እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ 'ሓደጋ' ከምዝወደቓ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ገሊጾም
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ዓፈናን፡ ማእሰርትን ክኹንን ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ) ጸዊዑ።
እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ዓመጽ ብዝምልከት ዝግበር መርመራ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ክገብር'ውን ሓቲቱ።
ኣብዚ ሰሙን ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ኣመና' ከምዝተሻቐለ ሓቢሩ ነይሩ።
ፊሊፖ ግራንዲ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ "ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት፡ ጭውያታት፡ ማእሰርትን ጎነጽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተፈጸመ እሙንን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣለና" ኢሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ መንጎ'ቶም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ተጻረርቲ ወገናት ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ "ጎነጽን ምፍርራሕን" ደው ክብል፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ከተማታት ሽረን መቐለን ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ'ውን ግራንዲ ጸዊዑ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት "ሚሊሻ" ናብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ብምእታዉ፡ ንገለ ብምቑሳል ንብረት ዘሚቶም ከምዝኸዱ ምንጭታት ካብቲ መዓስከር ሓቢሮም ነይሮም።
ፈደራላዊ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ መንግስቲ በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቶም ብምቕጻሎም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ሽመልባን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ "ሓደጋ" ከምዝወደቑ ገሊጹ።
እቲ ናይ ሕጂ ውግእ ኣብ ከባቢ እተን ክልተ መዓስከራት ክካየድ ከምዝቐነየ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም። እቲ ኩነታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ስግኣትን ክወድቁ ከምዝገበሮም ድማ ተዛሪቦም።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ገለ ከባቢታት ናይቲ ክልል ኣብቲ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ስለዝርከብ ውግእ ከምዘየቋርጹ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ደቡብ እቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ዝርከብዎም ቦታታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ።
ብዛዕባ ጸጥታዊ ውሕስነት ናይቶም ስደተኛታትን ሓላፍነት ዝወስድ ሰብመዚ መንግስትን እቲ ዝርከብሉ ከባቢን ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ይገልጽ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ንድሓር ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝወደቑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ብምዕናወን፡ እቶም ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ምዃኖም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣስታት 9,000 ካብኦም ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዘለዉ፡ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ጠቒሱ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ 79 ኣብ ሽረ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ዝተዓቚብሉ መዓስከር ስደተኛታት ክሰጋገሩ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ፡ እቲ ትካል ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ጸብጻብ የረድእ።