እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን 'ቤተ እስራኤል' ናብ እስራኤል ክውሰዱ ጠሪዖም
ኢትዮጵያውን ቤተ እስራኤል ናብ እስራኤል ክውሰዱን ኣብኡ ምስ ዝነብሩ ቤተሰቦም ክፅንበሩን ናብ ፕረዚደንት ሀገረ እስራኤል ጠሪዖም።
እዚ መፀዋዕታ ዝቐረበ ብተወከልቲ ቤተእስራኤላውያን እንትኾን፤ ፕረዚደንት ረውቨን ሪቭሊን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ይገብርሉ ኣብዘለዉ እዋን እዩ ነዚ ሕቶ ቀሪቡሎም።
ተወከልቲ ናይቶም ቤተእስራኤላውያን ከምዝብልዎ፤ ኣስታት 80,000 ሰባት ናብ እስራኤል ክስደዱ ይፅበዩ እዮም ዘለዉ።
መብዛሕቲኦም ቅድሚ ዓመታት ፅዕንቶ ተገይሩሎም እምነቶም ናብ ክርስትና ናይ ዝቐየሩ ኣይሁድ ዘርኢ ሓረግ ከምዘለዎም እዮም ዝዛረቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ እስራኤል ልዕሊ 140,000 ኢትዮጵያውያን ቤተ እስራኤል ይነብሩ፤ መብዛሕቲኦም ድማ ብሓገዝ ሰብ መዚ እስራኤል ናብኡ ዝተግዓዙ እዮም።
ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ቤተ እስራኤል፤ መንግስቲ እስራኤል ዝሓሸ ሓገዝ ክገብረሎም ዝፅውዕ ተቓውሞ ኣብ እስራኤል ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።
ግን ድማ ካብ ኣፍሪካ ዝመፁ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክስጎጉ እውን ፃውዒት ክግበር ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፤ መንግስቲ እስራኤል መብዛሕተኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመፁ ስደተኛታት ንምስጓግ ዝነበሮ ትልሚ ብምኽንያት ውሳነ ቤት ፍርድን ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ብዝቐረቦ ነቐፌታን ክገድፎ ተገዲዱ እዩ።
ኣብ 2016፤ ሰብ መዚ እስራኤል እዞም ስደተኛታት ድሕነትን መንነትን ሀገረ እስራኤል ናብ ሓደጋ ኣእቲዮምዎ እዮም ምባሎም ይዝከር።