ሱዳን ነፈርቲ እስራኤል ብክሊ ኣየራ ክበርራ ኣፍቂዳ

እስራኤል ምስ መንግስቲ ካርቱም ብዝተበጸሐ ስምምዕ ንግዳውያን ነፈርታ ብክሊ ኣየር ሱዳን ክበራ ከም ዝጀመራ ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ በንጃሚን ናታንያሁ፡ ንጉጅለ መራሕቲ ኣይሁድ ኣሜሪካውያን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ቀዳመይቲ ነፋሪት እስራኤል ብቐዳም ብክሊ ኣየር ሱዳን ኣቢላ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ከም ዝበረረት ተዛሪቡ።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል፡ ነቲ በረራ ብሰለስተ ሰዓት ከጉድሎ ምዃኑውን ገሊጹ።

ሱዳን፡ ነፈርቲ እስራኤል ብክሊ ኣየራ ክበርራ ፍቓድ ከም ዝሃበት፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ እዩ።

እስራኤል ንዓመታት ጸላኢታ ምስ ዝነበረት ሱዳን ዝምድናኣ ብቕልጡፍ ንምምሕያሽ ዝርርባት ክተካይድ ከም ዝጸንሐት ናታንያሁ ሓቢሩ።

ምስ ፍልስጤማውያን ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ዘለዋ ሱዳን፡ ምስ እስራኤል ዝምድናኣ ክተመሓይሽ ትድሊ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ መራሒ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም እዮም።

እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ምልክት ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጠኑ ዝተዓልወ በሽር፡ ንእስራኤል ብትሪ ዝቃወም ዝነበረ ኮይኑ፡ መንግስቱ ንፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ፡ በምዕጣቕ ይድግፎም ነይሩ ተባሂሉ ይሕመ።