እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ህወሓት ኣይዘራረብን ኢሉ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ህወሓት ከምዘይዘራረብ፡ ሚኒስተር ህንጸት ዲሞክራሲ፡ ኣቶ ዛዲግ ኣብራሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ታሽዓይ ወርሑ ዝሓዘ ኲናት ከካይድ ዝጸንሐ መንግስቲ ፌዴራል፡ ምስቲ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጻሩ ዘሎን ኣንጻር መንግስቲ ፌዴራል ዝቖመን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ክዘራረብ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ።
ምስ ቢቢሲ ቃለ መሓትት ዝገበረ ካብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ‘ሕጋዊ መንግስቲ ምዃኑ’ ዝገልጽ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት፡ ዘቕረቦም ቅድመ ኩነታት ተቐባልነት ክሳብ ዝረኽቡ፡ ሓይልታቱ ጸቕጢ ንምፍጣር ኲናት ከምዝቕጽሉ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዝሃበ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ግና፡ መንግስቲ ንልዝብ ምስ ህወሓት ከምዘይቕመጥ ቅዋም መንግስቲ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ቅድም ክብል፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ መንግስቲ ምስ ገለ ክፋል ህወሓት ንምዝርርራብ ቅሩብ ምዃኑ ንዲፕሎማሰኛታት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ፡ ኣብዚ እዋን፡ መንግስቲ ኣብቲ ቅድም ክብል ዝኣወጆ ተኹሲ- ምቁራጽ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ “እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝርአ ዘሎ ንባዕልኻ ኣጋኒንካ ካብ ምርኣይ ዝመንጨወ እዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እንተኾነ መንግስቲ ዓቕሉ ምስ ወደኣ፡ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ብምእንፋት፡ “ዓቕምና ክትፈልጡ እንተደኣ ደሊኹም ሒደት ሰሙናት ተጸበዩ፤ ዓቕልና ምስ ተወደአ ካብ ሕድሕድ ከተማ ኮነ መንደር ክነባርሮም ኢና፤ ኲናት እንተኾይኑ ድሌቶም. . ክነርእዮም ኢና” ክብል ተሓንዩ።
መንግስቲ ምስዝኾነ ኣካል ከፍ ኢሉ ብምዝርራብ ጸገማት ክፈትሕ ድልው ምዃኑ፡ እንተኾነ “ህወሓት ግብረ-ራዕዳዊ ውድብ ብምዃኑ” ምስኡ ከምዘይዘራረብን፡ ምስ ካልኦት ውድባት ትግራይ ብምዝርራብ ፍታሕ ከናዲ ከምዝጽዕርን ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ጸገሙ ምስ ውሑዳት መራሕቲ ህወሓት ጥራይ እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነን፡ ረድኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ከምዘይከልከለን ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
“መንግስቲ ናብ’ቲ ክልል ረድኤት ከይኣቱ ፈጺሙ ኣይከልከለን። እኳ ደኣስ፡ መንግስቲ ልዕሊ ዝኾነ ለገስቲ ትካላት ኣብዝሓ ድጋፍ እናገበረ እዩ ዝርከብ” ኢሉ።
ጀነራል ጻድቃን ኮነ ህወሓት ረድኤት ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ተኸልኪሉ ኢሎም ኢዮም ዝዛረቡ፡ ትኹረት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ሚድያን ንምስሓብ እዩ ኢሉ።
“መንግስቲ ካብ ትግራይ ለቒቑ ወጺኡ እዩ፤ ስለዚ ንህዝቢ ረድኤት ክቐርብ ይኽእል እዩ፤ ህወሓት ዘቕርቦ ዘሎ ምዕጻው መገድታት ርድኤት፤ ኣብ መሬት ዘየለ ነገር እዩ” ኢሉ።
ህወሓት ከም ቅድመ ኩነታት እቲ ልዝብ ካብ ዘቕረቦም ረቛሒታት ካልእ፡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ዝጠልብ ኮይኑ፡ ኣቶ ዛዲግ ቅድሚ ሒደት ዓመታት እሱራት ፖለቲካ ከይፍትሑ ዝሓትት ዝነበረ ህወሓት ዶ ኣይኮነን ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ሓዊሱ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ብሓይሎም ከምዝተቖጻጸሩ እንትገልጹ፡ መንግስቲ ፌዴራል፡ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም [ከም ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብምኽንያት ‘ሰብኣዊነትን ወቕቲ ሕርሻን’ በይናዊ ተኩሲ-ምቁራጽ ብምእዋጅ ወተሃደራቱ ካብቲ ክልል ከምዘውጸአ ይገልጽ።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ብምኽፋት፡ መጥቃዕቲታት ከምዘብጸሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ናብ ልዝብ ንክመጽእ ጸቕጢ ንምፍጣርን ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩለመደያዊ ዕገታ ንምኽፋትን ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝመሓደር ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ወሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ መንበረ ስልጣን እቲ ክልል ብሓይሊ ዝተኣለየ ህወሓት፡ ድሕሪ ኣብ ወርሒ ሰነ ከቢድ ውግእ ምክያዱ፡ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጺሩ እናመሓደረ ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሸሓት ሓደጋ ዓጸቦ ስዒቡ ከምዘሎን ህጻናት ብሰንኪ ጉድለት መግቢ ኣብ ድርኩኺት ሞት ከምዝርከቡን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይግለጹ።
መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባሉ እንተኣወጀ’ኳ፡ ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ተዓጽዮም ይርከብ።