ትግራይ: ኣብ ድሮ'ቲ ኣዘራራቢ መረፃ እንታይ ትመስል?

ባነር መረጻ ዝዝርግሑ ሰባት

ትግራይ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፍለጥ፡ ናይ ርእሳ ኮሚሽን መረጻ ብምቛም ንፈለማ እዋን መረጻ ክተካይድ፡ ምሽብሻባ ወዲኣ ንጽባሕ 4 ጳጉሜን ተዳልያ'ላ።

ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ኮይንና ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዘዘራረብናዮም መረጽቲ ነቲ ዘሎ ኩነታትን ብውልቆም ዝገበርዎ ምድላውን ሓቢሮምና።

Short presentational grey line

መቐለ

ሚዛን - [ኣብ ናይ ውልቀ ትካል ተቖጺራ እትሰርሕ]

ኣነ ኣብታ ምሃብ ዝተጀመረትላ መዓልቲ እየ ካርዲ መረጻ ወሲደ። ሽዑ ክወስድ ከለኹ ሓበን ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ ናብዚ ንኽንበጽሕ ብዙሕ መስዋእቲ ከም ዝተኸፈለ እፈልጥ እየ።

ሰላም ንኽረጋገጽን ዴሞክራሲያዊ መሰልና ንኽሕሎ ብዙሓት ህይወቶም ዝኽፈሉሉ ስለዝኾነ ናብዚ ብምብቀዐይ ፍሉይ ስምዒት'ዩ ተሰሚዑኒ።

ጽባሕ ድምጺ ንምሃብ ተዳልየ ኣለኹ። ምስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክገብሮ ዝግበኣኒ ጥንቃቐ ክገብር እየ።

ንመረጻ ክኸይድ ከለኹ ማስክ [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ክጥቀም፣ ናይ ባዕለይ ስክብሪቶ [ቢሮ] ክሕዝ፣ ሳኒታይዘር ብምሓዝ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል'ውን ብወገነይ ድልውቲ ኮይነለኹ።

ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 [ኣ.ኢ] ድምጺ ምሃብ ከምዝጅመር'ዩ ሓበሬታ ዘለኒ፤ ስለዚ ብንጉሁኡ ከይደ ከድምጽ'የ።

ናብ ከተማ ውጽእ ኢለ ነይረ። ኣብ መቐለ ሰላማዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ'ዩ ዘሎ። ኩሉ ሰብ ነቲ መረጻ ከም ዝተዳለወ ክዕዘብ ኪኢለ ኣለኹ።

ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ ጣብያ መረጻ ስለ ዘሎ ነበርቲ ብፍላይ መናእሰይ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር እናሰርሑ'የ ተዓዚበ። ክሳብ ሕዚ ድማ ሰላማዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ እዩ ዘሎ።

መረጽቲ ንኮሮናቫይረስ ብዘየሳጥሕ መገዲ ኣብቲ መረጻ ክሳተፉን ድማ መልእኽተይ ከሕልፍ እፈቱ።

ራስኒ ሰብነታ እትዕቀን ውልቀሰብ

ማይጨው

ኣብርሃም ገብረ - [መምህር - ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ]

ካርዲ መረጻ ከውጽእ ከለኹ ኣንጊሀ ስለዝኸድኩ ኣብ መዝገብ ቁጽሪ ሓደ መበል 67 ኮይነ እየ ተመዝጊበ።

ብርግጽ ቁጽሪ ሓደ እየ ክምዝገብ ሓሲበ ነይረ፤ ግን ብሓፈሻ እቲ ህዝቢ ዝለዓለ ድልየት ስለዝነበሮ 66 ሰብ ቀዲሙኒ ማለት'ዩ።

ካርዲ መረጻ ካብ ምውጻእ ጀሚረ ኣብ ሞንጎ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ክግበር ዝጸንሐ ክትዕ ክሳብ ምክትታል ነቲ መረጻ ክዳሎ'የ ጸኒሔ።

ስለዚ ነየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ክመርጽ ከምዘለኒ ወሲነ ንጽባሕ ተዳሊወ ኣለኹ።

ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ ናቑጣ መረጻ ኣሎ። ኩሉ መንእሰይ "ናተይ" ዝብል ስምዒት ሓዲርዎ ወኪላት ተወዳደርቲ ውድባትን ድምጺ ዝወሃበሉን ዳሳት ኣብ ምስራሕ ነጢፉ'ሎ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ድማ እኹል ምድላው ተገይሩ'ሎ። መረጽቲ ዝስለፉሉ ቦታታት፣ መእተውን መውጽእን ኩሉ ተዳልዩ'ሎ።

