ኒኪ ሚናጅን በዓል ቤታን ብግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኒኪ ሚኒናጅን በዓል ቤታ ኬኔት ፔቲን ቅድሚ 27 ዓመት ክዕምጻ ብዝፈተነ ጓል ኣንስተይቲ ተኸሲሶም።
እዛ ጓል 43 ዓመት፡ እቶም መጻምዲ ነቲ ክሲ ጠጠው ከተብሎ ጸቕጥታት ከብጽሑላ ከም ዝጸንሑ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺቡ።
ፔቲን፡ ኣብቲ ግዜ ትሕቲ ዕድመ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ ክትዕምጻ ፈቲንካ ተባሂሉ [ብ1994 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ገበነኛ ኮይኑ ከኣ ስለዝተረኽበ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሩ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ጾታዊ ዓመጽ ብምብጻሕ ብዘይምምዝጋቡ ተኣሲሩ።
እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ተኸፊቱ ዘሎ መዝገብ ክሲ፡ እታ ግዳይ እቲ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ንክትገድፎ ኒኪ ሚናጅ ብሞንጎኛ ሰብ ኣቢላ 500 ሽሕ ዶላር ገንዘብ ከም ዘቕረበትላ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ፒቲ ብ2020 ምስ ተኣሰረ እቲ ሞንጎኛ ሰብ ቑጽሪ ቴሌፎን እታ ኸሳሲት ንሚናጅ ሂቡዋ።
ኣብዚ ግዜ "ክትሕግዞም" እንተኽኢላ ንሳን ስድርኣን ናብ ሎስ ኣንጅለስ ከግዕዙዎም ከም ዝኽእሉ ተዛሪባታ።
እንተኾነ እታ ከሳሲት ነዚ ኹሉ ነጺጋቶ ይብል እቲ መዝገብ ክሲ።
"ክልቲኤና ከም ደቂ ኣንስትዮ እዚ ጉዳይ ከም ዘጋጠመ ክትፈልጢ'የ ዝደሊ" ከም ዝበለታ ድማ ይሕብር።
እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝቐረበላ ገንዘብን ካልእን ምስ ነጸገት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ንሳን ስድርኣን "ብዝርብሹዋ ጻውዒታት ስልክን ዘይትደልዮም ናይ ገዛ ምብጽሕ መጥቃዕቲ በጺሑና" ትብል።
እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብዞም ፍሉጣት ሰባትን ፈተውቶምን ብዝበጽሓ ጸቕጢ ብዝተኣሳሰር "ብምኽንያት ከቢድ ጭንቀት፣ ቐጻሊ ትንኮያን ምፍርራሕን ከምኡ'ውን ምብህራር" ካብ ወርሒ ግንቦት 2020 ስርሓ ክትሰርሕ ከም ዘይኽኣለት ትገልጽ።
እቲ መዝገብ ክሲ መጠን ካሕሳ እኳ ግልጺ እንተዘይገበረ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ግን ሕነ ምፍዳይ ሰጊኣ ተሓቢኣ ከም ዘላ ሓቢራ።
እቶም መጻምዲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።
ራፐር ሚናጅን በዓል ቤታ ፔቲን ኣብ 2018 ከምዝተራኸቡን ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ሓዳር ከም ዝመስረቱ ይፍለጥ።
ሕጂ ናይ 11 ወርሒ ቖልዓ ኣለዎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







