እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሱዳን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምዕራቕ ድሌት ከም ዘለዋ ተገሊጹ
ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምትእምማን ክህልዋ ዝፈጥር ኩነታት ክሳብ ዘይተፈጥረ ከም ኣተዓራቒት ምቕባል ከም ዘጸግም ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪባ።
ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "ንሱዳን ከም ኣደራዳሪት ንምውሳድ ፈለማ ናይ ምትእምማን ጉዳይ ብዕምቆት ክርአ ኣለዎ ኢልና ኢና እንኣምን" ኢላ።
ወተሃደራት ሱዳን ኣብቲ ኢትዮጵያ ናተይ'ዩ እትብሎ ግዝኣት ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ከም ዝሓርፈፈን፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ዘሎ እምነት ከም ዝተባሕጎገን'ውን ተዛሪባ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክትሽምግል ድሌት ከም ዘለዎ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
ኣቐዲሙ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።
ክልቲኦም ሰብሰልጣን፡ ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ንምትብባዕ ከም ዝሰርሑን፡ ንኹሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድን ልኡላዊነትን ሓደነትን ኢትዮጵያ ንምሕላዉ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ረዲኤት ዘድልዮም ገደብ ዘይብሉ ተባጻሕነት ክህሉ ከም ዝሰርሑ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ተዂሲ ደው ቅድሚ ምባሎም 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ-ኩነታት ምቕራቦም ይዝከር።
ሓደ ካብኡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ክኣቱ ዝብል'ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስቲ "ኣሸባሪ" ክብል ዝፈረዶ ህወሓት ክዘራረብ ቅሩብ ከም ዘይኮነ'ዩ ዝገልጽ።
ሓይልታት ፈደራል ካብ ትግራይ ኣብ ዝወጽሉ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ መንግስቲ በይናኣዊ ምቁራጽ ተዂሲ ኣዊጁ ነይሩ'ዩ።
እንተኾነ ምስ ህወሓት ዝምድና ዘለዎም "ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ" ነቲ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ብምንጻግ፡ መጥቃዕትታቶም ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝኸፈቱ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሳ።
ነቲ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ቅድመ-ኩነታት፡ "ሰላም ንምውራድ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣይኮነን" ክትብል ቢልለኔ ገሊጻቶ።
መንግስትን ህወሓትን "ማዕረ ኣይኮኑን" ድማ ትብል።
ብዛዕባ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ድማ፡ ረድኤት ብሱዳን ክኣቱ ዝብል ኣማራጺታት ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣይቀረበን ኢላ።
"ህወሓት ናይ ዓፋር መንገዲ ኣማራጺ ኣይኮነ፡ ተዓጽዩ እዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሕ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ረዲኤት በየናይ መንገዲ ክኣትዉ ከም ዘለዎ ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለዎ ክትብል ተዛሪባ።
"መንግስቲ ብዓፋር ረዲኤት ከይኣቱ ከም ዝኸልከለ ተገይሩ ዝቐርብ ሓሶት'ዩ"።
መንግስቲ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ረዲኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ዕንቅፋት ከም ዝኾኑ ይኸስስ።