ምቅርራብ ከይህሉ ከምዝተሰርሐ ተዓዚበለኹ። ኣብ ጉዳይ ጥዕና፣ ንኣረጋውያንን ጉድኣት ኣካልን ቀዳምነት ምሃብ፣ ከመይ ምምራጽ ከምዝከኣልን ካልእን መልእኽትታት ዘሕልፉ ፖስተራት'ውን ተጠቂዖም ኣለዉ።

መንእሰይ'ውን ጸጥታ ጽከባቢኡ እናሓለወ እዩ። ዓበይቲ ወለድን ደቂኣንስትዮን ከይተረፋ ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ክህሉ ንዝኽእል ሓድሽ ነገር ብንቕሓት እናሓለዋ እየን።

ኣብዚ ድሮ መረጻ ኮይነ ከኣ ፍሉይ ስምዒት እናተሰምዓኒ እዩ። ንጽባሕ ብሃንቀውታ እጽበያ እየ ዘለኹ።

ለይቲ ሰዓት 9፡00 ወይ 10፡00 [ኣ.ኢ] ክኸይድ ሓሲበለኹ። ታሪኻዊት መረጻ ስለዝኾነት ብመራፋይነት ብምስታፈይ ልዑል ታሕጓስ ፈጢሩለይ ኣሎ።

ሓደ ካብ ናቑጣታት መረጻ

ኣኽሱም

መኣርግ ጌታቸው - [መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም]

ነታ መዓልቲ መረጻ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ ዘለኹ። ትግራይ ንኸምዚ ዝበለ ዕድል መረጻ ጀማሪት ምዃና ብጣዕሚ'ዩ ዘሕጉሰካ። ኩሉ ድማ ንጽባሕ ብሃንቀውታ'ዩ ዝጽበያ ዘሎ።

ከተማ ኣኽሱም ካብቲ ናይ መምረጺ ቦታታት ጀሚርካ ማዕሪጋላ። ኩሉ ከባብታት ከተማና ብባንዴራታት ትግራይ ወቂቡ'ሎ።

ዳሳት ተሰሪሖም፤ ህዝቢ'ውን ምስ ኣካላት መንግስቲ እናተሓባበረ ናይ ጽባሕ መረጻ ውጽኢታዊ፣ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ንምግባር እናሰርሐ'ዩ። ኩሉ ሓላፍነቱ ይፍጽም'ዩ ዘሎ።

ንጉሆ ካብ ሰዓት 12፡00 [ኣ.ኢ] ስለዝጅምር ብንጉሁ ተላዒለ ምስ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ክገብሮ ዝግበኣኒ ጥንቃቐ ተዳልየለኹ።

ኩሉ ሰብ ስክብሪቶ [ቢሮ]፣ ማስክን ሳኒታይዘርን ሒዙ ንኽመጽእ ስለዝተሓበረ መንግስቲ'ውን ዘዳለዎ [መከላኸሊ መገዲታት] ስለዘሎ ንነብስና ብምሕላውን ብምርሕሓቕን ኣብቲ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ መሰለይ ክጥቀም'የ።

ካርዲ መረጻ ከም ወረቐት ዘይኮነትስ ከም ናጽነት ወይ ዴሞክራሲያዊ መሰለይ ዘረጋግጸላን ዓብዪ ትርጉም ዝሓዘትን'ያ።

ነታ ካርዲ ክሕዝ ከለኹ ዝተሰምዕኒ ስምዒት ብቐሊሉ ክገልጾ ኣይክእልን። እታ ካርዲ ምሓዝ ጥራይ ዓብዪ ስነልቦናዊ ዕግበት'ዩ ዝህበካ።

ኣብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ እየ ኣቐሚጠያ። ከይትጠፍኣኒ እናተጨነቕኩ በብሽዑ እየ ዝሪኣ።

ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ከይተረፈ 'እዛ ካርደይስ ኣላ'ዶ?' ኢለ ምህላዋ ኣረጋጊጸ እየ። ምኽንያቱ እዚ መረጻ ታሪኻዊ ከም ምዃኑ መጠን ከምልጠኒ የብሉን።