እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትግራይ ንምውጻእ ትልሚ ተዳልዩ’- ሕቡራት ሃገራት
ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ማይ ጸብሪ ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቓሊ ከምዘሎ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ነቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ሰላም ናብ ዘለዎም ከባቢታት ንምዝውዋር ናይ ህጹጽ እዋን ትልሚ ተዳልዩ ከም ዘሎ ድማ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ማይ ጸብሪ፡ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ዝህነጽ ዘሎ መዓስከር ክግዕዙ ምዃኖም እቲ ትካል ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 91 ሄክታር መሬት ዝህነጽ መዕቆቢ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከም ዝህልዎ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።
ዛጊት 98 ስደተኛታት ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣቲዮም ከምዘለውን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይቐርበሎም ከም ዘሎ ወሃቢ ቃል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ነቨን ከርቨንኮቪክ ሓቢሩ፡፡
ኤጀንሲ ስደተኛታን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ምስ ውሑዳት ሓገዝቲ ብምዃን ህንጸት እቲ መዓስከር ስደተኛታት ከም ዝተጀመረ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።
‘‘እቶም ስደተኛታት ሓደጋ ናይ ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ኣሎ’’
ቅድሚ ሰሙናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምንግልታዕ ይበጽሖም ከም ዘሎን ንሓዋሩ ናይ ድሕነት ስግኣት ከም ዘለዎምን ብምግላጽ መሰሎም ክኽበርን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰጋገሩን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም ነይሮም።
ብኻልእ ገጽ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ እቶም ኣብ ማይ ጸብሪ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለዉዎ ኩነታት ካብ ‘‘ዕግታ’‘ ዝፍለ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፡፡
ነዚ ኣበሃህላ ጠቒስና ብዛዕባ ድሕነት እቶም ስደተኛታት ዝሓተትናዮ ወሃቢ ቃል ዩኤንኤችሲኣር፡ እቶም ስደተኛታት ‘‘ሓገዝ ተቛሪጽዎም ኣብ ቀጻሊ ስግኣት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ’’ ኢሉ፡፡
ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ምስቶም መዓስከር ስደተኛታት ዘለዎም ርክብ ንዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ከም ዝተቛረጸ ብምግላጽ "እቶም ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ዝርከቡ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ህይወት ናይ ምድሓን ሓገዝ የድልዮም እዩ" ክብል ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ ኣብቶም መዓስከራት ዝነበረ ጽሩይ ዝስተ ማይ ይውዳእ ከም ዘሎን ኣዝዩ ትሑት ዝበሃል ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ይቐርብ ምህላዉን እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ፡፡
‘‘እቶም ስደተኛታት ኣብ ቅድሚኦም ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ’’ ዝብል እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ክልቲኦም መዓስከራት ንመወዳእታ ግዘ ቀረብ ምግቢ ዝበጸሐ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
እዚ ድማ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ከም ዘየጽንሖም ተዛሪቡ፡፡
እቶም ስደተኛታት ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖምን ከም ዝንገላትዑን ብምጥቃስ፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት "መሰል ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ሓዊሱ ዓለም ለኻዊ ግቡኦም ክዋጽኡ ንምሕጸን" ኢሉ።
ኩነታት እቲ ሓድሽ መዓስከር
ወሃቢ ቃል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ንሳቶምን ሓገዝቲ ትካላትን ናብቶም መዓስከራት ምብጻሕ ኣይከኣሉን፡፡
ኩነታት ድሕነት ኣብ ዝፈቅድ ግና ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ከባቢ ንምግዓዝ ዘኽእል ናይ ህጹጽ እዋን መደብ ከም ዘዳለዉ ገሊጹ፡፡
‘‘ኩነታት ጸጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ፡ ነቶም ስደተኛታት ካብቶም ክልተ መዓስከራት ብሰላም ብዛዕባ ዝወጹሉ ኩነታት ንኹሎም ወገናት ንምእማን እናሰራሕና ንርከብ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ሓድሽ መዓስከር ብዝምልከት ድማ፡ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር መዕረፊ ቦታታት ምፍላይ፣ ናይ መጓዓዝያ፣ ማይ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ምግብን ቀረብ ናይ ምድላው ስራሕቲ ከም ዝተሰርሐን ዝተረፉ ኣድለይቲ ኣቑሑት ካብ ኣዲስ ኣበባ ይጎዓዓዙ ከም ዘለዉን ገሊጹ፡፡
"ኣብ ዳባት ዝህነጽ ሓድሽ መዓስከር ስራሕ ምስ ጀመረ ብዙሓት ጸገማት ዘቃልልን ከምኡ ድማ ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዘለዉ ስደተኛታት ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዝህልዎን እዩ’’ ይብል ነቨን ከርቨንኮቪ።