እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ምስ ምልባዕ ግጭት ትግራይ ስክፍታታት ሓድነት ይዛይድ ኣሎ
ኣብ ትግራይ ዝወልዐ ግጭት እናሓየለ ብምኻዱ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ደገፍቱን፡ ንትሽዓተ ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ትግራይ እዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ሕጂ ግን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰጊሩ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ድሕሪ'ቲ ዝወረዶም ሓያል መጥቃዕቲ ሓመድ ልሒሶም ተንሲኦም ብርኡይ ጸብለልታ ንመቐለ ሓዊሱ ሰፊሕ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ምስ ተቖጻጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ኣንሳሒቡ በይናዊ ተዅሲ ደው ምባል ኣዊጁ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዓሌታዊ ወጥሪ ሰፊኑዋ ኣሎ።
እቲ ውግእ ናብ ካልእ ክፍልታት ኢትዮጵያ ምዝርግሑ ከኣ እቲ ናይ ትግራይ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ምእኩል ምምሕዳር እንከላ ዝተፈጥረን ዝማዕበለን ዓሌታዊ ቅሬታን ስምዒትን ንምምሕያሽ ተባሂሉ ኣብ 1994 ንዓሌታት መሰረት ዝገበረ ቅዋም ኣጽዲቓ፡ ዓርሰ ምሕደራ ክልላት ብዘፍቅድ ፌደራላዊ ስርዓት ክትመሓደር ጸኒሓ ኣላ።
እቲ ክሳብ 2018፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ዝተዓብለለ፡ ልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት ኢህወደግ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝለዓል ዝነበረ ተቓውሞ ብሓይሊ ይደቁስ ብምንባሩ ይንቀፍ እዩ።
ካብቶም ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም ዓሌታት ኢትዮጵያ ዝተወልደ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ምስ ኰነ፡ ጸቕጢታት ንምውጋድ ርኡይን ደፋርን ሊበራላዊ ስጉምቲ ከተኣታቱ ፈቲኑ።
እንተኾነ እቲ ዝወሰዶ ሊበራላዊ ስጉምቲ፡ 'ስልጣንን ዋንነት መሬትን ይግበኣና'ዩ' ዝብሉ ብሄራዊ ክልላዊ ግዝኣት ዝሓቱ ናይ ሓያሎ ዓሌታት ሕቶን ጠለብን ኣኸቲሉ።
ኣብ ናይሮቢ ማእከሉ ዝገበረ ተንታኒ ጉዳያት ድሕነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ራሺድ ኣብዲ "ብዙሕ ዓሌታዊ ግጭት'ዩ ዘሎ" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ራሺድ "ቀጻሊ ጎንጺ ዝካየደሉ ቦታ" ኢሉ ኣብ ዝሰምዮ ምብራቕ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣስታት 200 ሰባት ብጃምላ ተቐቲሎም።
እዚ ከባቢ ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወድ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓለፍቲ ምምሕዳርን ጸጥታን እቲ ክልል ኣባላት ሓደ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘጓሃህር ዕጡቕ ጉጅለ ዝበሉዎ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ከም ዝቐተሉ ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኣብቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ይብጽሓኒ እዩ ክብላ ዝሰሓሓባሉ፡ ኣል-ፋሻጋ ዝተባህለ ሃብታም ናይ ሕርሻ ቦታ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየሎ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ኢትዮጵያ ግጭት ከም ዝጸንሐ እቲ ኩነታት ግቡእ መዓልቦ ክሳብ ዝርከቦ ከኣ ቀጻሊ ጠንቂ ግጭት ክኸውን ከም ዝኽእል ተንታኒ ራሺድ ኣብዲ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ኣስታት 1,100 ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ንትግራይ ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ብሄረሰብ ቅማንት ካብ ኵናት ብምስጋእ ናብ ሱዳን ከም ዝሃደሙ መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን ጸብጺበን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣመራርሓ ትግራይ ኣብዚ ከባቢ ዓሌታዊ ጽልኢ ከም ዝነዝሑሎም ክኸሱ ጸኒሖም እዮም፤ ትግራይ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብሰንኪቲ ኣብ መንጎ ክልላት ሶማልን ዓፋርን [ንጅቡቲ ቐረባ ዝኾኑ ከባቢታት] ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ባእሲ ከምኡ'ውን ኣብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ንዝከታተሉ ሰባት "እንታይ ኮን ክስዕብ እዩ?" ብማለት የጨንቖም ከም ዘሎ ይዝረብ።
ኢትዮጵያ ጠንካራ ጸኒሑ ድማ ሓደገኛ ብዝኾነ ታሪኻዊ ዑደት'ያ ትሓልፍ፤ ሕጂ ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝብሃል ምዕራፍ'ያ ትርከብ" ይብል ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም ኣሌክስ ዴዋል።
ገሊኦም ኢትዮጵያውያን ክኢላታት እውን፡ እታ ሃገር ኣብ ቀራና መገዲ ምፍራስ ከም ዘላ ይዛረቡ ኣለው።
"ንኢትዮጵያ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ቅልውላው ከም ዘላ ዝኽሓድ ኣይኮነን" ዝብል ተንታኒ ራሺድ ኣብዲ "እቲ ቅልውላው ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝርኣዩ ዘለው ዓሌታዊ ጎንጺታትን ብኸመይ ከም ዝውዳእ ዋላ ሓደ ሰብ ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእልን፤ ግን ከኣ እዚ ሓደገኛ ቅልውላው ንኢትዮጵያ ከፍርሳ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣቱ ይገልጽ።
ይኹን እምበር ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ምንይችል መሰረት ኢትዮጵያ ከምቲ ዝፍራሕ ኣብ ገምገም ውድቀት ኣይኮነትን ኢሉ ይኣምን።
"ካብ ፈለማ እውን ከምኡ ኢልካ ምዝራብ ግቡእ ኣይኰነን። ኢትዮጵያ፡ ብዘይካ ንትግራይ ንመላእ እታ ሃገር ዝቆጻጸር ዕማማቱ ብግቡእ ዘሳልጥ ግብራዊ መንግስቲ ኣለዋ" ከኣ ይብል።
እኳ ደኣ እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራትን ዞባታትን "ሃገራዊ ጥምረት" ኣደልዲሉ፤ ኩሉ ምስ መንግስቱን ሰራዊቱን እዩ ተሰሊፉ ዘሎ ብምባል ይምጉት።
ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ዘቕረቡዎ ቅድመ ኩነት ብመንግስቲ ኣቢይ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ኲናት ደው ከም ዘየብሉ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ቅድመ ኩነት እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ከበባ ከቋርጽ ኩሎም ተጻረርቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓቢሮሞም ኣንጻር ትግራይ ዝተዋግኡ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ዝጽውዕ እዩ።
እቲ ቅድመ ኩነት፡ ነቲ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ መቐለ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ተቛሪጹ ዘሎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ባክን ቴሌኮሚኒኬሽንን'ውን ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ዝብል እዩ።
ኣህጉራውያን ውድባት እውን ዘድሊ ረድኤት ንምብጻህ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከብጽሓ ኣጸጊሙለን ኣሎ።
ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ቢቢሲ ኣዋር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሓይልታት ትግራይ ዘቕረቡዎ ቅድመ ኵነት ክሳብ ተቐባልነት ዝረክብን ብሓይልታት ፈደራል ዝተገብረ ከበባ ክሳብ ዝለዓልን ውግእ ደው ከም ዘየብሉን ቃልሶም ከም ዝቕጽሉን ገሊጹ።
"ኣብዚ ግዜ'ዚ እንገብሮ ኵሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብኽልተ ዓበይቲ ዕላማታት እዩ ዝምራሕ። እቲ ሓደ ነቲ ዕግታ ምስባር ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ መንግስቲ ንጻውዒትና ተቐቢሉ ብሓባራዊ ስምምዕ፡ ተዅሲ ደው ኣቢልና ናብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክንኣቱ እዩ" ኢሉ።
እቲ ጀነራል ወሲኹ፡ ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ብፖለቲካ ክዕብልላ ድላይ ከም ዘይብሉ፡ ኣብ ክንድኡ ተጋሩ ንመጻኢ ብኸመይ ከም ዝመሓደሩ ብረፈረንደም ድምጺ ክህቡ ከም ዝደልዩ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ህንጸት ዲሞክራሲ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ሓይልታት ትግራይ ግጉይ ናይ ስልጣን ጽምኢ እዩ ዘለዎም ብምባል መንግስቲ ዓቕሉ ኣብ ዝወደኣሉ እዋን ካብ ኩለን ቁሸታት እቲ ዞባ ክስጎም'ዩ ኢሉ።
ኣቶ ዛዲግ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ማዕቀብ ወይ ዕጽዋ ኣሎ ዝብል ዘረባ ብምንጻግ ንትግራይ ረድኤት ምቕራብ ናይ መንግስቲ ግዴታ እዩ ኢሉ።
እንተኾነ እቲ ናይ ግጭት ምልክት ገና ርሱን እዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ክተት ዝተቐበሉ መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንኽዋግኡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለው።
እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ ኣሎ።
ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ፡]ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ልዕሊ 100,000 ህጻናት ብዋሕዲ መግቢ ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ፍርቂ ካብተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ነብሰ-ጾራትን ኣጥበውቲ ኣዴታትን ዓቢ ሃስያ ከም ዘስዕበለን ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣስታት 400,000 ሰባት "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጥሜት" የጋጥሞም ከም ዘሎ ናይ መግቢ ክኢላታት ይገልጹ ።
ብዘይካ እቲ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝኣቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ረድኤት ንዝጸዓና ቃፍላይ ብደገፍቲ መንግስቲ ምልሻ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመን ዝተነግረሉ ቦታ፡ ካልእ ኩሉ ናብ ትግራይ ዘምርሕ መስመራት ረድኤት ተዓጊቱ እዩ ዘሎ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣምሓራን ምልሻን ብምስዓር ብመንገዲ ሱዳን ሓድሽ ናይ ረዲኤት ኮሪደር ክኸፍቱ ተስፋ ከም ዘለዎም ይገልጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ይገልጽ።
እቲ ግጭት ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ክልል ዓፋር ምስ ተዘርገሐ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መግብን መጽለልን ስኢኖም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዝተፈለላየ ጸገማት ንምፍታሕ ብስቱር ዝተፈተነ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እናተጋህደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣሌክስ ደዋል ይገልጽ።
ኣባል ትካል መጽናዕቲ ሳሃን ማት ብራይደን ግን ኣብዚ ደረጃ'ዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ይከኣል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሉ ይጠቅስ።
"ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ዝርርብ ምእንቲ ክካየድ ሚዛን ወተሃደራዊ ተበግሶ ክሕይል ከም ዘለዎ ይኣምኑ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ፖለቲካዊ ዝርርብ ተገዳስነት ዘለዎ ኣይመስልን ወይ ኣብ ዝርርብ ክሳተፍ ከም ዘለዎ ኣይግንዘብን፤ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ተልእኾኡን ዘየወላውል እምነት እዩ ዘለዎ" ኢሉ።
ብራይደን፡ "ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ክሳዕ እትወጽእ ወይ እውን ክልቲኦም ወገናት ንዝርርብ ቅሩባት ክሳብ ዝኾኑ ግጭት ከይቅጽል የፍርሓኒ እዩ" ዝብል ስግኣቱ ገሊጹ።