እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ 'ሓይልታት ትግራይ መሰረተ ልምዓት ስደተኛታት ንወተሃደራዊ ዕላማ የውዕሉ ኣለው' -ኣራ
ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡሉ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቶም ስደተኛታት ነቲ ኲናት ዝውዕል ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት ከበርክቱ ይግደዱ ኣለው ክብል ከሲሱ።
እቲ ኤጀንሲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ኣብ ማይ ጸብሪ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይሰጋገር ብምህላዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይብል።
ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ጸብጻባት ምፍንቓልን መጥቃዕትን እቶም ስደተኛታት ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ነይሮም።
እቲ መግለጺ "መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ምፍንቓልን ኣሻቒልዎ ኣሎ። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ከኣ ንጽውዕ" ይብል።
ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ቅድም ኢሉ ኣስታት 20,000 ኤርትራውያን ዝነበሩወን መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን "ምሉእ ብምሉእ ዓንየን" ከም ዝረኸበን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ትካል ብ26 መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ምስ ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብተን መዓስከራት ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ብምግላጽ "ክልቲአን መዓስከራት ፍጹም ዓንየን፤ ኣብኡ ዝነበረ ኩሉ ሰብኣዊ ትካላት ተዘሚቱን ዓንዩን" ከም ዝጸንሖም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም፡ ብዘይ ሓለዋን መግብን ንኣዋርሕ ከም ዝጸንሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ክገልጹ ጸኒሖም።
ኣብቲ እዋን ሰብመዚ ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ እተን መዓስከራት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቅጥዕታት ክግዕዛ ከም ዝወሰኑ ብምሕባር ካብ መዓስከራት ሺመልባን ሕጻጽን ዝሃደሙ ኣስታት 7000 ናብተን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ኣትዮም ከም ዘለዉ ሓቢሮም'ዮም።
ካልኦት ኣስታት 2000 ድማ ኣብ ሽረ፣ መቐለ፣ ክልል ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ከም ዘለዉ ጠቒሶም።
ኤጀንሲ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ከም ዝብሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብቶም መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡሎም ከባቢታት ከም ዝኣተው ብምግላጽ ክሳብ ሕጂ ብውሑድ ሽዱሽተ ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ ዘመክቱ መረዳእታታት ኣለውኒ ይብል።
"ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ክውዕሉ ዝተዳለው ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ኣምቡላንስን ዝተፈላለየ ትሕተ ቕርጽን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት የውዕሉዎም ከም ዘለው መረዳእታታት የመልክቱ" ብምባል ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና ዝሞቱ ስደተኛታት ከም ዘለው ገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ ሓይልታት ትግራይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ ህወሓት ግን፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢሉ ከም ዘተኣናገደ ብምግላጽ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት "ብወራሪ ሓይሊ ጉድኣት ዝበጽሖም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
እቲ ክሲ'ውን ብናጻ ኣካል ኣይተጻረየን።
እቲ ኤጀንሲ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ሳባት መዕቖቢ ስደተኛታት ይስራሕ ከም ዘሎን ካብቲ ክልል ንዝወጽኡ ስደተኛታት ዘድሊ የዳሉ ምህላውን ሓቢሩ።
ብግዝያውነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕቆቡ ብምግባር መግቢ ነቕርበሎም ኣለና ክብል'ውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ'ውን ኣብ መግለጺኦም ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቶም ከም ዝርድኡ ብምግላጽ "ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካሊእ ከባቢ ወሲድካ ንምጥያስ ዝግበር መደባት ብፍቓዶምን ሰናይ ድልየቶምን ክፍጸም ይግባእ" ምባሎም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ ብኹነታት እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእሰርቲ፣ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት፣ ዘረፋን ዓመጽን ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ መዓስከር ሓደ ኤርትራዊ ከም ዝሞተን ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝተፈጸመ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ገበናት ከም ዘንሰምበዶ'ውን ፊሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ።
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ።
ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ 79 ኣብ ሽረ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ክሰጋገሩ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።