ኣብ ኣመሪካ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ብኻራ ተቐቲሎም

ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ኣሪዞና፡ ክልተ ቆልዑ ኣሕዋትን ጓል 19 ሓትንኦምን ብሓደ "ቤተሰቦም" ብኻራ ከም ዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

እቶም ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ዝተቐዝፉ ቆልዑ፡ ጓል 9 ዓመት ኣርሴማን፡ ወዲ 7 ዓመት ሓዋ ማዕድንን ምዃኖም ፖሊስ ከተማ ፊንክስ ገሊጹ።

እቲ "ሓሪቑ" ቀቲልዎም ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ቤተሰቦም፡ ብኸቢድ ቆሲሉ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ከም ዝርከብ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ቅትለት ኣዲኦም ንቑርሲ ዝኸውን ኣስቤዛ ክትዕድግ ምስ ወጸት ከም ዝተፈጸመን፡ ምስ ተመልሰት እቲ ዘሰንብድ ትርኢት ከምዝጸንሓ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እታ ኣደን ደቃን፡ ቅድሚ 3 ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝተሰደት ምዃና ተፈሊጡ።

ፖሊስ ነቲ ቅትለት የጻርዮ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ኩነታት ዘስካሕክሕ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ቅትለት ናይዞም ግዳያት ንብዙሕ ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ዘጉሃየ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ይዝረበሉ'ሎ።