እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እስራኤል ሃይማኖታዊ መራሒ ብኻራ ተቐቲሉ
ኣብ እስራኤላዊት ከተማ ፐታሃ ቲኪቫ፡ ሓደ ሃይማኖታዊ መራሒ (ራባይ) ብኻራ ተወጊኡ ከም ዝሞተ ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ።
እቲ ራባይ ብሓደ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ ከም ዝተቐለ'ውን ተሓቢሩ።
እዚ ሻይ ኦሃዮን ዝተባህለ 39 ዓመት ሃይማኖታዊ መራሒ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቖልዑ ኮይኑ፡ ኣብ ኮሌጅ ክመሃር ውዒሉ ንገዛ ክኸይድ እንከሎ'ዩ እቲ መጥቃዕቲ በጺሕዎ።
እቲ ጥርጡር ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ክሃድም ከም ዝፈተነን ሓለፍቲ መገዲ ኣርኪቦም ንፖሊስ ከም ዘረከብዎን ተገሊጹ።
እዚ ወዲ 46 ፍልጤማዊ ካብቲ ብእስራኤል ተታሒዙ ዘሎ ዌስት ባንክ እዩ መጺኡ።
መርመርቲ ነዚ ቕትለት ከም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ገሊጾም ኣለው።
እንተኾነ፡ እቲ ጥርጡር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከይህልዎ መርመራ ከካይዱ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንስድራ እቲ ሞዋቲ ጽንዓት ይሃብኩም ድሕሪ ምባል፡ ገዛውቲ ግብረ-ሽበራውያን ከም ዘዕንዎን ከምኡ'ውን ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ተሪር ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።
ዝሓለፈ ሮቡዕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ወርሒ ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ብግረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣይተቐትለን ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ጽሒፉ ነይሩ።
ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ብግበረሽበራዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ኣለው።
ብተመሳሳሊ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልጠማውያን ብወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም እዮም።