እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላሊበላ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብያተ ክርስቲያን ላሊለባ ክዕቕቡ ኣተሓሳሲባ
ኣመሪካ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ንኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ ከኽብሩ ኣተሓሳሲባ። እዚ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ዝሰፈረ ሓድጊ ዝርከበሉ ከተማ ላሊበላ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ሓይልታት ከም ዝኣተወት ይፍለጥ።
ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ "ገነተ ማርያም ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ከባቢ ናብታ ከተማ ኣትዮም" ክብል ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ማንደፍሮ ታደሰ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሓይልታት ፌደራልን ክልልን ብምትሕብባር ናብታ ከተማ ክኣትውን ነቲ ሓድጊ ክሕልውን ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ "ሓይልታት ትግራይን ንላሊበላ ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰሚዕና፤ ህወሓት ድማ ነቶም ታሪኻዊ ሓድግታት ክዕቕቡ ንጽውዕ" ኢሉ።
ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት እቲ ግጭት ጠጠው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምብጻዕ መገዲታት ክኽፈትን መንግስቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ'ዩ።
ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር [2020] ጀሚሩ ዝቐጸለ እዚ ኲናት ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ከመዛብል እንከሎ ብዙሓት ታሪኻዊ ሓድግታት ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ።
ካብ ከተማ ውቕሮ ቁሩብ ኪሎ ሜትራት ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣል ነጃሺ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ በዓል መዚ ሓድግን መጽናዕትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዓቐን እቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ መስጊድ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ብወግዒ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ዝፈጸሙዎ'ዩ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ።
እንተኾነ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ብናጻ ኣካል ኣይተጻረየን።
መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብምውጻእ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ ግን እዚ ንምቕባል ኣቐዲሙ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ይውጽኡ፣ ዝተቋረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይመለሱ ዝብሉ ነጥብታት ዝርከቡዎም ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም'ዮም።
እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ልሒኹ ብምህላዩ ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ ሳማናታ ፓወር ኣብዚ ሰሙን ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ሒዞምዎ ዘለው ቦታታት ክወጽኡን ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ጸዊዓ'ያ።
መንግስቲ ኣመሪካ እንታይ ኢሉ?
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ንማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ህጻናት ንውትህድርና የሰልፍ ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ምውጽኦም ከም ዘሻቐሎ ተዛሪቡ።
ብኻልእ ወገን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ብሃበ ተረኽበ ይኣስሩን የንገላትዑን ምህላዎም ንኣመሪካ ከም ዘስግኣ ሓቢሩ።
"መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ቕቡልነት የብሉን" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ማእሰርትን ምንክልባትን ሓያል ስግኣት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ቅድም ኢሎም ኣብ ዘውጽኡዎም መግለጺታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተጋሩ ይእሰሩ ኣለው ኢሎም ነይሮም።
ፖሊስ ግን ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት መንነቱ ኣይተኣሰረን ኢሉ ነጺጉዎ።