እስራኤል ኣብ ቓዛን መሬት ሶርያን መጥቃዕቲ ኣካይዳ

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጉጅለ ፍልስጤምን ሶርያን መጥቃዕቲ ከምዘካየት ኣፍሊጣ።

እቲ መጥቃዕቲ ከም ግብሪ-መልሲ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኣ ዝተካየደ ናይ ሮከት መጥቃዕቲ ምዃኑ ኤስራኤል ትገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ዒላማታት እስላማዊ ጅሃድን ቓዛን ጽዑቕ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ድሕሪ ምእማኑ፡ "ሕምብርቲ ንጥፈታት እስላማዊ ጅሃድ" ዝበልዎ ከባቢ ከምዘጥቕዐ ገሊጹ።

ሶርያ ብወገና ነቲ ናይ እስራኤል ሚሳይላት ብጸረ-ሚሳይላት ገይራ ከምዘውደቐቶ ገሊጻ።

በቲ መጥቃዕቲ 4 ሰባት ከምዝቐሰሉ'ውን ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ገሊጾም።

እቲ ተጻብኦታት፡ እስራኤል "ንኣባል እስላማዊ ጂሃድ ኣብ ከባቢ ዶብ ቓዛ ቐቲለ" ምስበለት እዩ ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ።

እቲ ኣባል እስላማዊ ጅሃድ ነታጒ ክቐብር ከምዝቐተልዎ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግሊጺ ሓቢሩ።

ድሕቲ እቲ ፍጻመ፡ ፍልጠማውያን ኣንጻር እስራኤል ዝቐንዐ ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ምስ ጠለቡ ድማ፡ ሮከታት ካብ ቓዛ ተተኹሱ።

ሓልታት እላማዊ ጅሃድ ነቲ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ድማ ገሊጹ።

እዚ ብኢራን ከም ዝድገፍ ዝንገረሉ ሓይልታት እላማዊ ጅሃድ፡ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃኑ ይግለጽ።