ባይቶ ትግራይ ናብ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ተወከልቲ ከይልእኽ ወሲኑ

ባይቶ ትግራይ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ

ምንጪ ስእሊ, TPLF Official

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ንጽባሕ ህጹጽ ኣኼባ ከምዘካይድ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ኣጀንዳ መረጻ ትግራይ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ኣሎ።

ባይቶ ትግራይ ኣብ ውሳንኡ “ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንጽባሕ 30 ነሓሰ 2012 ኣ.ኢ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ንሕግን ኣሰራርሓን ዘይተኸተለ’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣጀንዳ ጉባኤ ከምዘይተሓበሮም ዘዘኻኸረ እቲ ውሳነ “ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ዘይዘተየሉን ዘይሕገመንግስታዊ ኣሰራርሓን ተንኮል ሓዘል ኣካይዳን” ክብል ገሊጽዎ።

ካቢኔ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ “ትግራይ ኣብ 4 ጳጉሜን እተካይዶ ታሪኻዊ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍን ንምትእጉጓልን ዝተጸውዐ ኣኼባ” ክብል ትማሊ ንዘሕለፎ ውሳነ ባይቶ ትግራይ ኣጽዲቕዎ’ሎ።

ባይቶ ትግራይ ዛዕባታት ናይቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ንኽሕበረሉ ብደብዳበ ንዘቕረቦ ሕቶ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ስለዘይተወሃቦ: ተወከልቲ ትግራይ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ኣኼባ ከይሳተፉ ብምሉእ ድምጺ ከምዝወሰነ ተፈሊጡ።

ባይቶ ትግራይ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ

ምንጪ ስእሊ, TPLF Official

ካብ ባይቶ ትግራይ ናብቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተጽሓፈ ደብዳበ ከምዝሕብሮ፡ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ናይቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዝኾኑ፡ ኣጀንዳ'ቲ ህጹጽ ኣኼባ ቀዲሙ ክንገሮም ሓቲቶም፤ እዚ ኣብዘይኮነሉ ግና ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይርከቡ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ምስ መረጻ ትግራይ ተኣሳሲሩ እናተጋደደ መጺኡ ኣሎ።