እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ‘ታሪኻዊ’ ስምምዕ በጺሐን

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን ክልትኣዊ ርክብን ናብ ንቡርን ርጉእን ኩነታት ንምምላስ ኣብ ዝሕግዝ ስምምዕ በጺሐን።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓሲባቶ ዝነበረት መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ኣወንዚፋቶ ኣላ።

እቲ ብሽምግልና ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተበጽሐ ስምምዕ እተን ሃገራት ‘ታሪኻዊ’ ስምምዕን ኢለን ገሊጸንኦ።

ክሳብ ሎሚ እስራኤል ምስ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣይጸንሓን።

እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን እስራኤልን ካብ ኢራን ተመሳሳሊ ስግኣታት ስለ ዘለወን ዘይወግዓዊ ርክባት ክገብራ ጸኒሐን እየን።

እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ንፍሊስጤማውያን ኣቖጢዑ ይርከብ።

ወሃቢ ቃል ማሕሙድ ዓባስ ነቲ ስምምዕ ‘ክሕደት’ ክብሎ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ፍሊስጤም ክምለስ ተነጊርዎ’ሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁን ልዑል መሓመድ ኣላ ናህያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ‘ናይ ብሓቂ ታሪኻዊ ስምምዕ’ዩ’ ብምባል እዩ ገሊጽዎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል ኣብ 1948 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝኸተማት ሳልሰይቲ ዓረባዊት ሃገር ኮያና ኣላ፡ ግብጽን ዩርዳኖስን ኣቐዲምን ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ከቲመን ዝነበራ ሃገራት ዓረብ’የን።

ግብጺ ኣብ 1979 ዩርዳኖስ ድማ ኣብ 1994 ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ክኽትማ እንከለዋ፡ ሞሪታንያ ኣብ 1999 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ድሕሪ ምጅማራ ኣብ 2009 ኣደስኪላቶ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ “ሕጂ እቲ በረድ ተሰይሩ’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኺለን ከምዝመጽኣ ድማ ትጽቢትይ’ዩ”ድሕሪ ምባል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ጽንብል ምፍርራም ከምዝካየድ ገሊጹ።

ቅድሚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ስምምዕ ናብ ማዕከናት ዜና ምሕባሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያዩ ብቋንቋ ሂብሪው ኣብ ትዊተሩ ‘ታሪኻዊ መዓልቲ’ ኢሉ ጽሑፉ ነይሩ።

ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓሲባቶ ዘላ መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ንግዚኡ ደው ከም ዘበለቶ ብምሕባር፡ እቲ መሬት ናይ ምልቃብ ሓሳብ ክዝተየሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምስዓብ፡ ሃገሩ ምስ ሕበራት ኢማራት ዓረብ ብምኳን ኣብ ምርካብ ክታበት ኮሮናቫይረስ፤ ጽዓት፤ ማይን ምዕቃብ ከባብን ከምዝሰርሑ ገሊጹ።

እዘን ክልተ ሃገራት እንታይ’የን ተሰማሚዐን?

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ልኡኻት እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክልተኣዊ ስምምዓት ንምኽታም ክራኸቡ እዮም።

ኣብቲ ስምምዕ ንወፍሪ፣ ቱሪዝም፣ ቀጥታዊ በረራ ነፈርቲ፣ ጸጥታ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ጸዓት፣ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፣ ባህሊ፣ ዕቃበ ከባብን ምትካል ኢማባሲታትን ኣብ ዝብሉ ዝርከብዎም ስምምዓት ክኽትሙ’ዮም።

እስራኤል ብወገና ገለ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ መሬታ ግዝኣተይ’ዩ ኢላ ካብ ምእዋጅ ክትጸንሕ እያ።

ፍሊስጤማውያን እዚ ስምምዕ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጠሓሰን ነጻን ልኡላዊትን ፍሊስጤም ካብ ምእዋጅ ዝዕንቅጽ’ዩ ብምባል ኣጠንቂቆም ኣለዉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርጋሽ፡ እዚ ስምምዕ እስራኤል ገለ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ከይትሕዝ ደው ብምባል ክምጽእ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤት ንክግታእ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።