናት ጥራይ ከም ዝወስድ ዝተነገረሉ 'ስርሒት ሕጊ ምኽባር' ንኣዋርሕ ቀጺሉ።
23 መጋቢት 2021 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ንፈለማ እዋን ኣሚኑ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ መስረቲን ነበራት መራሕትን ህወሓት ዝኾኑን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝነበሩን ቀቲሉን ኣሲሩን ምህላዉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከቢድ ወግእ ከም ዝቐጸለ ጸብጻባት ይሕብሩ ነይሮም።
ሓይልታት ትግራይ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣማስዩ ሃንደበት ንርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ተቖጻጺሮምዋ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ካብታ ከተማ ይኹን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከም ዘንሰሓበ ክገልጽ እንከሎ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት መሊሶም ሙሉእ ንሙሉእ ተቋሪጾም ይርከቡ።
እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓዂ ኾይኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ኣምሓራን ዛጊድ ነቲ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለሉ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሮም ይርከቡ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ምዕራብ ትግራይ ነጻ ከይወጽአን እቲ ኩለንተናዊ ዕግታ ከይተኸፍተን ኲናት ደው ከምዘይብሉ እዮም ዝገልጹ።
ሰፊሕ ዘመተን ጾታዊ ዓመጽን
እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ምህላዉ ሰብመዚ መንግስትን ትካላት ረዲኤትን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ክፈናቕል እንከሎ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።
ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ድማ፡ ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ'ቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ምናልባሽ ገበናት ኲናት ክኾኑ ዝኽእሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ክገልጹ ጸኒሖም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ልዕሊ ትካላት ዝበጽሐ ዕንወት
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከም ዝዓነዉን ንብረቶም ከም ዝተዘምተን ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣባላት ኤም-ኤስ-ኤፍ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናብ ልዕሊ 106 ማእከላት ሕክምና ከም ዝበጽሑን፡ 13% ሚእታዊት ካብኦም ጥራይ ተኸፊቶም ንቡር ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎምን ኣረጋጊጾም።
ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ገለ ማእከላት ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከም ዘየለ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ ነይሩ።
ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን መኩሪያ ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ።
ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንየን ከም ዘለዋ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ማእሰርቲ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ16 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ተጋሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ክበል ክሲሱ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣሲሩ ኣሎ ብምባል፡ እቲ ማእሰርቲ "መንነት መሰረት ዝገበረ" ከም ዝመስል'ውን ገሊጹ።
እዚ ማእሰርቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራቦም ግዳያትን ኣባላት ስድራን ክገልጹ እንከለው፡ ገሊኦም ብዋሕስ ክፍትሑ እንከለው ብዙሓት ግን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቐርቡን ድሃዮም ንምርካብ ከም ዝተጸገሙን ይዛረቡ።
መንግስቲ ዋላ ሓደ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከም ዘይተፈጸመ ብምግላጽ፡ "ደገፍቲ ህወሓት፡ ልኡኽ ተቐቢሎም ዝተንቀሳቐሱ'ዮም ስጉምቲ ተወሲዱዎም" ብምባል ነቶም ጸብጻባትን ክስታትን ይነጽጎም።
ስግኣታት ዓጸቦን ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላውን
ብ3 መስከረም 2021 ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ትግራይ ረድኤት ይበጽሕ ብዘይምህላዉ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ውድብ ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ብመንግስቲ ፌዴራል ዕግታ ተፈጺሙ ኢሉ። ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ረድኤት ከይበጽሕ ዕግታ ተፈጺሙ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግዝያዊ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ ዝኾነ ግራንት ሊይቲ "ህይወት ሚልዮናት ሰባት . . . ብዝህልወና ናይ መግቢ ቐረባት፣ መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ሓገዛትን ዝውሰን'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 5.2 ሚልየን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ይገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብቲ ሕሉፍ ብዝሓሸ ረድኤት ምብጻሕ ዝክኣል'ኳ እንተኾነ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብቲ ክልል ኣብ ምእታው ግን ጸገም ኣሎ ክብል እቲ ኣተሓባባሪ ተዛሪቡ።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለወን ይብሉ።
ክሳብ 22 ነሓሰ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋላ ሓንቲ መኪና ዝኣተወት ኣይነበረትን።
አብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 100 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ መቐለ ምእታወን ውድብ ምግቢ ዓለም እንተተሓበረ'ኳ፡ መራሕቲ ትግራይ ዛጊድ 150 ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከቡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ዝሓዙዎ ቐረብ ከም ዝተወድአ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







