'ፋውንዴሽን ጀርመን ኣፍሪቃ'፡ ንኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ሸሊሙ

ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር)

ምንጪ ስእሊ, German Africa Foundation

ንፖሊሲ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ኣፍሪቃ ዝከታተል ዘይሻራዊ ትካል 'ፋውንዴሽን ጀርመን ኣፍሪቃ' (ዲኤኤስ)፡ ንኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ሸሊሙ።

እቲ ፋውንዴሽን፡ ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ፡ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር ንዘበርከቶ ናይ ህይወት ዘበን ግደ፡ እቲ ዝለዓለ ሽልማት ክህቦ ከምዝወሰነ፡ ሎሚመዓልቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ካብ ሞንጎ 30 ሕፁያት ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፀ እንትኾን፡ ነቲ ሽልማት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ከምዝቕበል ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተሾመ ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር)፡ እቲ ኮምሽን ናፃ ክኾን ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ፡ እቲ ፋውንዴሽን ካብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

እቲ ሽልማት፡ "ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ክልወጥን ዘይሻራውነቱ ክረጋገፅን፣ ከምኡ'ውን ስልጣንን ሓላፍነቱን ንክሰፍሕ ንዝተፃወቶ ወሳኒ ግደ ኣፍልጦ ዝህብ" ምዃኑ ተገሊፁ።

ንልዕሊ 25 ዓመታት በብዓመቱ ክካየድ ዝፀንሐ እዚ ሽልማት፡ ብሞየኦም ልዑል ኣመራርሓ ንዘርኣዩን፡ ንዕብየትን ምምሕያሽን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩን ኣፍሪቃውያን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ ንሶማልያዊት ካናዳዊት ተሓላቒት ኢልዋድ ኤልማን ሸሊሙ'ዩ።

ፕረዝደንት ማሊ ነበር ኣልፋ ኦማር ኮናሬ፣ ጋናዊ በዓል ሞያ ሕግን ላዕለዋይ ዲፕሎማትን ሞሓመድ ኢብን ቻምባስ፡ ከምኡ'ውን ኬንያዊ ተሓላቒ ፀረ ብልሽውና ጆን ጊቶንጎን፡ ቅድሚ ሕዚ በዚ ፋውንዴሽን ካብ ሞንጎ ዝተሸለሙ ኣፍሪቃውያን'ዮም።

ምክትል ዋና ኮምሽነር ራኬብ መሰለ ምሽላም እቲ ኮምሽነር ኣመልኪታ፡ "ዶክተር ዳንኤል 'ክትርእይዎ ትደልዩ ለውጢ ኮይንኩም ተረኸቡ' ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ብሂል መርኣያ ምዃኑ፡ ኩላትና ሰራሕተኛታት እዚ ትካል ንምስክሮ ኢና" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ናይ ዳንኤል ማዕፆ ንዕኡ ንዝደሊ ዝኾነ ሰብ ተዓፅዩ ኣይፈልጥን፤ ካብ መሳርሕቱ ብኽልተ ዕፅፊ ዝተግህን፡ ናይ ሰባት ዓቕሚ ዝርዳእን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ሰብ'ዩ። ኮሚሽነርና ንዝረኸቦ ኣፍልጦ ሙሉእ ድጋፍና እንትንልግስ ብልዑል ኩርዓት'ዩ" ኢላ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ጠበቓን ዳንኤል በቀለ፡ ኣብ ሂውማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ'ዩ።

ካብ 2011 ክሳብ 2016 ኣቖፃፅራ ኣውሮጳውያን ናይቲ ትካል ጉዳያት ኣፍሪቃ ዋና ዳይሬክተር ከምኡ'ውን ` ኣብ ኦክስፋም፣ ባንኪ ዓለምን ዩኤስኤይድን ኣማኻሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

ኣብ ብዙሓት ሲቪል ማሕበራት ዝሰርሐ ዳንኤል (ዶ/ር)፡ መረፃ 1997 ዓ.ም ናፃ ክኾንን ሰብኣዊ መሰላት ከይጠሓስን ዘይሕለል ፃዕሪ ከምዝገበረ ይግለፅ።

ድሕሪ እቲ መረፃ ንዝተፈጠረ ቅልውላው ንምህዳእ ዝፈተነ እንትኾን፡ በዚ ድማ ተኣሲሩ ነይሩ።

ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሽልማት 'ኣሊሰን ደስ ፎርጅስ ኣዋርድ ፎር ኤክስትራኦርዲነሪ ኣክቲቪዝም' ረኺቡ።

ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር)፡ብትምህርቲ ሕጊ ፈላማይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ፣ ካልኣይ ዲግሪ ብ 'ሪጅናል ዲቨሎፕመንት ስተዲስ' ከምኡ'ውን ብ 'ሌጋል ስተዲስ' ካልኣይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፣ ብዓለምለኸ ሕጊ ድማ ዶክትሬት ዲግሪ ረኺቡ'ዩ።