እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከምዘሻቐላ ገሊጻ
ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ።
ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ፖርተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን [ህወሓት] ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ብምልሻ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና" ኢላ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥሪ'ውን ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምምላስን ከም እተፈጸሞም ዘረድአት እታ ወሃቢት ቃል፤ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ንስድተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን በቲ ኲናት ካብ መንበሪኦም ንዝተመዛበሉን ሰባት ከምኡውን ንሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ምጥቃዕን ምፍርራሕን ክቑጠቡ ጸዊዓ።
ኣፈኛ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ባባር ባሎች ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሓደ ስደተኛ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትለን እቶም ስደተኛታት ንሕጽረት ቀረብ ጽሩይ ማይን መግብን ተቓሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደሃይ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ካብ ዝረክብ ክልተ ሰሙን ተቖጺሩ ምህላው ገሊጹ።
ኣብ'ቶም መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ስደተኛታት እቲ ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ብምምልኡ ንጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም'ውን ባባር ባሎች ሓቢሩ።
"ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን መዓስከር ስደተኛታት: ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ኲናት እናዓረገ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ዩኤንኤችሲኣር ዕጫ ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓስከራት ተዓጊቶም ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተሻቒሉ ኣሎ።
"ኣብ ከባቢ ማይጸብሪ ኣብ መዓስከራት ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኣስታት 24 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዘይኽእልሉ ኩነታት፡ ምፍርራሕ፡ ክትራን እናኣጋጠሞም ኣብ ቀጻሊ ጭንቀት ይርከቡ''።
ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍንቓል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ነይሮም። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት'ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ጸዎዖም።
ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልትታት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ብውሕዱ ሓደ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ "ኣሻቓልን ዝእመንን ጸብጻብ በጺሑና ኣሎ" ክብል ድማ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ካልእ ስደተኛ ተቐቲሉ ምንባሩ ይዝከር።
"ዩኤንኤችሲኣር ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ወገናት ዓለምለኻዊ ግዴታታቶም ክዋጽኡ ይምሕጸን" ክብል እቲ መግለጺ ጸዊዑ ኣሎ።
እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ሓይልታት መን እዮም? ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ዝተገብረ ፈተነ ኣሎ ዶ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ባባር ባሎች "ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኮነ መሻርኽቱ ካብ ሓምለ 14 ንደሓር ካብቶም መዓስከራት ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን ኣሎ" ኢሉ።
"ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩነታት መዓልታዊ እናኸፍአ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከራት ኮነ ኣብቲ ከባቢ መን እንታይ ይገብር ኣሎ ብልክዕ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። "እንተኾነ ግና ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቶም ክልተ መዓስከራትን ኣብቲ ከባብን ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ዝገልጽ እሙን ጸብጻባት ኣሎ። ድሮ ድማ ህይወት ክልተ ስደተኛታት ኣጥፊኦም ኣለው" ኢሉ።
ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ንዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ምስቶም መዓስከራት ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉ ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ተዓጊቶም ዘለው ስደተኛታት ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ከም ዘድልዮም ተዛሪቡ።
እቶም ስደተኛታት ናይ መግቢ ረድኤት ካብ ዝወሃቦም ሓደ ወርሒ ጌሮም ከም ዘለው ብምግላጽ ድማ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ጽሩይ ዝስተ ማይ ይወዳእ ኣሎ። ዝኾነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት የሎን። ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ። እቲ ናይ መወዳእታ ዝተዓደለ ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሰነ ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ጥራይ ከጽንሖም ዝኽእል እዩ" ይብል።
ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኲናት'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው ኣብቲ ክልል ዝነበሩ 55 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢታት ወተሃደራዊ ግጥማት ብምህላው እቶም ስደተኛታት ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ባባር ባሎች ገሊጹ።
ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡሉ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቶም ስደተኛታት ነቲ ኲናት ዝውዕል ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት ከበርክቱ ይግደዱ ኣለው ክብል ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጸብጻባት ምፍንቓልን መጥቃዕትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘሻቐሎም ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ምጽውዑ ይዝከር።
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ።
ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።