ጓል 19 ዓመት ኤርትራዊት ነባሪት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ገዝኣ ተቐቲላ ተረኺባ

ብቕትለት ዮርዳኖስ ብርሃነ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተገልጸ ውልቀሰብ ኣብ ስቶክ-ኦን-ትረንት ዝተባህለት ከተማ ከም ዝተትሓዘ ተገሊጹ።

ተቐማጢት ከተማ በርሚንግሃም፡ ጓል 19 ዓመት ዮርዳኖስ ብተደጋጋሚ ብካራ ተወጊኣ ኣብ መንበሪ ገዝኣ እያ ብቐዳም ተረኺባ።

ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ ነቲ ቀትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኽበ ምስልታትን ካልእ መረዳእታታትን መርመራኡ ኣብቲ ስታፎርድሻይር ዝተባህለ ከባቢ ከተኩር ኣመታት ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ወዲ 25 ዓመት ጥርጡር ምስታ ግዳይ ሌላ ከም ዝነበሮ መርመርቲ ግምታቶም እኳ እንተገለጹ፡ ብልክዕ እንታይ ዓይነት ዝምድና ከም ዝነበሮም ኣይተነጸረን።

ፖሊስ ንመቕርብን ስድራቤትን ዮርዳኖስ ንምርካብ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪ'ውን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ምብጽሑ መርማሪ ጂም ሞሃን ሓቢሩ።

"ንዮርዳኖስ ዝፈልጥዋ ሰባትን ኣባላት ስድራቤታን ክረኽቡና ጻውዒት ኣቕሪብና ኔርና፤ ኣብዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ሰባት ጻውዒትና ተቐቢሎም ከም ዝረኸቡና ክገልጸልኩም እፈቱ" ኢሉ።